2013-10-26 17:53:55

ጵጵስና አገልግሎት ድአምበር ሹመት አይኮነን : ር ሊ ጳ ፍራንቸስኮ


ትማሊ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ንክልተ ካህናት መዓርገ ጵጵስና ተዋሂቡ።
እቶም መዓርገ ጵጵስና ዝተቀበሉ አብ ቫቲካን ናይ ቤተ ክህነታዊ ጳጳሳዊ አካዳሚ ሊቀ መንብር ብፁዕ አቡነ ጂያምፒየሮ ግሎደ አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ ሐዋርያዊ ወኪል ጂን ማርያ ስፐች ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ።ፓፓ ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተኻየደ ሥርዓተ ቅዳሴ ጵጵስና ከም ዝመርሑ ክምልከት እንከሎ አብዘስምዕዎ ስብከት ፡ ጵጵስና ንኽብሪ ተባሂሉ ዝውሃብ ዘይኮነስ ንአገልግሎት ከም ዝኾነ አስሚሮምሉ ።እቶም ሐደስቲ ጳጳሳት በትረ ኖልዎ አብ ዝተቀበልሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ቅዱስ መጽሐፍ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነትን ጽንዓትን ክትሰብኩ ትደልዩ ዲኹም ብማለት ሐቲቶም እወ ንደሊ ክብሉ እቶም ሕደስቲ ጳጳሳት መሊሶም።
እምብርከስ ጵጵስና አገልግልት ድአምበር ንኽብር ዝውሃብ ሽመት አይኮነን ክብሉ ፓፓ ፍራንቸስ አገንዚቦም ።ዘይጽሊ አቡን ዳርጋ ዘይሎ እንድሕሪ ዘይጽልን ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘይክተልን ምስኡ ብጸሎት ዘይራኸብን ኮይኑ አብ ዓለማዊ ዓለም ምውዳቁ ዘይተርፍ ከም ዘይኮነ ፓፓ ፍራንቸስኮ አተሐሂዞም አመልኪቶም።አብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሥርዓተ ጵጵስና ብዙሐት ውሉደ ክህነትን ምእመናን ተሳቲፎም ከም ዝንበሩ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረፍዲ አብ ህንዲ ናይ ራንቺ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ካርዲናል ተለስፎር ፓላሲዱስ ቶፖ ናይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ማሕበር ሊቅ መንበር ብፁዕ አቡነ ጌርሃርድ ሉድዊሽ ሙለር አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም አዘራሪቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.