2013-10-26 17:35:17

ክርስትያን ማሕበረ ሰብ ማእከል ፍቅርን ዕርቅን ክኸውን ይግባእ ር ሊ ፍራንቸስኮ ፡



አብ ቫቲካን ንሐልዮ ስድራ ቤታት ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሐፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብናይቲ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብብፁዕ አቡነ ቪቸንጾ ፓልያ ንዝተመርሑ አባላት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ስድራ ቤት ተቀቢሎም አዘራሪቦም ።
ፓፓ ፍራንቸስኮ ንአባላት ስድራ ቤት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ አብ አዳራሽ ጳሎስ ሻዱሻይ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ከም ዘመልክትዎ ማሕበረ ሰብ ስድራ ቤት ቤት ትምህርቲ ፍቅሪ ትዕግስቲ ዕቀባ ሕይወት ምትሕብባር ሕድሕድ ምትሕልላይ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ።ቀጺሎም ስድራ ቤት መሠረት ማሕበረ ሰብ ሕብረተ ሰብን ሀገርን ከም ዝኾነን እዚ ሐደ ጥዕና ዘለዎ ሕብረ ሰብ ምእንቲ ክህሉ ዓቢ አስተውጽኦ ከም ዘለዎን ሞቶር ዓለምን ታሪኽን ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዝኽእልን አገንዚቦም።ስድራ ቤት ክብሪ ወዲ ሰብ ትምሃረሉን ክርስትይናዊ ትምህርቲ ትቅበለሉን ዓውደ መሰረተ ትምህርትን ከም ዝኾነ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አመልኪቶም።እቲ ብ22 ጥቅምቲ 1983 እዚ ንሐልዮ ስድራ ቤት ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ንዕቀባ መሰል ስድራ ቤት ዝምልከት ዓንቀጽ ክኽበር ምትሕስሳቡን ምእንቲ መሰል ስድራ ቤት ዘካይዶ መጐትን ዝምስገን ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ገሊጾም።
በራእይ ክርስትና ስድራ ቤት አብ ሚስጢረ ቃል ኪዳን ቃል ኪዳን ዝተመስረተ ከም ዝኾነ አገንዚቦም። ሚስጢረ ቃል ኪዳን ናይ ሰብ ናይ መጀመርያ ቅድስና ከም ዝኾነ ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ ነቲ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ዝተእከበ መጋባእያ ገሊጾምሉ።ስድራ ቤታት ንዘጋጥሞም ዕንቅፋት ንምፍታሕ ዕርቀ ሰላም ምጽውዋር ከም ዘድሊ ክአ አመልኪቶም።ስድራ ቤት ምስ ንውሉዶም እኹል ግዜ ክህቡ ምስአቶም ክጻወቱ ሐሳብ ንሐሳብ ክለዋወጡ ትምህርቲ ክህቡ ክከናኸንዎም ከም ዘድሊ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምውላድ ጥራሕ እኩል ከም ዘይኮነ ጽፉፍ መሪሕነት ወለዲ ከም ዘድሊ ክአ አገንዚቦም ።ንሕጽናትን ሽማግለታትን ዘይከናኸን ሕብረተ ሰብ መጻኢ ዕድል ሕጽናት ዝዓጹ ተስፋ ዝኸልእ ከም ዝኾነ ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ ነቲ መጋባእያ ገሊጾምሉ ።አብ መወዳእታ ክአ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ማእከል ኩሎም ስድራ ቤታት ከም ዘሎ ሐላዊ ስድራ ቤት ምኻኑ ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ ዮሴፍ ከም ዝነግረና ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.