2013-10-31 16:14:30

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጥርንፍ ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጀነቭ ኣብ ረፓብሊካዊት ኮርያ ከተማ ቡሳን ዕለት 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ህያው እግዚኣብሔር ናብ ፍትሕን ሰላምን ኣብጽሓና” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ዓስራይ ሓፈሻዊ ኣኼባኡ ናብ ዝኸቶ ጉባኤ ንናይ እዋንና ልዑል ኣገዳስነት ትኵረትን ጸሎትን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማልእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልኽቶም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ እትፍጽሞ ምትሕብባር ቀጻልነቱ ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ናይ ምትሕብባር መዳይ ክትዓዪ ፍቓደይና ምዃና ገሊጾም፣ እቶም ኩሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ጸሎቶም ከበርትዑን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ክተሓባሩን ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ዓውሎማነት ዝዓሰሎ ዓለም ማኅበረ ክርስቲያን እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝምጭው ልዑል ዝኾነ ሰብኣዊ ክብሪ ብምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸትን ምሉእ ሕንጸት መንሰያትን ብምንቕቓሕን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበርሰብን ኣብ ነጻነት ምዕባይ ብምክልኻል ክምስክሩ ዝጠልብ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ዝተንተኑ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቲ ናይ ሕብረሰብ መሠረት ዝኾነ ኣባይቲ ስድራ ድጋፍን ናይ ሃይማኖት ነጻነቱ ውሑስ ክኸው ይግባእ ቢሎም፣ ኣብ ወንጌል እሙናት ኰይና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝቕመጡ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ብቐሊሉ ዝተቓልዑን ክፍሊ ሕብረተሰብን ብሓፈሻኡ ንኹሉ ዓይነት ከባቢኣዊ ህልውና ቀረባ ብምዃን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ደገፍን ምቕራብ ከምዝግባእን፣ ድኻታትን ሕሙማንን ኣካለ ስንኵላንን ስደተይናታትን ኣረጋውትን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ መንእሰያትን ድጋፍን ምትሕብባርን ንኽርስትያን ጸዋዕታ እዩ፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ነቶም ምእንቲ ዝተፈላለየ ማሕበረ ክርስቲያን ውህደት ዝግበር ቅዱስ ጻዕሪ ሓድሽ ሕይወታዊ ድርኾትን ራእይን ዘዕትር ክኸውን እትስፈው ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልኽቲ ነቲ ጉባኤ ኣብጺሖም ዘንበቡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምዃኖም ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓስራይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክፍሊ ናይቲ በቢ ሸውዓተ ዓመት ዝካየድ ጠቕላሊ ጉባኤ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ፣ እዚ ዋና መንበሩ ኣብ ጀነቭ ዝኾነ ናይ ውህደት ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ልዕሊ 345 ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ዝሓቁፍን ክኸውን እንከሎ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣባል ኣውን እንተዘይኮነት ብዝተፈላለየ መዳይን በቲ ብናይ እምነትን መዋቕራዊ ድርገት ኣቢላ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ዝፈላልዮም ጉዳይ በቲ ናይ ሓባር ኣስተንትኖ ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ዝገብር ከይዲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቲ ኣብ 1965 ዓ.ም. ዝቖመ ናይ ሓባር ናይ ዕዮ ድርገት ኣቢላ ምስ’ዚ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ብናይ ርክባትን ምትሕብባራትን ብስሩዕ ቅርጻዊ መጋበሪያ ኣቢላ ከምትፍጽሞ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.