2013-10-19 16:34:05

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ቫቲካን ናይ ተለቪዥን ማእከል


RealAudioMP3 “መበል 30 ዓመት ዕድመ ናይ ቫቲካን ተለቪዥን ማእከል፣ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመላእ ዓለም ዘዘንትው” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ናይ ቫቲካን ተለቪዥን ማእከል ቅድሚ ትማሊ ምእንቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምስራታኡ ኣብ ሮማ ብዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተባዕለ እንክምልከት፣ ናይ ቫቲካን ተለቪዥን ማእከል ዕለት 22 ጥቅምቲ 1983 ዓ.ም. ብፍቓድን ሰናይ ድላይን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ ናብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽ ጋዜጠኛ ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ፣ “ናይ ቫቲካን ተለቪዥን ነገልግሎት ወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቀ መጋበርያ ተሰንዩ ዝጓዓዝ እውን እንተኾነ ናይ ዓለም ዘይኮነ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኮ ወንጌል ስሉጥ ኣገልግሎትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኩነትን ፍጻሜታትን ዝሕብር ቤተ ክርስቲያን ናብ ዓለም ዓለም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብ ዓቢይ ዓላፍነት ዝተሰከመ እዩ። ክርስቶስ ብዝተፈላየ መዳያት ናብቲ ኣብ ጽምዋ ዝነብር እዋናዊ ሰብ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቢሩ ክርስቶስ ኣብ ምብጻሕ ዝጓዓዝ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ኣስዒቦም ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ቅድስቲ መንበር ብናይ ገዛእ ርእሳ ቋንቋ ኣብዚ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ብፍላይ ድማ ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቀ ዓለም ናይዚ ምዕቡል መጋብሪያ ብምጥቃም ኣብ መዳይ ሓበሬታ እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ እዩ። እዚ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምስረታ ተለቪዥን ጣቢያ ራዲዮ ቫቲካን በቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዝኽሪ መበል 150 ዓመትን ከምኡ እውን በቲ መበል 80 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን ታሪኽ ዝተሰነየን ዝደመቐን ከምዝኾነን ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብ ሰብኣዊ ክብርን ሰላምን ተስፋን ዝተማእከለ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ክሰፍሕን ኣብ ኩሉ ባህልን ፖለቲካን ማሕበራዊ ሕይወትን ሰሪጹ ናይ ሎምን መጻእን ወለዶ ብናይ ሓላፍነት ባህሊ ክህነጽ ቤተ ክርስቲያን ብእትጥቀመሎም መራኸቢ ብዙሃን ኣቢላ እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ልዑል እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.