2013-10-26 17:11:51

4ይ ሰንበት ዘጽጌ 2006 ዓ.ም.


ሕይወት ማርያም ሕይወት ጸሎት እዩ
መዝሙር፡ ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበት ለዕረፍት. . . . . . ።
ንባባት፡ 2 ጢሜ 3፡14-ፍ፥ ያዕ 1፡1-13፥ ግ.ሓ. 13፡6-16፥ ሉቃ 18፡1-8
ምስባክ፡ ወይከውን ከም ዕፅ እንተ ትክልት ኃበ ሙሓዘ ማይ፥ እንተ ትሁብ ፍሬሃ በበጊዜሃ፥ ወቖጽላኒ ኢይትነገር።
መዝሙር፡ “ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ፥ ዕረፍቲ ብሓንሳብ ክንሕጎስ ምእንቲ ሃበና፥ ግራውቲ ወይኒ ዓንበቡ ሽትው ተኽሊ ፈረየ ሰለሞን እኳ ከም ሓደ ከምዚኦም አይለበሰን”።
በዚ ዘሎናዮ እዋን ዘመነ ጽጌ ፍሉይ ነገረ ማርያም አልዒልና ክነስተንትን ከምኡ አብ ሕይወትና ክነወሃህዶ ዕድል ዝህበና እዋን እዩ። ሕይወት ማርያም ሓደ ካብቲ መለለይኡ ጸሎት እዩ። ትውፊት ከም ዝብለና ካብ ንእስነታ ካብ ወለዳ መገዲ አምላኽ ተማሂራ። አብ ንኡስ ዕድሚአ አብ ቤተ መቕደስ አትያ ዕላል ምስ አምላኽ ካብቶም አገልገልቲ ቤተ መቕደስ ካብቶም ቅዱሳት ሰባት ተማሂራ። መገዲ ጸሎት ከስ ካብ ንእስነታ እዩ ክፍሊ ሕይወታ ኮይኑ። ገብርኤል መልአኽ ከበስራ እንከሎ አብ ጸሎት እንከላ እዩ መጺእዋ። ጸሎት ማለት ኩልና ከም እንፈልጦ ነፍስኻ አብ አምላኽ ምዕራግ እዩ። እግዚአብሔር አብ ንጹሕ ልብን ሕልናን ዘለዎ ሰብ እዩ ዝመጽእ። ማርያምከስ አምላኽ ብአአ ዝተሓጎሰላ ፍጥረት እያ። መጽሓፍ ቅዳሴና “አምላኽ ሰመን ምስራቕ ምዕራብ ደቡብ ጠመተ ግን ከማኺ ዝበለ አይረኸበን” ክብል እንከሎ ሕይወት ማርያም ክሳብ ክንደናይ ንጹሕ ከምዝነበረን አምላኽ ዝደልዮ ኩሉ ዘማልአ ከምዝነበረ ይገልጸልና።
አብ ግ.ሓ. “እዚአቶም ኩሎም ምስ ገሊኤን አንስትን ምስ ማርያም አደ ኢየሱስን ምስ አኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነብሩ” (ግ.ሓ. 1፡14) ዝብል ነንብብ፥ ማርያም ንምውራድ መንፈስ ቅዱስ እናጸለዩ ክጽበዩ ትመርሖም ከምዝነበረት ይነግረና። ብማርያም ዝቐርብ አብ ቅድሚ አምላኽ ተቐባልነት አለዎ። አብ ቃና ዘገሊላ ብልመና ማርያም ተአምራት ከም ዝተገብረ ወንጌል ይነግረና። አብ ኩሉ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ማርያም ዓቢ ተራ አብ ምቕዳስ ደቃ ከምዘልኦ ይንገር። ሎሚ እዋን በዚ መንፈስ አብአ ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ እንተ ኸአልና ድላይና አይክንስእንን ኢና። ሎሚ ብዳግም ለምኑ ኳሕኵሑ ጸልዩ ትብለና አላ።
ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ከየቋረጽና ክንጽሊ ከም ዝግብአና ይነግረና። ሰባት ብዙሕ ጊዜ ባዕሎም ኩሉ ምስ ገበሩ አብ መጨረሽታ ዝገበርዎ ምስ ሰአኑ እስከ ጸሎት ክገብር ይብሉ። ኩሉ ፊቲነ እየ እሞ እስከ ከጽሊ ይብሉ። እዚ ኸአ ንጸገምና ፍታሕ ክንረኽበሉ ከም መጨረሽታ ዝግበር ጸሎት ምኻኑ ዝገልጽ እዩ። መጀመርያ ባዕልና በቲ እንኽእሎ ኩሉ ንፍትን እንተኾነ ጸሎት ከምኡ አይኮነን ግብኡ፥ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምጅማርና ጸሎት ክንገብር እምበር ኩሉ እንገብሮ ምስ ጠፍአና አይኮነን ዝጽለ። ባዕልና ክንፈትሖ አብ ዝፈተናሉ ገሊኡ ካብቲ እንገብሮ ሓንቲ ትርጉም የብሉን። ገሊኡ አገባብራና አገባብ ዝሰሓተን ጨካን መንፈስ ዝበዝሖን እዩ። ገሊኡ አብ ልዕሊ ሰባት ስቓይን ጸገምን የውርደሎም ንአና እውን ውርደትን መከራን የብዝሓልና።
መገድን ድለት አምላኽን አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንረኽቦ። አብ ዘፅአት 17፡8-13 ዘሎ እንተ አንበብና እስራኤላውያን ብሙሴ ተመሪሖም ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ወጺኦም አብ ጉዕዞ ምድሪ ተስፋ እንከለዉ አብ ፈተናን ጸገማትን እንተ ዘይወረዶም ኩሉ ጽቡቕ እዩ ዝኸደሎም ነሩ። አብ ገለ እዋን ንአምላኽን ነቲ ልኡኽ አምላኽ ዝኾነ ሙሴን ሓዲጎም አብ ናይ ገዛእ ርእሶምን አብ ሓሰውቲ አማልኽትን ምስ አመኑ ሽዑ መከራ ውግእ ጥመት በብዓይነቱ መከራ ይወርዶም ነሮም። ዝገደደ ኸአ መከራ ምስ ወረዶም ምስ ድለታቶም ዝሰማማዕ አምላኽ የምልኹ ነሮም። ሙሴ ግን ነቲ ሓቂ ይነግሮም ነሩ ቀጺሎም ንአምላኽ ክእዘዙን ብእምነት ክጉዓዙ እምበር ንአምላኽ አብ ዝሸገሮም ጊዜ ጥራሕ ከይደልይዎ ደጋጊሙ ይነግሮም ነሩ። ነዚ አብ ርእስና ተመሊስና እንተ ረኤና እና ክጽግመና ሓደ ሓደጋ ወይ ዘሰንብድ ንአብነት ውግእ፥ ሞት ናይ ሰባት ብሓደጋ፥ ናይ መንእሰይ ሞት ወዘተ ክንርኢ ከሎና ንድንግጽ እሞ ሽዑ ጸሎት ክንገብር ንደሊ፥ ሽዑ አምላኽ ይዝከር እዚ ግን ንግዝያዊ ጸገማት ደንጊጽና እምበር ነባሪ ጸሎት አይኮነን። ብስምዒት ተደፊእና ዘይኮነ ብልቢ አብ ጸሎት ክንጽመድ አሎና። ናይ ሰባት መገዲ አይሰርሕን እዩ ናይ አምላኽ መገዲ ግና ኩሉ ጊዜ አብ ሓጎስን አብ ነጻነትን አብ ሰላምን እዩ ዝመርሕ።
ከይደኸምና ቀጺልና ጸሎት ክንገብር ይግብአና፡
አብ ጸሎት ቀጺልካ ምጽላይ ብዙሕ ጥቕሚ አልኦ እዚ ኢና አብ ሕይወት እስራኤላውያን እንርእዮ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ከይተሓለለ ይደልየና እዩ፥ አብ ልብና ክአቱ አብኡ ማኅደሩ ክገብር ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ። ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ ነጊሩና፥ አብ አምላኽ አብ ምምላስ ክንደክም የብልናን። ሙሴ ሓደ እዋን እስራኤላውያን ምስ ጸላእቶም አማለካውያን ክዋግኡ ከለዉ አብ እምባ ደይቡ ይጽሊ ነሩ ሙሴ ደኺሙ ኢዱ ከንብር እንከሎ እስራኤላውያን ይስዓሩ ነሮም ሓፍ ከብሎ እንከሎ ይስዕሩ ነሮም። አሮንን ሁርን ሓዲኦም ብጸጋም ሓዲኦም ብየማን ኮይኖም ይሕግዝዎ ነሮም አብ መጨረሽታ ብጸሎት ሙሴ እስራኤላውያን ስዒሮም። እዚ ቀጺልና ከይደኸምና ንአምላኽ ክንልምን እንከሎና አምላኽ ከምዝሰምዓና ዝነግር እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ብምሳሌ ገሩ ኩሉ ጊዜ ከይደኸምና ክንጽሊ ከም ዝግብአና ይነግረና። ሓንቲ መበለት ንሓደ ዳኛ ፍትሒ ምስ መናግርታ ከውጽአላ ኩሉ ጊዜ ትልምኖ ነራ። ደጋጊማ ፍትሒ ከውጽአላ ምስ ለመነቶ አብ መጨረሽታ ፍትሒ ከውጽእ ኢሉ ዘይኮነ ተመላሊሳ ከይተዋርዶ ኢሉ ፍትሒ አውጺኡላ። አብዚ ድላይና ክሳብ እንረክብ ጸኒዕና ብቐጻሊ ከይደኸምና ክንጉዓዝ ከም ዘሎና ይነግረና። ጸሎት መዓልታዊ መለለዪ ሕይወትና ክኸውን ይግብኦ እምበር አብ ጊዜ ዝተጸገምናሉን ኩሉ እንገብሮ ምስ ጠፍአና ክኸውን የብሉን። ሕይወትና ምስ አምላኽ ቀጻሊ ዝኾነ ሕይወት ክነብር ከሎና ጥራሕ እዩ ትርጉምን ሕይወት ዝህልዎን። ጸሎት ካብ መዓልታዊ ሕይወትና ፈሊኻ ዝርአ ነገር አይኮነን።
ጸሎት ብቐሊሉ ዝግበር ወይ ብቐሊሉ አብ አምላኽ በጺሑ መልሲ ዘምጽአልና አይኮነን። ቅዳሴ ክንሰምዕ ከምኡ ዝኾነ ንመንፈሳዊ ነገራት ክንገብር ቀሊል አይኮነን። ብቐጻሊ ሓገዝ የድልየና፥ ናይ ኩሎም አብ እምነት እንሓብር ሓገዝ የድልየና። ናይ ነፍሲ ወከፍና ጸሎት የድልየና። አብ ሕይወትና ብቐጻሊ ጽኑዓት ኮና ክንጽሊ ይግብአና። ነዚ ዝገልጽ አብ 1ተሰሎ 5፡16 “ኵሉ ሳዕ ተሓጎሱ ከየቋረጽኩም ጸልዩ ብኹሉ አመስግኑ ከመይ አብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት አምላኽ ዚደልዮ እዚ እዩ” ይብል።
ዘሎናዮ ዘመን ቅልጡፍ መልሲ እንረኽበሉ እዋን እዩ። አብ ከባቢና ዘሎ መራኸቢታት ንርአ ተለፎን ኢመይል፥ ኢንቴርኔት ኩሉ ብሓንቲ ምጽቃጥ ኮፒተር አብ ዝደለናዮ ዓለም ክንራኸብ ንኽእል። አብ ዝኾነ ዕዳጋ ዓለም ከምኡ አብ ገዛና ኮና ዝደለናዮ ክንገዝእ ክንሸይጥ ተኽእሎ አሎ። አብ ገዛና ኮፍ ኢልና እንከሎና ኩሉ ክንከፍል ንኽእል እዚ ኹሉ ብሓንቲ ንእሽቶይ ኮምፒተር ክንገብሮ ንኽእል። ኩሉ ዘድልየና አብ ሓጺር ጊዜ ክንገብር አየጽግመናን። እዋና ጊዜ ዝህብ አይኮነን ኩሉ ይሓጽረና ንርእስና እኳ ጊዜ ይውሕደና።
