2013-10-29 16:04:26

ማሕበር ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓልዮ ከባቢ ሳሔል


RealAudioMP3 ድርቅን ምስፋሕ ምድረ በዳነትን ንምውጋድ ኣሚቱ ዝቖመ ማሕበር ረድኤት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓልዮ ከባቢ ሳሔል ናይዚ ማሕበር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ነቶም ዘካይዶም ጐስጓስ ዝገብረሎም ዘሎ ዕማማትን ናይ ረድኤት መደባትን ፍጻሜታቱ ንምግምጋም ኣብ ኡጋዱጉ ዘካየዶ ጉባኤ ትማሊ ዕለት 25 ጥቅምቲ ከምዘጠናቀቐ እንክምልከት። እቲ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ናይቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ረድኤት ማሕበር ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፐ ኡደራጎ ብዘስምዕዎ ዘረባን ከምኡ እውን ኣብ ሰነጋል ናይ ኮልዳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ፒየር ባሰነን ኣብ ቡርኪናፋሶንን ኒጀርን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪቶ ሮሎን ናይቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝሓቁፍ ውሁድ ልቢ እተሰምየ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕን በቢ ወገኖም ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ከምዘስሞዑን እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማሕበር ዕላማኡ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዝብል ተልእኾ ዝቖመ ምዃኖ ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ከምእተሰመረሉን ንከባቢ ሳሔል ብምድጋፍ ብሉፅ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ንዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝህብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ምትሕብባርን ደገፍን እውን ምዃኑ ከምእተመልከተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.