2013-10-26 15:33:09

ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ፦ “ወንጌል፣ ታሪኽን ስነ ክርስቶስን”


RealAudioMP3 ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ሊቃውንትን ምሁራትን ዘሳትፍ “ወንጌልን ታሪኽን ስነ ክርስቶስን ኣብ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ስነ ምርምር ትሕዝቶ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጆሰፍ ራትዚንገር እተሰምየ ማሕበር ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ 100 መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኤ ልዕሊ 450 ድርሳናት ዘጠቓለለ ከምዝነበረን ገሊጸን ዕለት 26 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. እዚ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጆሰፍ ራትዚንገር ማሕበር በቢ ዓመቱ ዝህቦ ራትዚንገር እተሰምየ ሽልማት ናይ 2013 ዓ.ም. ንዝሓረዮም ጀርመናዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ክርስቲያን ሻለርን ከምኡ እውን ናይ ውህደተ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ኣብ ሎንደን መንበረ ጥበብ ንጉስ መምህር ሪቻርድ ብሪድጅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይዚ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ተቐቢሎም ሥልጣናዊ መርሕ ቃል ለጊሶም ነቲ ሽልማት ከምዝሃቡ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ስነ ኢየሱስ ብመሰረት ወንጌላውያንን ቲዮሎጊያ ብናይ ስነ ክርስቶሳዊ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ጆሰፍ ራትዚንገር ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ትሕዝቶ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተፈርኰዘ ኣስተምህሮታትን ትንታኔን ከምዝቐረበ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.