2013-10-13 14:23:02

2ይ ሰንበት ዘጽጌ 2006 ዓ.ም. 10/13/2013


አብ ኩሉ ጸበባን ፈተናን ማርያም አብነትና እያ።
መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ መንክር ውዕጹብ. . . . . . . ።
ንባባት፡ 2ጢሜ 1፡6-14፥ ራእ 12፡113፥ ግ.ሓ. 7፡23--30፥ሉቃ 17፡5-10
ምስባክ፡ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ወሰብእሰ ከመሳዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ። “ኦ ጎይታ መረት ምዃና ዘክር፥ ሰብ ከም ሳዕሪ ምዃኑ መዋዕሉ ከም ዕምባባ በረኻ ከምኡ ከም ዝፈሪ ዘክር”
መዝሙር አብዚ ሰንበት ዝዝመር፦ “ሥራሕ ጥበቡ ዘገርምን ዘደንቕን እዩ፥ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ አባና ምሕረቱ ገለጸ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ አብሪሁ ዝኸለሎ፥ ንምድሪ ብጽሩይ ዕምባባ ዘገጻ፥ ሰንበት ከም ንቡር ከዕርፉ ምእንቲ ዝሰርዐ፥ መአዛ ቅዱሳን ከም ሽቱ ሊሊ አብ ቆላታት፥ቃርፋን ናርዶስን ዓምበቡ” ይብል።
ዘሎናዮ እዋን ዘመነ ጽጌ ስለ ዝኾነ ፍሉይ ተራ ማርያም አብ እምነትና ክንሓስብ ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ። ሕይወትና ጉዕዞ ስለ ዝኾነ ጽቡቕን ሕማቕን ክጓነፈና ባህርያዊ እዩ። ዓንቃፍን ከቢድን እዋን ክጓነፈና እንከሎ አብ ማርያም ክንምለስ ሓጋዚና እዩ። ማርያም አብ ምስጢር አምላኽ ምስተሳተፈት ብዓይኒ ሰብ ክንርእዮ ከሎና ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ ሓንቲ መዓልቲ ርህይዋ አይፈልጥን። አብ ልደቱ ስደት ንዓዲ ጓና ተጓኒፍዋ መራሕ ሃገር ክቐትሎ ስለ ዝደለየ ወዳ ሒዛ ንስደት ከይዳ፥ ካብ ስደት ምስ ተመልሰ እውን አብ ብዙሕ ከቢድ ጸገም ወሪድዋ ወዲ 12 ምስ ኮነ ጠፊእዋ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ዮሴፍ ከቢድ ጊዜ አሕሊፋ፥ ሓንቲ ወላዲት ውሉዳ ክጠፍአ ዝስምዓ እሞ ንሕሰቦ፥ ስብከቱ አብ ዝጀመረሉ እሞ ኩሉ ተአምራትን ምሕረትን እናአውረደ ገለ ጋኒኒ ሓዲርዎ ገለ ኸአ ከዋርድዎ ክትርኢ ክንደይ ስቓይ ይወርዳ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። አብ መጨረሽታ አብ መስቀል ሰቒሎም ክቐትልዎ ክትርኢ እንከላ ከቢድ ሓዘን ከምዝወረዳ ንርኢ። ሕይወት ማርያም ከስ መስቀል ዝበዝሖ ውርደት ዝበዝሖ እዩ ነሩ፥ ነዚ ኹሉ ፍቓድካ ይኹን እናበለት ተቐቢላቶ ንወዳ ከም መስዋዕቲ አብ ክንዲ ኩልና አዕሪጋቶ።
