2013-10-24 16:13:24

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ኢጣሊያ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ምስ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ንኽራኸቡ ናብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ኵዪሪናለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባሪ ገሊጾም።
እዚ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖለቲኖ ዕለት 8 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣኽብሮት ምዃኑ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕትመን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ንፈለማ ጊዜ ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሥልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተራኸቡ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.