2013-10-12 16:21:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር


RealAudioMP3 ዕለት 11 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ዝኣተዉ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ጀርመናዊ ማርቲን ሹልትዝ ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ድሕሪ እቲ ርክብ ማርቲን ሹልትዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓት እዋርሕ ብኣኦም ዘይተደነቐ ሰብን መንግስትን የለን፣ ክፉት ኣመለኻኽታ ዘለዎም ቀጥተይና ዘተ ዝፈትዉን ቀጥተይና ርክቦም ምስ ምእመናን ብሓፈሻዉ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ እውን እተኾነ ዝኽተልዎ ሜላ እዩ። ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓደ ልኡከ መንግስቲ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩሉ ብዝርድኦ መልክዕ ብዘይ ምትሕልላኽ መልእኽቶም ዘመሓላልፉ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ መራኸቢ ብዙኃን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣዘራርብኦም ኣውን ልክዕ ከምኡ እዩ፣ እዚ እዩ ድማ እቲ ፍልይ ዘብሎም፣ መልእኽቶም ንዅሉ እዩ” ኢሎም።
ቀጺሎም ኣብ ላምፔዱዛ ነቶም ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ከምኡ እውን ነቶም ካብ ሓደጋ ሞት ዝተረፉ ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት ላምፔዱዛ ንዝርከቡ ብቐረባ በጺሖም ምስ ተመልሱ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካይድዎ ርክብ ከምዝነበረን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝተኸስተ ናይ ሞት ሓደጋ፦ ንዓለም ሕፈረትን ውረደትን እዩ” ቢሎም ዝገለጽዎ ጉዳይ ኣመልኪቶም ይብሉ፦ “እቲ ዝተኸስተ ናይ ሞት ሓደጋ ብሓቂ ነቲ ሃብታም ዓለም ዝበሃል ውረድትን ሕፍረትን እዩ፣ ኣብ ቀረባ ዶባት ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዓይነት ናይ ሞት ሕደጋ ክኽሰት ምርኣይ ብሓቂ ውርደት እዩ። ስለዚህ እቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ናይ ኤውሮጳ ናይ ስደተይናታት ዝምልከት ሕጊ ኣብ ሕቶ ዘእትውን ክሕደስ ክምዘለዎ ዘረጋግጽ ዘሕዝን ኩነተ እዩ። እቲ ናይ ዱብሊን ካልኣይ ዋዕላ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ንሕቶ ፖለቲካ ዑቕባ ዝምልከት እዩ፣ ካብዚ ሓሊፉ በዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝኽሰቱ ናይ ከባብን ሕድ ሕዳውን ውግእን ግጭታትን ከምኡ እውን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ግዚያዊ ናይ ሕይወት ውሕስነት ዑቕባ ዝፈቕድ መምርሒ ክሕወሶ ይግባእ። እዚ ድማ ነቲ ዝርአይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደተይናነትን ከምኡ እውን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝፍጠር ዝተፈላለየ ሓደጋን ናይቶም ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምቁጽጻር ዝድግፍ እዩ” ኢሎም ንሶም ካብ 1994 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ከምዝኾኑን ኣብ 1994 ዓ.ም. ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝግበር ዝነበረ ፖሊቲካዊ ምይይጥ ሎሚ ኣውን ከምዘሎ እዩ ተሪፉ ዘሎ፣ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣይተለወጠን ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብሓቂ ደምዳሚ መልሲ ዘድልዩ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊጾም።
ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብለዎ፦ “ትግሃትን ጻዕርን ዘድልዮ ሰብኣዊ ኩነትን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽ የድሊ፣ እቲ ኣዚዩ ሃብታም ክፍሊ ዓለም ኣብቲ ሃብታም ሃገር ውሽጢ እውን እንተኾነ ዘይምዕሩይ ኣመቐራርሖ ሃብቲ ሃገር እዩ ዝርአይ፣ በሓፈሻኡ ሃብቲ ዓለም ኣብ ብውሑዳት ሰባትን ሃገራትን ተባሒቱ እዩ ዝተርፍ፣ ስለዚህ ብክፍሊ ዓለምን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃን ምትሕብባር ምትሕስሳብ ጥቕሚ ሕዝቢ መቕዳምን ምርግጋጽ ይግባእ፣ ዝተመዓራረየ ዕዳጋ ክህሉን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ውግእን ግጭትን ዝረኣየሉ ከባቢ ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ ክሽምግልን ውሕስነት መሰል ሕንጸትን ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ምስፋሕን፣ ኩሉ እሙን ክርስቲያን ብሓቂ መልእኽቲ ክርስትና ክነብርን ካልኦት ሃይማኖታት እውን ከምኡ፣ ፖለቲካ ቃል ዝኣትዎን ዝትግበሮም ከመዓራርይ እሙን ኮይኑ ክርከብን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፣ ዝበለጸ ዓለም ምሕናጽ ዝከኣል እዩ” ምስ በሉ ዕለት 11 ጥቅምቲ 1988 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘስምዕሉ ዝኽሪ መበል 25 ዓመትን ከምኡ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተኸፈተሉ ዝኽሪ መበል 61 ዓመት ይበዓል ከምዘሎ እውን ዘኪሮም ኣብዚ ኣንነብረሉ ዘሎና ዓለም ሃገረ ቫቲካን ከም ሃገር ዓቢይ ተራ ከምዘለዎ ሓቢሮም ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.