ማርያም አብ ኩሉ አብነትና እያ። ንዝጓነፈና ጸበባን ውርደትን አብ ገለ እዋን ከአ ክንርድኦ ዘይንኽእል መዓት ክወርደና እንከሎ ካብ ማርያም ንምሃር። ነቲ ከአል ኩሉ አምላኽ ክርድኦ ዓቕሚ የብለይን እሞ ፍቓድካ ይኹን ኢለ ክኽእል ሓግዘኒ ንበሎ።
እንባቆም ነብይ አብ 1፡2-3፡2፡2-4 ዘሎ እንተ አንበብና ናይ ደቂ እስራኤል አብ ዓዲ ጓና አብ ባቢሎን ዝወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ዓመጽ መሪሪዎ “ኦ አምላኽ ስለምንታይ ክፍአት ክርኢ ትኃድገኒ፥ ስለምንታይ ዓመጽ እና ረአኻ ሸልል እትብል፥ ምዝራፍን ዓመጽን አብ ኩሉ ይስማዕ አሎ ባእስን ክርክርን ከአ አብ ኩሉ ይልዓል አሎ፥ ሕጊ ደኸመ ፍትሒውን ጠፍአ፥ ዓማጺ ንጻድቕ ይብለጸሉ አሎ፥ ፍርዲውን ቀነነ” እናበለ ነቲ ናይ ዘመኑ ጸበባ ብምረት ክዛረብ ንሰምዖ። እዘን ቃላት ካብ ዝተዘረብለን እዋን ብዙሕ ተቐይሩ። አብዚ እዋን ፖሎቲካውያን ብዛዕባ ሓዲስ አካይዳ ወይ ሓዲስ ምሕደራ ይዛረቡ፥ብኻልእ ወገን ከአ መራኸቢ ብዙኃን ሓደ ድሕሪ ሓደ በብዕለቱ ዝኸፍአ ህልቂትን ሞትን ይነግሩና አለዉ። ዓለምና ሎሚ አብ ነነድሕድና ንህልቂት ዝወፈርና ኢና እንመስል ዘሎና፥ ጽልኢ ባእሲ ምፍልላይ ሞት በዚሕዎ ዘመና። ብዙኃት ብጥመት ብውግእ ይሞቱ አለዉ ብዙኃት ሰብ ብዝዘርሖ ይውድኡ አለዉ። አብ ዝኃለፈ 3 ጥቅምቲ ካብ 350 ንላዕሊ አሕዋትና አብ ባሕሪ ብዘስቅቕ መገዲ መይቶም ዓድና ብኽያትን አውያትን ወሪድና አሎ። አብ ዓለምና እንተ ረአና ገለ ካብ ቤተ ክርስትያን ክወጽኡ ገለ ኸአ ካብ መስግድ ክወጹ ብስም እምነት ብስም አምላኽ ዝቕተሉ መሊኦማ አለዉ። ነዚ ኹሉ ግፍዕን ዓመጽን ጽን ኢልና ንርእዮን ንሰምዖን አሎና፥ ከምሰብ ክንሓስብ ክርስትያናዊ ሓላፍነት አሎና።
ገለ አምላኽ አበሎ? ስለምንታይ ንደቁ ዘይሕሉ ብፍላይ ንሕፃናትን ድኹማትን? ብዙሕ ጊዜ አብ ከምዚ ኩነት ዝርከቡ ህዝቢ ተስፋ ዝቖረጹን ንሕይወት ትርጉም ዝሰአኑሉን እዮም። ብወገና ሓንቲ ከንገብር ከምዘይንኽእል ንሓስብ፥ ሓንቲ እንገብራ ካብ ከምዚ ምህዳምን ንርእስኻ አውጺእካ ምንባርን ጥራሕ ኢና ንሓስብ። ዓለም ሎሚ ሰብ ዝገብሮ ጥፊእዎ ዓዱ ሓዲጉ ንስደት ዘምርሕ መሊእዋ፥ አብ ስደት ዝጓነፍ ብዙሕ እዩ፥ አብ ርእስናን አሕዋትናን ተመሊስና እንተ ረአና ብዙሓት አብ ባሕሪ ጠፊኦምና ብዙሓት አብ በረኻታት ሲናን ሰሃራን ኩሊቶም ተወሲዱ ብጨካን ሞት ዝሓለፉ አሕዋትና ማእለያ የብሎምን። ህዝብና ፍሉይ ቅጽዓት ዝወረዶ ህዝቢ ኮይኑ ይርአ አሎ፥ ዝዓበየ ዝነአሰ ዓዱ ሓዲጉ ይዋረድን ይመውትን አሎ። እንታይ ንግበር ፍታሕ ካበይ እዩ ዝርከቦ አነ ከም አነ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ አሎ ኢልና ሕልናና አብ ቅድሚ አምላኽ ንሕተት። አብ ገለ እዋን ንሕና እውን ምኽንያት ሞት ሰብና ንኸውን