2013-10-29 15:54:30

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ቤት


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ስድራ ቤት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ስደራ ቤት መሰልን ፍቓድን ናይ ውሳኔ ሰነድ ሕታምን ከምኡ እውን ብዓመተ እምነት ምኽንያት ዝጠለቦ “ሓደስቲ ኣድማስ ስነ ሰብእን መሰልን ክብርን ስድራ ቤትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ድሕሪ ምጥንቓቕ ዕለት 26ን 27 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 150 ሺሕ ዝግመቱ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝቐረበ ናይ መንፈሳዊ መዛሙራትን ቃል ምስክርነት ኣባይቲ ስድራን ከምኡ ኣውን ሥልጣናዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦናን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝተመርሔ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ብምስታፍ ኣብቲ ዝተዳልወ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ከማተሳተፉ እንክምልከት ኣብቲ ዓቢይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ቤት ዝተሳተፉ ኣደ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርኦ ቃለ ምልልስ፣ ምስ መላእ ስድራ ቤተን ኣብቲ ቅዱስ ኩነት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝተዋጽኡ ኣባይቲ ስድራ ሓቢረን ከምእተሳተፋን ቅዱስ ኣቦና በቲ ዓቢይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ቤት ምኽንያት ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ፦ “ፍቓድን ይቕረ ምብህሃልን ጸጋን” ዝብሉ ዝጠቐስዎ ቃላት ዘኪረን ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበለዎ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ዘይምርድዳእን ምቕሕሓርን ክፍጠር ዝከኣል እዩ ኣብ ኣማሲኡ ግን ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣኢኻ ብፍቓድን ብይቅረ ምብህሃል ብሓልዮ ጸጋ እግዚኣብሔር ተመሪሕካ ምስጢረ ተክሊላዊ ሕይወትካ ከም ብሓድሽ ምጅማር፣ ኮታ ይቕረ ከይተበሃሃልካ ኣብ ኩራኻ ተዓጺኻ ምድሪ ከይዓርበካ ምጥንቓቕ የድሊ፣ ዘይምቁያቕ ዘይምርድዳእ ኣይኮነን እቲ ጉዳይ፣ ክህሉ ዝከኣል እዩ ክህሉ እውን እዩ፣ ኮይኑ ግን ይቕረ ምብህሃል እዩ እቲ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ዘጽንዕ፣ እዚ ድማ ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ገሊጸን ሓንቲ ስድራ ቤት ንእምነት ክፍቲ እንተድኣ ኰይና ዝመጸ እንተ መጸ ሽግር ሓደጋ ብሓልዮ እግዚኣብሔር ትሳገሮ። ቅዱስ ኣቦና ሓይሊ ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ ስለምታይ ይቅረ ዝብል ዝምሕር ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ዝበልዎ ብሓቂ ንሓንቲ ስድራ ቤት መምርሒ እንተድኣ ኰይኑ ነታ በዚ እትምራሕ ስድራ ቤት ዘናውጻ መንን እንታይን እዩ? እንክብላ ካልእ ምእመን ምስ መላእ ስድራ ቤቶም ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ኣቦ ዓቢይ ንምዃን ዝበቕዑ ኤውጀንዮ ቦላኒ ነተን ካብ ዓለም ሓቆፍ ዝተዋጽኦ ኣባይቲ ስድራ ዝተሳተፉለን ክልተ መዓልቲ ብሓቂ ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ዘቕርብሉ ቦታ ሕጻናት ክጻወቱን ምስ ቅዱስነቶም ክራኸቡን ክዘራረቡን ምርኣይ ብሓቂ ንሓንቲ ስድራ ቤት ስድራ ዘብላ መሰረት እንታይ ምዃኑ ትግንዘብ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ወለዲ ንውላዶም ብቓልን ሕይወትን ዘመሓላልፍዎ እምነት ብቓልን ሕይወትን ከጽንዑ ምርኣይ ብሓቂ እቲ ንሓንቲ ቤት ስድራ ዘብላ ልዑል ምኽንያት ተስተማቕር እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.