አብ ከምዚ ዝበለ ሕይወት እንነብር ጸሎት አስተንትኖ ብሓጺሩ ንአምላኽ ጊዜ ክንህቦ ብዘይመጠን ይኸብደና። ሰብ ግዚኡ ሓጺርዎ ክህወክ ክርበጽ ጥራሕ ኢና እንርእዮ። ግን ካብቶም አብ ጊዜ ቅ. ጳውሎስ ዝነበሩ ዝተፈለና ሰባት ዲና? አይመስለንን። ንሎሚ ዝተነበትና መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢመቴዎስ ከምዚ ትብል፥ “አብ ቅድሚ አምላኽን አብ ቅድሚ እቲ ንሕያዋንን ንምውታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን ብምጽአቱን ብመንግሥቱን ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር አማሕጽነካ አሎኹ፥ ብኹሉ ዓቕሊ ነቲ ቓል እናመሃርካ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ትጋህ አረድእ፥ ገሥጽ፥ ምኸር” (2ጢም 4፡1-2) ዝብል ነንብብ። ሕዋርያ ጳውሎስ ዝብለና ዘሎ አገባብራ ጸሎትና ብዝኾነ ነገር ክጽሎ የብሉን፥ ጸጊሙና ባህርያዊ ወይ ዘይተጸበናዮ መዓት ወሪዱና ጥራሕ ክንጽሊ እንተኾና ጸሎትና ግዝያዊ እዩ ስለዚ አብ ኩሉ እዋን ክንጽሊ ይግብአና።
ንአስተንትኖና በተን ሉቃስ ወንጌላዊ ዝብለን ክንዛዝሞ፡ ወድሰብ ምስ መጸ እምበርዶ አብ ምድሪ ዝጽሊ ኩሉ ጊዜ ብምሉእ እምነት ጸሎት ዝገብር ክረክብድዩ? አብ ምድሪ እምነት ክረክብድዩ? ምናልባት እዚ ሓሳብ ንእዋን ዘስምዕ እዩ ዝመስል። ክንጽሊ ጊዜ ዝሰአና ከምኡ አምላኽ አብ ሕይወትና ከምዘየድልየና ኮይኑ ይርአየና አሎ። ሎሚ ጸሎት ካብ ዝገብሩ ዘይገብሩ ይበዝሑ፥ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት፡

እዚ ካብቲ ቀንዲ ድኽመት መንፈስን እምነትን አውሪዱልና “አምላኾሙ እለ ከርሶሞ” ኮይና ከም እንነብር ዝገብረና ዘሎ እዩ። አብ ንአይ ጥዐመኒ ንርእሰይ ኢልና ፍቕሪ ሰብን ፍቕሪ አምላኽን ብኻልእ ሃብቲ ዓለም ተኪእና ስለ እንነብር ዘሎና ንጸሎት ዝኸውን ጊዜ የብልናን። ክንቅይር ጊዜ ክንህቦ የድሊ። ከመሎኹ አበይ ገጸይ እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ንዛረብ። ተባሪርና አብ ሃዘውዘው ኢና ዘሎና። ንአምላኽ ጠፊእናዮ ወደይ ጓልይ አበሎኹም እናበለ ይደልየና አሎ። አብዚ ጠፊኤ አሎኹ እሞ መጺእካ ርድአኒ ንበሎ።
አብ እኖ ኃጥአን ዝኾነት ማርያም ተመሊስና ክንቅየር ንወድኺ ለምንልና ንበላ። አብ ቅድሚአ ተደፊእና ብኃጢአትና ብኽፍአትና እናተአመና ካብ ወድኺ ምሕረት አውርድልና ንበላ።

ኣባ ንጊሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.