2013-10-25 10:37:31

3ይ ሰንበት ዝጽጌ 2006 ዓ.ም.


“ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ አሎና” (ዮሓ 12፡21)
መዝሙር፡ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . . . . . . ።
ንባባት፡ ፍሊጲስዩስ 3፡17-4፡1፥ ራእ 14፡1-6፥ ግሓ 4፡4፡19-31፥ ዮሓ 12፡20-26
ምስባክ፡ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፥ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሎባኖስ፥ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፥ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ፥ አብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም” መዝ. 92፡12።
መዝሙር፡ “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኽ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ”።
ምሕረት አምላኽ ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ መሓሪ አምላኽ ክንምለስ ዝዕድመና ሰንበት። ንሰናይ አድኒቑ ዝክእል ሰብ አብ ዕሞቕ ምስጢር ነገራት ክአቱ አይከብዶን እዩ። ነቲ ኹሉ ዝገበረለይ አምላኽ እንታይ ሞሳ ክመልሰሉ እየ ኢልና ክንሓስብ ናይ ሎሚ ንባባትናን መዝሙርና የዘኻኽሩና።
ሰብ አብዚ ዓለም ዕግበት ዝህቦ ብዙሕ ነገር እዩ ተዋሂቡ። ሓምሽተ ሕዋሳትና እቲ ዝደልይዎ ክርኽቡ እንከለዉ ብመጠኑ ዕግበት ይስምዓና። ምርአይ ሓደ ካብቲ ዕግበት ዝህበና እዩ። ብዓይንና እንርእዮ ክንፈልጥ ከምኡ ርኢና ጽቡቕን ሓቀናን መገዲ ክንሕዝ ከምኡ አብ ጉዕዞና ክንርኢ አድላዪ እኮይኑ ንረኽቦ። ዓይነ ስዉራን ስለ ዘይርእዩ ዝመርሖም ዝሕግዞም ይደልዩ። ርኢኻ ምኽአል እምብአር ፍሉይ ጸጋ እዩ። አብ ምርአይ ዘሎና አድንቆት ክንገልጽ ኢልና ነዛ ዓይነይ ቋሕ አቢለ እንተ ዝርእዮ ኢልና ብምርአይ ዝህበና ቅሳነት ንገልጽ።
ክልተ ዓይነት ምርአይ አሎ፡ 1. ግዙፍ ምርአይ ብዓይንና እንርእዮ ጽቡቅን ክፉእን ክንፈሊ ይሕግዘና። አብ ጸልማት ብዓይንና ክንርኢ ስለ ዘይንኽእል ንደናገር የጸግመና። ዓይንና ጥዑይ እንተ ዘይኮነ ክንርኢ የጸግመና። መራሒ ሓጋዚ ንደሊ። 2. መንፈሳዊ ምርአይ ብአእምሮናን ብመንፈስናን ብስምዒትናን እንርእዮ ግዙፍ ዘይኮነ ግን አብ ውሽጥና ክንፈልጦ ክንርድኦ ክንሰምዖ እንከሎና መንፈሳዊ ምርአይ ክንብሎ ንኽእል። እዚ ሓቀኛ ምርአይ እዩ።
አብ እምነት እንቕበሎ ጸጋ እዚ መንፈሳዊ ምርአይ እዩ። ንአምላኽ ብዓይኒ እምነት ጥራሕ ኢና ክርእዮ እንኽል። እአምን እአምን እናበልና እምነትና ንገልጽ። ምእማን ማለት ምርአይ ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ እንልምኖ “ክንርኢ ንደሊ አሎና”።
