2013-10-12 16:25:03

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ኣንጀላ ዳ ፎሊኞ ቅድስና ናይ ኣፍልጦ ውሳኔ ሂቦም


RealAudioMP3 ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ካብ 1248 ዓ.ም. ክሳብ 1309 ዓ.ም. ዝነበረት በዓል ዓቢይ ሰቂለ ሕይወት ብፅዕቲ ኣንጀላ ዲ ፎሊኞ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ብምእዋጅ ኣብ ናይ ቅዱሳን መዝገብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ስማ ክሰፍር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ዘቕረብዎ ጸብጻብ መሰረት ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዛ ናይ ኢጣሊያ ኡምብርያ ክፍለ ሃገር ተወላዲት ካብ ሓንቲ ርኽብቲ ስድራ ቤት ዝተወልደትን ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስክርነት ስዒባ ዝተለወጠትን ቀጺላ ኣብ ሳልሳይ ማሕበር ፍራንቸስካውን ኣትያ ብድኽነት ዝነበረት ብዙሕ ዓቢይ ናይ ሰቂለን ተመስጦን ሕይወትን ጸጋ ዝተዓደለትን ሓዲጋቶ ዝሓለፈት መንፈሳዊ ጽሑፋታ፣ ናይ ቲዮሎጊያ መምርህ” ዝብል መጸውዒ ከምዘውሃባን ኣብነታን ትምህርታን ቅዱስና ዝተመልኦ ሕይወታን ንብዙሓት ማራኺ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ናይ ቅድስናን ብፅዕናን ውሳኔ ናይ ቅዱስ ካርሎ ልኡካን ማሕበር ደናግል መስራቲት ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ሾሞንተ ሚእትን ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ትሽዓተ ሚእትን ዓ.ም. ዝነበረት ኣሱንታ ካተሪና ማርከቲ ብኣማላድነታ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ናይ ፈውሲ ጸጋ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተፈላጥነት ረኺቡ ብፅዕቲ ከምእተባህለትን እዛ ብፅዕቲ ጓል ቤተ ክርስቲያን ናይ ስካላብሪኒያኒ መንፈሳውነት ብምስዓብ ዘኽታማትን ስደተይናታትን ሕሙማንን ኣብ ምግልጋሎም መላእ ሕይወታ ዘወየፈት ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.