2013-10-17 17:46:01

አብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ አብ ታሪኽ እትነብር ቤተ ክርስትያን መንነታ ትኽሕድ!


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ሓዋርያነት ናይ ቤተ ክርስትያን ንምግላጽ አብ ጸሎተ ሃይማኖት ብሓንቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን እ አምን ዝብል ክፍሊ ጸሎተ ሃይማኖት ዝህብዎ ዘለው ትምህርቲ ብምቅጻል ሓዋርያዊት ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና ኢዩ ክብሉ ዝብ ዝጀመርዎ ትምህርቲ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኩነታትናን እምነትናን ንከነስተንትን እውን ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊት ኢያ ንዝብል ዓንቀጸ ሃይምኖት ሓሲብኩምልዶ ትፈልጡ ትርጉሙ እንታይ ኢዩ ዶ ኢልኩም ሓቲትኩም ትፈልጡ ዕንዲዒኸ! ክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም፣
ንቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦማ ዝነበሩ ነጋድያንን ም እመናንን ካብ ሰብ ዓ ሺሕ ንላዕሊ ነሮም፣
ቤተ ክርስትያን ሐዋርያዊት ኢያ ዘብለና ቀንዲ ምኽንያት መጀመርያ ምስቶም ምስ ክርስቶስ ዝበል ዑን ዝሰተዩን ትምህርቱ ብቀጥታ ዝተቀበሉ ባዕሉ ክርስቶስ ዝሓረዮምን ወንጌል ንኩሎም ደቂ ሰባት ክስብኩ ዝለአኾምን ሓዋርያት ቀጥታውን ሓንጽን ምት እስ ሳር ስለዘለው ሐዋርያዊት ንብላ፣ ሓዋርያ ብመሠረቱ ካብ ቃል ናይ ግሪኽ አፖስቶሎስ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ ከምቲ ናትና ቃል ናይ ግዕዝ እውን ዘመልክቶ ማለት ኢዩ ዝተላእከ ማለት ኢዩ፣ ቀዳማይ እጃም ሥራሕ ናይ ሓደ ሐዋርያ ጽሎት ምግባር እንክኸውን ስዒቡ ዝመጽእ ካልአይ ሥራሕ ከአ ወንጌል ምብሳር ኢዩ፣ እንክብሉ ሕመረት ናይ ሓዋርያነት ምስ ገለጹ ናብቶም ተኸተልቲ ሓዋርያት ዝኾኑ ቀዳሞት ጳጳሳት ደሓር እውን ናብ ኩልና ክርስትያን ዘበልና ዘቅነዔት ብርት ዕቲ ሕቶ ከምዚ ክብሉ አቅሪቦም፣
“ብዛዕባ ተኸተልቲ ሓዋርያት ክንሓስብ ከሎና ማለት አቡናት ኩሎም አቡናት ወላ ር.ሊ.ጳ እውን አቡን ኢዮም! ክንሓቶ ዘሎና መሠረታዊ ሕቶ አሎ ተክተልቲ ሐዋርያት ዝኾኑ አቡናት ይጽልዩዶ? ወንጌልከ ይሰብኩዶ? ቢልና ክንሓትት አሎና፣ ን አ ኦም ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍናኸ ከመ ክርስትያን መጠን እዚ ተል እኾዚ ንኵልና ስልዝምለክተ ናብ ገዛእ ር እስና ምልስ ቢልና ክንሓቶ ዘሎና ጉዳይ እውን አሎ እንክብሉ
“አነ ከም ክርስትያን መጠን ንድሕነት ዓለም እጽልዶ? ወንጌልከ እሰብኽዶ? ቢልና ክነስተንትን እዋኑ ኢዩ ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ከመይ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊት እትበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት ኩሎም ደቃ ሓዋርያት ኮይኖም ወንጌል ንክሰብኩ ዝተላእኩን አብ መሠረት ሓዋርያት ሰራውሮም ዝሰደዱን ክንዲ ዝኾነ ብማለት እዚ ሕቶ እዚ ንላዕለዎት ሰበሥልጣን ጥራይ ዘይኮነ ንነፍሲ ወከፍና ዚምልከት ምዃኑ ተሊጾም፣