ተልእኮ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰባት ነቲ አምላኽ ዝገበረልናን ዝገብረልና ዘሎን ርኢና ክንክእል እዩ። ግብሪ አምላኽ ርኢኻ ምኽአል ጸጋ እዩ። አብ ማር 10፡46-ፍ ዘሎ እንተ አንበብና ኢየሱስ ንሓደ ዕዉር ከምዘሕወዮ ነንብብ። ኢየሱስ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኢሉ ነቲ ዕዉር ምስ ሓተቶ እቲ ዕዉር ከአ “መምህር ክርኢ” በሎ። ሰባት ዝርእይዎ ክርኢ ብርሃን ዓለም ርእዩ ከም ኩሉ ሰቡ ዕለታዊ ሕይወቱ ክመርሕ ነዚ ጸጋ ሓቲቱ። አብ ሉቃ 18፡35-43 ዘሎ እውን እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ ኢሉ ምስሓተቶ፥ “ጎይታይ አዕንተይ ኪርእያ” በለ ኢየሱስ ድማ ርአ እምነትካ እዩ ዘሕወየካ በሎ። አብዚ ዝአምን ከምዝርኢ ይነግረና። ብዙሓት ንኢየሱስ ብዓይኖም ዝረአይዎ ነሮም እንተ ኾነ ከምዞም ዕዉራት ገሩ ዝረአዮ አይነበረን። ምርአይ አብ ምፍላጥ እዩ ዝመርሓና ምፍላጥ አብ እምነት የብጽሓና። ርኢኻ ዘይምኽአል ብግዙፋዊ ነገር ይኹን ብመንፈሳዊ ነገር አብ ዓቢ ጸገም እዩ ዘውርደና። ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ አብ ዮሓ 4 እነንብቦ “ህያብ አምላኽን እቲ አስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥትስ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ ንሱ ኸአ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነሩ( 4፡10) ክብላ እንከሎ ንኢየሱስ በቲ እትርእዮ ዝነበረት እምበር ፈሊጣቶ አይነበረትን አብ መጨረሽታ ግን መን ምዃኑ ምስ ፈለጠት ንዓዲ አትያ ንደቂ ዓዳ ከምቲ ንሳ ርእያ ዝአመነት ርእዮም ክአምኑ ነጊራቶም።
ብዙሓት ንኢየሱስ መን ምዃኑ ዝፈልጡ ይሰግዱሉ ይልምንዎ የመስግንዎ ንርኢ። እቲ ሮማዊ ወተሃደር አብ ገዝኡ ገጹ ክመጽእ ምስ ረአዮ ጎይታይ አብ ገዛይ ክትአቱ ብቁዕ አይኮንኩን አብ ዘሎኻዮ ኮንካ ተዛረብ ወደይ ከአ ክሓዊ እዩ ኢልዎ። አብ እስራኤል ከምዚ ዝበለ እምነት ኮቶ አይረአኹን ክብል ንሰምዖ፥ ንኢየሱስ አምላኽ ምዃኑ ፈሊጦም ብምሉእ ልቦም ይአምኑ ነሮም ሽዑ አብ ሕይወቶም ተአምራት ይግበረሎም ነሩ። ነዚ ከም ዝገብረልካ ትአምንዶ ኢሉ ምስ ሓተቶም እወ ምስ በሉ አብ ሕይወቶም ተአምራት ይፍጸም ነሩ። ጉዕዞ እምነት አብቲ ብመንፈስ እንርእዮን እንኸዶን እዩ ዝምስረት።
አብ ወንጌል ዮውሓንስ 12 ገለ ግሪኻውያን አብ ሃይማኖት አይሁድ ዝአምኑ ዝነበሩ አብ ኢየሩሳሌም ምስ መጹ ንፊሊጶስን እንድርያስን (ክልተ ግሪካዊ ስም ዘልኦም) ንኢየሱስ ክርእዩ ክሕግዝዎም ብናይ ሎሚ ቋንቋ ክተሓባበርዎም ሓቲቶሞም። አብዚ ዕሙቕ ዝበለ አስተንትኖ ክንገብር፡

