2013-10-19 16:29:24

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ እቶም ኣብ ምዕረፊ ኣባይቲ ኣረጋውያን ዝነብሩ ናይ ቅድስና እውነተይና ቅዱስ ሥፍራ ዝኾነ ኣረጋውያን ካህናትን ደናግልን ኣይንረስዕ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ተክለ ሰብእነት ሙሴን ዮሓንስ መጥምቕን ቅዱስ ጳውሎስን ኣማእኪሎም፦ እቶም ኣብ ምዕረፊ ኣባይቲ ኣረጋውያን ዝነብሩ ናይ ቅድስና እውነተይና ቅዱስ ሥፍራ ዝኾነ ኣረጋውያን ካህናትን ደናግልን ኣይንረስዕ” ዝብል ዓሚዪቕ ስልጣናዊ ስብከት ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ቅዱሳት ምንባባት ኣተኵይሮም ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ መናእሰያትን ሓያላትን ሰብ ጕልበትን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝገልጽን ከምኡ እውን ካልኣይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እርጋኑ ብጠቕላላ ኣብ ምብራቕን ዓራርቦን ሓዋርያዊ ሕይወትን ዝብል ሓሳብ እንክትንትኑ፦ “ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ሕጉስን ውዕዉዕን በቲ ኣብ ውሽጡ ብዘሎ እግዚኣብሔር ውዕዉዕ ስምዒትን ተገዳስነትን ዝተመልአ እዩ ንምባል ኣይከኣልን። ኮይኑ ግን እቲ ዓራርቦ ሕይወቱ ኣብ ሓዋርያዊ ሕይወት እዩ ነቢርዎ። እዚ ድማ ናይ ሙሴን ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕን ጳውሎስን ተክለ ሰብእነት እንክገልጹ ሙሴ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ርእሰ ተባዕ ንጸላእቱ ዝገጥም ቆራጽ ሕዝቡ ንምድሓን ምስ እግዚኣብሔር ኣውን ይቃለስ ኔሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ንበይኑ ነታ እግዚኣብሔር ቃል ዝኣተዋ መሬት ተስፋ እናማዕደው ኣብ ጎቦ በነቦ ንበይኑ ተሪፉ ናብ ተስፋ መሬት ተስፋ ዝተቐንጠጦ ኮይኑ እዩ፣ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ መውዳእታ ምድራዊ ሕይወቱ ሓዘንን ጭንቅን ጓህን እውን ኣይ ተፈለዮን፣ እወ ጐይታ መታን ክዓብይ እቲ ሓዋርያ ገዛእ ርእሱ ከትሕትን ከንእስ ከምዘለዎ ዮሓንስ መጥምቕ ብቓልን ሕይወትን የስተምህረና፣ በዚ መልእኽቲ’ዚ ዓራርቦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዮሓንስ መጥምቕ ይርአይ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ምስ ኣረግካ ክትከዶ ናብ ዘይትደልይ ከብጽሑኻ እያቶም’ ይብል፣ ኣብ ዓራርቦ ሓዋርያዊ ሕይወት እንክሓስብ እንከለኹ” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “እቲ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ናይ ቅድስትናን ቅዱስ ስፍራ ዝኾነ ካህናትን ደናግልን ናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣባላት ኣብ እርጋኖም ዝቕመጥሉ መዕርፎ ኣረጋውያን ኣብ ልበይን ኣዕምሮይን ይመጻኒ። ተባዓትን ቆራጻትን ቅዱሳትን ኣብ እርጋን ዝርከቡ ደናግልን ካህናትን ንበይኖም ከበድ ጽምዋ ተጻዒንዎም ኣብ ናይ ልባቶም በሪ ዝኵሕኵሕ ጐይታ ዝጽበዩን ንሳቶም እያቶም እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ናይ ብሓቂ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያውነትን ቅድስናንን፣ ሓደራ ፈጺምና ከይንርስዖም” ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።
“ክርስቲያን ናብቲ ኣረጋውያን ካህናትን ደናግልን ዝቕመጥሉ ናይ ቅድስናን ናይ ሓዋርያነት ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻም ድላይ ኣሎናዶ? ሓደ ካባኻትኩም” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና… “ልኡካነ ወንጌል ኮይኑ ናብ ዘተላኣኸሉ ሃገርን ስፍራን እንክበጽሕ ብቐዳምነት ዝፍጽሞ ተግበር ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝዓረፉ ብሞት ዝተፈልዩ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል መቓብር ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ይፍጽም ኣብኡ ድማ ቅድሚ 50 ዓመት 100 ዓመት 200 ዓመት ዝነበሩ ዘይፍለጡ ኮይኖም ናይ ዝተፈሩ ልኡካነ ወንጌል መቓብር እርእይ። ነዚኣቶም ብምሉኣቶም ብፅዕና ምተኣወጀሎም፣ ኮይኑ ግን እቲ ክቡር ዋጋ ዕለታዊ ቅድስና እዩ፣ እዚኣቶም ዕለታዊ ቅዱሳት እያቶም’ ዝበልዎ ጠቒሶም፣ እቶም ኣብ ኣባይቲ መዕርፎ ኣረጋውያን ዝነብሩ ኣረጋውያን ካህናትን ደናግልን ከም ቅዱስ ጳውሎስ ንጐይታ እዮም ዝጽበዩ፣ ርግጽ ብመጠኑ ጓሂ ዘላዎም ኣውን እንተምሰለ ሰላምን ሓጎስን ኣብ ገጾም ተንብብ። እምበኣር እታ እርጋን እትበሃል ሓደ ክፍሊ ናይ ሕይወትና እታ ዓራርቦ ሓዋርያውነት ሕይወት ክንሓስብ እዕድም። ‘ኦ ጎይታ እቶም ኣብ ዓራርቦ ሕይወት ዝርከቡ ሕጂ እውን ክስዕበካ እደልይ’ ንኽብሉ ዓቅቦም” ዝብል ጸሎት ኣዕሪጎም ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.