“እምነትና ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ክሃንጻ ዝደለያ ቤተ ክርስያትን ክትሕዞ ዘልዋ እምነት አብ ሓደ ሓሳብ ወይ እውን አብ ሓደ ፍልስፍና ዝተመሥረእተ አይኮነን እንታይ ደአ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያንከስ ከም ሓንቲ ን እሽቶ ኦሞ እሞ አብ ዘመናት ቀስ ብቀስ ዚዓበየትን ዝማዕበለትን አብ ፍሬ ዝበጽሓትን ኦም ገርና ክንምስላ ንኽ እል ኮይኑ ግን ሰራውራ አብቲ ሓዋርያት ዘስተማቀርዎን ብጐይታ ዝተመርጽዎን ወንጌል ክሰብኩ ዝተላእክዎን ክሳብ አባና ከአ ዝበጽሔ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሥረት አለዎ፣ እዛ ቤተ ክርስትያን ምናልባት ዓቃባዊት ጥራይ ኮይና ንከትስምዓና ከአ ንኩሉ ዓቂባ ናብ ዳሕረዋይ ወለዶ እተመሓላልፍ ሓቀኛ መስኖ ምዃና ንኽገልጹ እቲ መሠረትና ዝኾነ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስያን ብዛዕባ እዚ ዘስተምህሮ ከምዚ ክብሉ ተንቲኖሞ፣
“ቤተ ክርስትያን ከምቲ አብቲ አብ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝጐዓዝ ውሕጅ ኮይና አብዚ ትምዕብል ነቲ አብ ወሳናስና ዘሎ መሬት እውን ተልምዕ ኮይኑ ግን እቲ በዛ መስኖ እዚአ ዚጐዓዝ ማይ ካብቲ እንኮ ምንጪ ዝኾነ ክርስቶስ ንሱ ከአ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ስለዝኾነ ሕያው ንሱ ስለዘይሓልፍ ከአ ቃሉ ዘይሓልፍ ከምዝኾነን ሎሚ አብ ማእከልና ከምዝርከብን አዘኻኺሮም፣ እዙይ ጥርያ ዝይኮነ ንኩሉ እንሓቶ ከምዝሰምዕን ወትሩ ጽን ከምዝብልን አብ ውሽጢ ልባትና ከምዚርከብን ክንዝንግዕ ከምዘይንልና ሎሚ መዓልቲ ኢየሱስ አብ ማዕከልና ከምዘሎ ምፍላጥ ክንደይ ጥዑም ምኻኑ ገሊጾም፤ እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ሕያው ስለዝኾነ ወትሩ አብ ማእክልና አሎ፣ ዚዓበየ ህያብ ናቱ ከአ ቤተ ክርስያን ምዃናን አባአ ኵልና ከም እንራኸብን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“አብዚ ዘጋጠመና ጸገማትን ድኻምነትን ሓጢአትን ከይተመልከትና እዛ ቤተ ክርስትያን እዚ አ ነቲ ቅኑዕ መልእኽቲ ክርስቶስ ከምቢላ ከምዘመሓላለፍትልና እሞ ንሕሰብ፣ ከማኡ እውን ነዚ መልእኽቲ እዚ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝደልዮ ከመይ ገቢራ ከምተመሓላልፈና እሞ ነስተንትን! ከምቲ ት እዛዝ መሥራቲአ ቤተ ክርስትያን ንመል እክቲ ወንጌል ከምዘሎ ናብ ኩሉ ጫፋት ዓለም ክነብጽሕ ኢዩ ዕድመአ፣ ስለዚ መንፈስ ሓዋርያት መንፈስ ስብከተ ወንጌል አባና ክሰርጽ ከምዘለዎ ንሕሰብ፣
“እስኪ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና እንደገና ነዙይ ነስተንትን! ብቅልና ሓቂዶ ሰብክቲ ውንጌል ኢና ምንዳ ከአ ብክርስትያናዊ ሕይውትና፧ ብምስክርነትና ሰበኽቲ ወንጌል ዲና? ወይስ ናይ ሳክርስቲ ክርስትያን ብምዃን አብ ገዛእ ርእስናን አብ አብያተ ክርስትያንትናን ተዓጺና ተሪፍና አሎና? ምናልባት ብቃልና ክርስትያን ክንከውን ንኽ እል ብተግባርና ግን ከም አረማውያን ንነብር ከይንህሉ? ነዚ ምርመራ ሕልና ግድን ክንገብሮ አሎና፣ ምናልባት ክወቅሰኩም ዝብል ከይመስለኩም አን እውን ንር እሰይ ዝሓቶ ሕቶ ኢዩ፣ አን ከም ክርስትያን መጠን ከመይ ኢየ? ብአነባብራይ ብሓቅዶ እምስክሮ ቢለ ንርእሰይ እሓትት ኢየ፣ ድሕሪ ቢሎም ከም መጠቃለሊ ሓሳብ ከአ ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ክፍቲ እንተዘይኮይና መንነታ ክተጥፍእ ከም እትኽእል ከምዚ ክብሉ ትምህርቶም ደምዲሞም፣
“አብ ገዛእ ርእሳ እትዕጾ ቤተ ክርስያንን አብ ታሪኽ ክትነብር እትጽዕርን ቤተ ክርስትያን መንነታ ትኽሕድ፣ ስለዚ ናይቲ ሐዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ምዃን ዕድል ዝኸብተልና ጽባቄን ሓላፍነትን እንደገና ሃሰስ ንበሎ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.