2013-10-29 15:59:41

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፦ ክርስቲያንን ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብንት ምእንቲ ንናይ ስድራ ቤት ዘርኢ ሰብ ሓባር ጥቅሚ ክሓብሩ


RealAudioMP3 ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን መላእ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘብዕልዎ በዓል ዲፓቫሊ ማለት በዓለ ብርሃን ንናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
በቲ ለብዘበን ዕለት 3 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ዝበዓል ናይ ሂንዱ ሃይማኖት በዓለ ብርሃን ምኽንያት ብፅዕ ካርዲናል ታውራን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ፦ ፍቱዋት ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት፣ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ተዓዋቲ ምዃኑ ዘረጋግጽ በዓለ ብርሃን ሃይምኖት ሂንዱ ቅድም ቀዳድም ነቶም ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣባይቲ ስድራ ዘተኣኻኽብ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ነቲ ኣብ ውደራን ምቅድዳምን ዘድህብን ውልቃውነትን ጉእዝነትን ዝብል ዓለም ናይ ኩለን ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብነት ኰይኑ ካብቲ መገዲ ጸልማት ናብቲ ብርሃን መታን ከምርሕ ብቓልን ሕይወትን ምስክር ክኸውን ሓደራ ቢሎም፣ ኣብ ምትሕብባርን ምቅርራብን ክዕበን በቲ ዝጸንዕ ዓቢይን ዓሚዩቕን ሰብኣዊ ርክብ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ሰላምን ሓቀይና ምትሕብባርን ውሁድ ቅንይትን ክረጋገጽ ቀንደይና ተዋሳእቲ ንዅን ከምዘተሃሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኵላትና ካብቲ ዘሎና ሃይማኖታውን ዓሌታውን ስነ ሓሳባውን ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያት ብዘየገድስ ኣባላት ሓንቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ቤተ ሰብ ከምዝኾና ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ታዉራን እቲ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ዓሚይቕ ባህርይ ሰብ ዘይቅበልን ናይ ምስትንዓቕን ግኡዝነትን ከም ክቡር ዋጋ ዝሰብኽን፣ ሰብ ከም ግኡዝ ዝምልከትን ዝገልጽን ባህሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓውሎማ ሸለልተይናነትን ምንጻልን ምውጋድን ዘስፍሕ ውልቃውነት ዝብል ባህሊ እንክብሉ ዝገለጽዎ በቲ ክገሃስ ዘይግብኦ መዝነት ዝመልኦን ናይ ምትሕብባር ባህልን መሰረት ብምግጣም ንናይ ሓባራዊ ጥቅሚ ክንቀውም ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.