2013-10-22 15:58:09

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንሓድ ሕድ ይቕረ ብምብህሃል፣ ኣብ ጎዳና ዘተ ምጉዓዝ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሉተራንን ካቶሊክን ናይ ሓባር ኮሚሽን ልኡካን ኣብ ሓዋርያው መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ልኡካን ተቐቢሎም፦ “ሕድ ሕዳዊ ይቕረ ምብህሃልን ኣብ ጐዳና ዘተ ብሓባር ምጉዓዝን” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ እንከስምዑ፦ ዋላ’ኳ ሽግርን ፍልልይን ይሃሉ ንሓድነትን ውኅደትን ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ከይነቋርጽን እቲ ናይ ሓድነት ጸጋ ጐይታ ክዕድለና መታን ካብ ምጽላይ ከይንቦክር ሓደራ” ከምዝበሉ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ ኣስዒቡ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዘተ ክምዕብልን ርክባተን ብሉጽ ንኽኸውን ቲዮሎጊያዊ ዘተን እሙን ጸሎትን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት መሠረት ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምትሕብባርን ሱታፌን እዚ ድማ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ንውኅደት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ “መንፈሳዊ ሱታፌ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም፦ “እቲ ኣብ መንጐና ንውህደት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ በቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ‘መንፍሳዊ ሱታፌ’ ብዘይጥርጥር ነቲ ክብጻሕ ናይ ዝድለ ፍጹም ውህደት ሕመረት እዩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘዕተሮ ውጽኢት ሽሕ’ኳ ዘይምሉእ እውን እንተኾነ ብትሕትና መንፈስ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እንቐርብ ብርግጽ ኣብ መንጐና እውን ምቅርራብ ከምዝህሉን ጐይታ ናይ ሱታፌ ጸጋ ክዕድልና መጠኑ ምስ እንጽልይ ንሱ በእዳውና ክሕዘናን ኣብቲ ናብ ሱታፌ እንገብሮ ጉዕዞ ዝመርሕ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ” ከምዝበሉ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣሲዒቦም፣ ብመንጽር እቶም ናይ ዝሓለፉ ዓሰረተው ዓመታት ናይ ሓባር ጉዕዞን እቲ ኣብ መንጐ ብዙሓት ካቶሊካውያንን ሉተራናውያን ዝንበር ሕውነታዊ ሱታፌ ዋላ’ኳ ነቲ ኣገዳሲ ናይ ዘተ ርእሰ ጉዳያት ብሓባር ኣብ ምግጣም ዝፍጠር ስነ ሰባውን ስነ ምግባራዊ ፍልልያት ዝተራእየሉን ዝረኣየሉን እውን እንተኾነ ነቲ ንናይ ምሉእ ውህደት ኣሚቱ ንዝግበር ዘተን ናይ ሓባር ጉዕዞን ኣብነት ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና እንከመልክቱ፦ “ብርግጽ ትዕግስትን ዘተን ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ዝጠልቡ ሽግራት ኣይጐደለናን ኣሎን ክህልው እውን እዩ። እንተዀነ ግን እዚ ከፍርሓና የብሉን። ኩላትና ከምእንፈልጦ ብዙሕ ጊዜ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ‘ውህደትን ሱታፌን ብቐዳምነት ናይቲ እንገብሮ ጻዕሪ ጻማ ዘይኰነስ ናይቲ ኣብ ናይ ዕርቅን ሱታፌን ጐዳና ንዝመርሓን ልባትና ብእምነት እነርህወሉ መንፈስ ቅዱስ ተግባር እዩ’ ሱታፌን ውህደትን ናትና ምትሕብባር ዝሓትት ዕላማ እውን እንተኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር እዩ” ከምዝበሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.