ፊሊጶስን እንድርያስን ግሪኻውያን ክርእዩኻ ይደልዩ አለዉ ኢሎም ምስ ሓተቱ ኢየሱስ ምስጢራዊ ዝኾነ መልሲ ሂብዎም። “ወድሰብ ዝኸብረላ ስዓት በጺሓ እያ ፍረ ስርናይ አብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር እንተ ሞተት ግና ብዙኅ ፈረ ከም እትፈሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ ኢልዎም። ኢየሱስ ነቲ ዝበሎ ትርጉሙ ክገልጽ ኢሉ ከምዚ ኢልዎም “ እቲ ንሕይወቱ ዝፈትው ከጥፍአ እዩ እቲ ንሕይወቱ አብዛ ዓለም እዚአ ዚጸልአ ግና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ኪሕልዋ እዩ” (12:24-25)። አብዚ እቶም ግሪኻውያን ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ አሎና ክብሉ እንከለዉ ንጹር እዩ አብ ቅድሚኦም ነቲ ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝሰምዑ ክርእዩ ብዓይኖም ፈልዮም እዮም ሓቲቶም። እንተ ኾነ ንኢየሱስ ምርአይ ብግዳማዊ ግዙፍ አካል ምርአይ እኹል አይኮነን። ንኢየሱስ ምርአይ ማለት መገዱ ምፍላጥን ምርዳእን ጨሪሽካ ምቕባልን እዩ። ተልእኮ ኢየሱስ ነዚ ሕጂ ዘሎ ሕይወቱ ምእንቲ ኩልና አብ ዝምጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክንሳተፍ ምእንቲ በጃ ክሓልፍ ፍቓደኛ ምዃኑ ምግላጽ እዩ። ነዚ ንሱ ዘርአዮ ፍቕርን ምስጢሪን ክርኢ ዝኸአለ ክጋገ ወይ ካልእ መገዲ ክሕዝ አይክእልን እዩ። ብዙሕ ጊዜ ንሕና ንእጋገ ነቲ ሓገኛ መገዲ ኢየሱስ ክንስዕብን ክንርእን ብዘይ ምኽአልና እዩ።
አብ ሕይወትና ድኹማት ስለ ዝኾና ንክርስቶስ ከይንርኢ ዝኽልክሉና ባዕልና ዝፈጠርናዮም ብኻልእ ዝመጽኡናን ብዙሓት እዮም። ከምሰባት ከም ሃገር ነፍስወከፍ ሃገር ነናታ ጸገም አለዋ። አብ ምዕቡላት ሃገራት ዓይኒ ልቦና ሰብ ከዊሉ ዘሎ ሃብቲ ስሳዔ ንአይ ጥዓመኒ፥ አብዚ ዓለም ዝአክል ገንዘብ እንተ አሎኒ እንታይ ካልእ አድለየኒ፥ ዝብል መንፈስ ከምኡ መራኻቢ ብዙኃን ዘጋጊ ንሓሶት ኮሓሒልካ ከም ሓቂ ምቕራብ ለይቲን መዓልትን ልቢ ሰብ አብ ሃብቲ አብ ጣዕሚ አብ ዝርጋን ብፍላይ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ህያባት መልክዑ ቀይርካ ንስኻ ብእትደልዮን ንሰባት ብዘጋጊ መገዲ ምቕራብ ንሰባት ከም ዝወድቁ ገርካ ወልፈኛታት ምርኢቶም ገሮሞ ግዙአት ኮይኖም ከም ዝነብሩ ዝገብሩ ውሑዳት አይኮኑን። አብ ድኻታት ከም ሃገርና ዝአመሰላ ዘሎ ጸገም እውን ብዙሕ እዩ፥ ክሓልፈለይ ኢልካ ዘይዓቕምኻ ምጥማት፥ ግፍዒ አብ ልዕሊ ሰባት ምፍጻም፥ ነጻነትን መሰላት ሰባት ምግሃስ፥ ንሰባት ንሓቂ ከይፈልጡ ዓፊንካ ምንባር፥ ንዝነበረ ቅዱስ ባህሊ ከም ድሑርን ዘይናትካ ገርካ ምርአይ ዝአመሰሉ ንልቢ ሰብ ሸፊንዎ ይርከብ። ሰብ ሎሚ ካብ አምላኽ ዘቕርቦ ካብኡ ዘርሕቖ እዩ በዚሕዎ ዘሎ። ሎሚ ካብ ዝርእዩ ዕዉራት ይበዝሑ፥ ካብ ዝፈልጡ ድንቁርና መንፈስ ዝዓብለሎም ይበዝሑ፥ ካብ ዘፍቅሩ ዝጻልኡ ይበዝሑ፥ ካብ ክምሕሩ ሕነ ክፈድዩ ዝደልዩ ይበዝሑ እቲ ጸገም ብዙሕ እዩ። እንታይ ንግበር ኢልና ሕልናና ክንሓትት እዋኑ እዩ። አብ ኢየሱስ ቀሪብና ክርእየካ ክሰምዓካ ክፈልጠካ እደሊ አሎኹ ንበሎ።