ከይንህሉ። ክሓልፈልካ ውጻእ እናበልና ምኽንያት ንኸውን ከይንህሉ። ካብዚ እንርእዮን እንሰምዖን ዝኸፍእ የሎን እሞ ሞት አይትምረጹ ንበሎም ንወገና። ይምረር እምበር ክልወጥ እዩ ተስፋ ዘቝርጽ የብልናን ክርስትያን ተስፋ አይቆርጽን እዩ። እምባቆም ነብይ ብትዕግስቲ ንኹሉ ክጽበዮ ይንገሮ ንአና እውን በዚ መንፈስ ክንጉዓዝ እዩ ዝደልየና። “እቶም እኵይ ዝግብሮም ዕቡያት ብሕይወት አይክነብሩን እዮም፥ ጻድቃን ግና ብእምነት ይነብሩ”።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓዋርያት እምነት ክውስኾም ሓቲቶም። እዚ ሕቶ ነቲ ናይ እቶም ውሑዳት ክርስትያን ኩነት ዝገልጽ እዩ። ኩነታቶም ስደት ሞት ማእሰርቲ ምስ በዝሖም ኩሉ ከም ዕንቊ ከቢዱ እንከሎ አብ መንጎ ባሕሪ ጽልኢ ክነብሩ እንከለዉ፥ ዓለም ጸቢባቶም መጻኢ ተስፋ ክርእዩ አብ ዘይክእሉሉ እንከለዉ ዝጸለይዎ እዩ ዝመስል። ብዙሓት ነቲ ከቢድ ጸልማት ሰጊሮሞ ምናልባት እቶም ንጥፍአቶም ወፊሮም ዝነበሩ ተዓዊትና አጥፊእናዮም እናበሉ ደም ሰማዕታት ፈልሲ እምነት ኮይኑ ክርስትና መጠን ዝተዋረዶ መጠኑ አብ ኩሉ በጺሑ። ክርስትያን ተስፋ አይቆርጽን እዩ ወላ እኳ አብ ገለ እዋን ክበድ ጸገሙ ክርድኦ እንተ ዘይከአለ።
እንልምኖ እምነት ዝበለጸ ትምህርቲ ክርስቶስ ክንምሃር እሞ ዝያዳ አፍልጦ ክህልወና አይኮነን። እንልምኖ ዘሎና ዓሚቝን ጽኑዕን እምነት ክህልወና አምላኽ ከምዘይ ሓደገናን ምሳና ከምዘሎ ወላ እኳ ካባና ዝረሓቐ ኮይኑ እንተ ተራእየና ኩሉ ጊዜ ክም ዝሓለየልና ክንአምን እዩ። እዚ ክንብል እንከሎና ግን ክርስትያን ብዘይ ጸገምን መስቀልን ክነብር እዩ ማለት አይኮነን። ክርስትያን ማለት ኩሉ ቀሊል ጥዑም ኮይንሉ ዝነብር ማለት አይኮነን። አምላኽ ከምዝሓልየልናን ዘፍቅረናን አተስፍዩና እዩ ግን ስቓይ ቃንዛ ጸገም ዘይብሉ ወላ እውን ዘይተሓስበን ብዓመጽ ዝመጽእ ሞት ከምዘይመጽእ አየተስፈወናን። ነቲ ሓደ ወዱ እውን ከምዘይነሓፎ ክንዝንግዕ የብልናን።
እግዚአብሔር ዘተስፈወና አብ ጊዜ ፈተናን ጸገምን ክንጻወሮ እንኽእል ኃይሊ ይህበና ብፍላይ መልእኽቲ ክርስቶስ አብ ዓለም ክነብጽሕ እንተ ኾይኑ እቲ ጸበባ ባዕሉ እዩ አብ ጎንና ዝኸውን። አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዝፍጠር ርክብ እንካን ሃባን አይኮነን፥ እነ ክንድዚ እህቦ እሞ ንሱ ኸአ ብአምስያኡ ክንድዚ ይህበኒ አይኮነን እቲ ጉዳይ፥ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ቅድሚ ኩነት ዘይብሉ ፍቕርን አገልጉለትን እዩ። ሓጎስን ዕግበትን መሰረቱ አብቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ክብሪ ክንረክብ ኢልና እንገብሮ አይ ኮነን መሰረቱ፥ እንታይ ድአ አብቲ ንርእስና አብ ምውፋይን አብቲ ንካልኦት ንምሕጋዝ አብ እንገብሮን እዩ መሰረቱ። ምኽንያት ናይ እዚ ኸአ ዝገበርና እንተ ገበርና አብ ቅድሚ አምላኽ ሰብ ዕዳ ኢና። ምንጪ ናይ ዝኾነ ንክብሩ ኢልና እነቕርቦ አገልግሎት ህያብ ካብኡ እዩ። ንሕና አገልገልቲ ጥራሕ ኢና፥ ካብ ግቡእና ንላዕሊ ክንገብሮ እንኽእል ካልእ የለን። መጠን አዕቢና ንአምላኽ ዝገበርናሉ መጠኑ ኸአ አምላኽ ዝገበረልና ክንርኢ ንኽእል። ብኻልእ አዘራርባ አምላኽ ዝገበረልና ምስቲ ንሕና ገርናዮ እንብሎ ሓንቲ ዘቀራርብ የብልናን። ኩሉ ዘሎና ህያብ አምላኽ እዩ።
አብ ሓቀኛ ፍቕሪ ሓደ ሰብ ንሰለስተ ሰዓት አፍቂረካ እየ እሞ ንሰለስተ ሰዓት ክተፍቅረኒ አሎካ ዝብል የለን። ከምኡ ሓደ እተፍቅሮ አብ ሆስፒታል እንተ አተወ ዓርከይ ክሳብ ካብ ሆስፒታል እትወጽእ አየፍቅረካን እየ ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእካ አነ ዝደልዮ ክትገብረልይ ስለ እትኽእል ሽዑ ከፍቅረካ እየ ዝብል የለን። አብ ሓቀኛ ፍቕሪ እንተስ ምስ አምላኽ ይኹን ወይ ምስ ከማና ዝበለ ሰብ ይኹን እቲ ብፍቕሪ ዝመጽእ ሓጎስን ዕግበትን መሰረቱ አብቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት እንህቦን እንካፈሎን እዩ። አብ ከምዚ ዝአመሰለ ፍቕሪ አምሰያኡ ክምለሰልና ኢልና ክንሓስብ የብልናን ምኽንያቱ ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ንሕና ዘቕረብናዮ ብዝተዓጻጸፈ መልክዕ ክምለሰና እዩ። ዝያዳ አትኩሮ እንህቦ አብቲ ብዘይ ሓደ ቅድመ ኩነት አብ እነቕርቦ ወይ እንህቦ እዩ።
ንአምላኽ እዚ ክገብረልና አልኦ እዚ ስለምንታይ ከምዚ ዘይገበሮ ኢልና ምሕሳብ ክነቋርጾ አሎና። ንአምላኽ ከም እንእውዶ ገርና እንሓስቦ ብዙሓት ኢና ስለምንታይ ከምዚ አፍቂዱ አምላኽ እናበልና ነቲ ዝገጠመና ነተሓሕዞ እንተ ኾነ እምነትና ከም ዝሕብረና ናይ አምላኽ መገዲ ፍሉይ እዩ፥ ብርግጽ ሰናይ ምስ ገበርና አብ ቅድሚ አምላኽ ሞጎስ ንረክብ ኢና እንተ ኾነ አምላኽ በቲ ዝገበርናዮ መሰረት ክክሕሰና ምሕሳብ ግጉይ እዩ። አምላኽ ዝኾነ እንደልዮ ዝገብረልና ፍቓዱ ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ።
ናይ ሱፐር ማርከት አተሓሳስባ ክንአልዮ አሎና። ቤተ ክርስትያን ከም ሓደ እንደልዮ ነገር ክንረክብ እንኸዶ ገርና ክንሓስብ የብልናን እንተ ዘይኮነ እንደልዮ እንተ ዘይረኸብና ቤተ ክርስትያን ብምኻድ ሓንቲ አይረባሕኩን ወይ ቅዳሴ ብምስማዕ ዝረኸብክዎ የብለይን እናበልና አብ ክሕደትን ዕልወትን ንወድቕ። ከምቲ አብ ሉቃ 15 ዘሎ ዓቢ ውሉድ እዩ ነብኡ አብ ገዛኻ ክንደይ ዓመት አገልጊለ እንተኾነ ሓንቲ መዓልቲ ምስ አዕሩክተይ ዝሕጎስላ ማሕስእ እኳ አይሃብካኒን ከም ዝበሎ ኢና እንብል።
ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ዘፍቅሮ ረድኡ ጢሜቴዎስ ክምዕዶ እንከሎ “ነቲ ብምንባር ኢደይ አባኻ ዘሎ ውህበት አምላኽ ከተሓድሶ አዘክረካ አሎኹ” ዝበሎ ሕይወትና ከም ክርስትያን ምስ አምላኽ ብማዕረ ዓዪና እንነብር ዘይኮናስ እቲ ምስ አምላኽ ክወዳደር ዘይበቅዕ ምላሽና ነቲ ክቡር ህያብ ዝተገብረልና ዝገልጽ ክኸውን አለዎ። ስለምንታይ አነ ዝብል ጽቡቕ ሕቶ እዩ።
ውህበት እምነት አብ ክርስቶስ መንፈስ ፍርሃት አይኮነን፥ ብዛዕባ መጻኢ ሓሲብካ እትጭነቖ አይኮነን። ንሱ መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እዩ። ነዚ አብ ሕይወትና ክንለብስ እንከሎና ንጎይታ አብ ምምስካር ወላ ሓንቲ ክንፈርሕ አይኮናን፥ ወላ እውን ኩነታትና አንጻር ማሕበራዊ ትጽቢትን ከምኡ ንዋታውን ማሕበራዊ ደገፍ እንተ ጎደለና ከምኡ ወላ ዋሕስ አይሃልወና ንእምነትና አብ ምምስካር ፈልከት ክንብል የብልናን። ከምኡ ወላ አብ ርእስና ሓንቲ ጸገም አይውረደና ምስቶም ምእንቲ ወንጌልን ምእንቲ ሓቅን ኢሎም ዝሳቐዩ ክንተሓባበር ምእንትኦም ዓው ኢልና ክንዛረብ ወላ ብግልና ጸገም ዘምጽአልና እንተ ኾነ እምነታዊ ግዴታና እዩ። ምስቶም ብክርስቶስ አሕዋትና ክንተሓባበር ክንፈርሕ ወይ ክንሓፍር የብልናን፥ ብሰበ ስልጣን ይኹን ብኻልኦት አብ ዝኾነ ሰብ ግፍዒ ዓመጽ ክወርድ እንከሎ ሱቕ ክንብል ከሎና ክርስትያናዊ ሓላፍነትና አወንዚፍናዮ አሎና ማለት እዩ። ምእንቲ ርትዒ ሓቂ ፍትሒ ዓው ኢልና ክንዛረብ ክርስትያናዊ ግደታና እዩ።
ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምብአር ምስ ግላዊ ሕይወትና ዝተአሳሰረ እዩ። ብሓደ ወገን እንነብሮ ዓለም አሽሓት ደቂ ሰብ ምእንቲ ሓቂ ነጻነትን መንነትን ኢሎም ዝቃለሱሉ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። እንታይ አበርክቶ አሎና? ብኻልእ ወገን ከአ እንነብሮ ዓለም ንግላዊ ረብሓ ደቂ ሰብ ብህርፋን ሃነፍነፍ ክብሉ ምቹእ ኩነት ዘልኦ ጊዜ ኢና ዘሎና። ናይ ከምዚ ዝበለ ዓለም አካላት እንተ ኾና ዑረት ሕልናን ልብን ክገጥመና እዩ፥ ሽዑ ንብኽያት ብዙሓት ድኻታትንን አላዪ ዘይብሎም ክንሰምዕ ከጸግመና እዩ።
ብዙሓት ነዚ አብ ዓለምና እንርእዮ ጸገማትን ግፍዕን ምኽንያቱ ንአምላኽ ዝህቡ አለዉ ብሓቅን ብቕንዕናን ክንዛረብ እንተ ኾና ግን ባዕልና ኢና።
ምስ ማርያም ኮና እምብአር ኦ እምላኽ ርኢና ክንክእል እምነት ወስኸና። ነቲ ክቡር ህያብ ንስኻ ዝሃብካና አብ አገልግሎትካን አብ አገልግሎት ብዙሓት ሓገዝና ዝጽበዩ ክነውዕሎ ሓግዘና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.