2013-10-15 16:10:59

መንግስቲ ኢጣሊያ


RealAudioMP3 እቲ ኣብ ከባቢ ሜዲትራኒያን ባሕሪ ዝኽሰት ሓደጋ ሞት ስደተይናታትን ከምኡ እውን ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ነዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለ ንምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ንምዕጋት ብዝብል ውሳኔ መሠረት መንግስቲ ኢጣሊያ ነቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን ዝተኸስተ ዘስካሕክሕ ናይ ሞት ሓደጋ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ሕይወት ከይህሉ ብቤት ምኽሪ ሚስትራት ሕጹጽ ጉዳይ ኩነት ስደተይናታት ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ማረ ሲኩሮ ዝብል መጸውዒ ዝሃበሉ ከባቢ ባሕሪ መዲትራኒያን ናይ ምቁጽጻር ተልእኾ ሓይሊ ምክልኻል ኢጣሊያ ዝእዝዝ ውሳኔ ከምዘጽደቐ ተገሊጹ።
እዚ ብሓይሊ ምክልኻል ኢጣሊያ ዝፍጸም ናይ ኢጣሊያ ከባቢ ባሕሪ ሲቺሊያ ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ብሓይሊ ባሕርን ከምኡ ኣውን ብዘይ ኣብራሪ ዝንቀሳቐሳ ናይ ወትሃደራዊ ነፈርቲ ንዶብ ባሕሪ ኢጣሊያን ብዓብዩ ድማ ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ሕይወት ሰብ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ከይክሰት ብዝብል ውሳኔ ከምዝኾነ ናይ ኢጣሊያ ሚስትሪ ሓይሊ ምክልኻል ማሪዮ ማውሮ ገሊጾም።
ናይ ሊቢያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሊ ዛይዳን ሊቢያ ዶባት ባሕራ ንምቁጽጻር መታን ክትበቕዕ ደገፍ የድልያ እንክብሉ፣ ናይ ማልታ ቀዳማይ ሚኒስትር ጆሰፍ ሙስቻት ሕብረት ኤውሮጳ ንማልታን ኢጣሊያን ነዚ ዓቢይ ጽኣት ስደተይናታትን ሓደጋ ሞት ዘጓንፎ ጉዳይ ንበይነን ክገጥመኦ ሓዲግወን እክብሉ ከምዝነቐፉን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ሊቀ መንበር ጀርመናዊ ማርቲን ሹልትዝ ብወገኖም ኤውሮጳ ነቶም ብዝተፈላለየ ሰብኣዊን ፖለቲካውን ከምኡ እውን ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ተደሪኾም ዝስደዱ ዜጋታት ንምድጋፍ ዝኣመተ መስርሕ ናይ ሓገዝን ምትሕብባርን መጋበርያ ሕጽረት ኣለዎ ስለዚህ ኤውሮጳ ነዚ ሰብኣዊ ብድሆ ንምግጣም ቅድም ቀዳድም ልክዕ ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣርጀንቲናን ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ናብ ኤውሮጳ ስደተይናታት ብሕጋዊ መገዲ ክኣትዉ ዝፈቕድ ሕጊ ከጽድቕ ይግብኦ ከምዝበሉ ተመልኪቱ ኣሎ።
እተን ነኣሽቱ መራኽብ ብብዝሕቲኦም ካብ ሊቢያ በሪ ባሕሪ ዝነቕሉ ዜጋታት ሶርያን ኤርትራን ሶማሊያን ዘጓዕዛ ከምዝኾና ክንገር እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢጣሊያ ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ጣቢያ ጋዜጠይና ኣብ ዝሐለፉ ማዕልታት ኣብ ሊቢያ መብዛሕቲኡ ዘይሕጋዊ ስደተይና ዝነቕለሉ ናይ ሊቢያ በሪ ባሕሪ ዝዋራ ምብጻሕ ዘካየዱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኮ ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ጋዜጠይና ኣመደኦ ሪኩቺ፦ እተን ስደተይናንታት ኣሳፊረን ካብ ሊቢያ ዝነቕላ ናይ ልቢያውያን ንብረት ክነሰን ብግብጻውያንን ቱንዛውያንን እየን ተመሪሐን ዝነቕላ ስለዚህ ካብ ሊቢያ ዝነቕላ ክነሰን መራሕተን ሊባውያን ዘይምዃኑ ዓቢ ሕቶ እዩ። ቅድም ነበር መንግስቲ ገዳፊ ስደተይናታት ንናይ መንግስቱ ጥቕሚ መጋበርያ ይጥቅመሉ ኒሩ፣ እቶም መራሕተን ኣባላት ናይቶም ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ምዃኖም ባዕሎም እቶም ስደተይናታት ዝብልዎ እዩ። በተን ጀላቡ ካብ ሊቢያ ዝስደድ ወዲ ሊቢያ የሎን። መብዛሕቲኦም ኤረትራውያን ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ኢያቶም ብዝተፈላለየ ሰብኣውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ሽግራት ተደሪኾም ዝገጥምዎ ጉዕዞ ከምዝኾነን ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ሓደገይናን ሞት እውን ከጋጥም ዝኽእል ምዃኑ ኣዚዮም ዝፈልጥዎ ጉዳይ እንከሎ ኮይኑ ግን ካብቲ ዘሕለፍናዮን ዝራእናዮን ጸገምን መከራን ዝኸፍእ የሎን ቢሎም ዝገጥምዎ መሪር ጉዕዞ ምዃኑ ካብቶም ስደተይናታት ዝረኸብዎ ቃል የረጋግጾ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.