ቀጺሉ ኢየሱስ ብዛዕባ ተኸታሊኡ ክኸውን ዝደሊ “እቲ ዘገልግለኒ ዘበለ ይስዓበኒ፥ አብቲ አነ ዘሎኽዎ ኸአ አብኡ ኩህሉ እዩ” ይብል። ብኻልእ አዘራርባ ተኸተልቲ ኢየሱስ ሕይወቶም ከወፍዩ ድሉዋት ክኾኑ ይግባእ። ምናልባት እቶም ግሪኻውያን ‘ንኢየሱስ ክንርኢ ንደሊ አሎና” ኢሎም ዝሓተትዎ እዚ ማለቶም አይከውንን።
ቅዱሳን ሰማዕታት ኩሎም ነዚ ብምሉኡ ተቐቢሎም ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ኩሉ አብ ግብሪ አብ ሕይወቶም ገሊጾሞ። ሕይወቶም ምእንቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክብሉ በጃ ክህቡ ሓንቲ ፍርሒ ወይ ምጥርጣት አይገበሩን። ሓደ ካብዚኦም አብነት ዝኾነና ቅዱስ እግናጽዩስ ብዓል አንጾኪያ እዩ፥ አብ ካልአይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ንርእሱ ከም “ስርናይ ክርስቶስ” ይገልጻ፥ አብ ኮሎሰዩም አብ ሮማ አብ አናብስ ተደርብዩ ሽዑ ንሽዑ ተቐቲሉ (107 110 ዓ.ም.) ቅድሚ ምማቱ አብ ዝበሎ “ነዚ አብ ኩሎም ክርስትያን እየ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ንስኹም እንተ ዘይዓገትክሙኒ አነ ተሓጒሰ ብድለተይ ምእንቲ ክብሪ አምላኽ ኢለ እመውት አሎኹ። በጃኻትኩም ምስ ግዚኡ ዘይኸይድ ሕያውነት አይትግበሩለይ። በቶም አራዊት ክብላዕ አፍቅዱለይ ንሳቶም አብ ቅድሚ አምላኽ ዘብጽሑኒ መገደይ እዮም። አነ ናይ አምላኽ ስርናይ እየ ስለዚ በስናን አራዊ ክጥሓን እሞ እቲ ጽሩይ እንገራ ክርስቶስ ክቕየር ምእንቲ” እናበለ ብትብዓት ሕይወቱ ምእንቲ ክርስቶስ አሕሊፉ።
ሕይወት አብ ዓለምና ጸገም ዝበዝሖ እዩ። ፈተና ክጓነፈና አብ ገለ እዋን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክወርደና እንከሎ አብ ክርስቶስ ክንምለስ አሎና። ነዚ ክንርዳእ ሓግዘና ኢልና ክንጽሊ አሎና። ጸሎት ልብና ከፊቱ አብ አምላኽ የቕርበና “ዝጽሊ ንአምላኽ ይርኢ” ከም ዝብል ቅ. እጎስጢኖስ ጸሎት ክፍሊ ሕይወትና ክንገብር አሎና።
ማርያም ብዓይኒ እምነት ንኹሉ ርእያ ዝኸአለት ዝዓበየት አብነትና እያ። ንሳ አምላኽ ንዝገለጸላ ምስጢር ተቐቢላ ቅዱስ ሕይወት መሪሓ። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ሽዑ ተአምራት ክትርእዩ ኢኹም ትብለና። አብ እግሪ መስቀል ሓደ ወዳ ክመውት ክትርኢ እንከላ ብዓይኒ እምነት ስለ ዝረአየቶ እምበር ደው ክትብል አይምኽአለትን ነራ። አብ ከቢድ እዋን ክንርድኦ ዝኸበደና ነገር ብዓይኒ እምነት ርኢና አብ አምላኽ ንሕደጎ። አምላኽና ንኹሉ ዝፈልጥ ሕያዋይ አቦ እዩ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነ ጸገም ክወርደና አይፈቕድን እዩ።
ኦ አምላኽ ንኹሉ ርእየ ክኽእል እሞ ከመስግነካ መገድኻ ሒዘ ክጉዓዝ ሓግዘኒ፥ ኦ ማርያም አደይ ከምቲ ንሓዋርያት አኪብኪ እተጸናንዕዮም ንምስጢር ወድኺ ክርድኡ ዝሓገዝኪ ንሕና እውን አብዚ ጸበባ ዝበዝሖ እዋና ብዓይኒ እምነት ርኢና ክንክእል ሓግዝና ጸልይልና ንበላ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.