2013-10-12 16:27:26

መዓልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም


RealAudioMP3 ዕለት 13 ጥቅምቲ መዓልቲ ቅድስቲ እኖ ድንግል ማርያም ዝንበረሉ ቅዱስ ዕለት ብምዃኑ እቲ ታሪኻውን ተኣምራውን ቅዱስ ሓወልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፈጢማ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ሮማ ከምዝኣተወን ድሕሪ እቲ በዓል ዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ምሸት ናብቲ መንበሪኡ ናብ ፖርጉጋል ክምለስ ምዃኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመት ሕንፃ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ኦችታቪዮ ሪዩዝ ኣረናስ ከምዘምልከቱ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣመልኪተን።
ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ እዛ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕለት 13 ጥቅምቲ ክትውዕል ዝተውሃበ ውሳኔ ብዘይምኽንያት ከምዘይኮነን እዚ ድማ ኣብ ፋጢማ እኖ ድንግል ንጃቺንታን ፍራንቸስኮን ሉቺያን ኣብ 1917 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝገበረቶ ግልጸት በቲ ዕለት 13 ጥቅምቲ 1917 ዓ.ም. ዝለገሰት ግልጸተ ማርያም ዝተፈጸመ ብምኳኑን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ጥቅምቲ 13 ብዝተተኮሰ ጥይት ዝቖሰሉላን ካብ ሞት ሓደጋ ዝወጹላ ተኣምረ ማርያም ዝተፈጸመላ ዕለት ከምዝኾነትን ከምኡ እውን እታ ዝሃረመቶም ጥይት ኣብታ ናይ ቅዱስቲ ሓወልቲ ማርያም ዘፈጢማ ክትነበር ከምዝገበሩን ዝብሉ ምኽንያታት ጠቒሶም፣ ለምዘበን ኣብ ዝነበር ዘሎ ናይ እምነት ዓመት ዝበዓል ብምዃኑ ድማ ፍልይ ዘብሎ ምስታ ኣደ እምነትን ኴይና እምነትና ክዓብይ እንጽልየላ ዕለት እያ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን፦ ማሕበረ ክርስቲያን ቅዱስ መቝጸርያ ዕለታዊ ብምድጋም ክጽልን ኣብ ጸሎተ መቝጸርያ ክተግሁን እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምድግጋም ዝሃብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ከምዘዘኻኸሩን ዕለት 12 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ተሳሊሞምን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና በዛ ዓባይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝልግስዎ መደብ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ክሳተፉን እታ ቅድስቲ ሓወልቲ ማርያም ዘፈጢማ ካብ ምዕርፎ ነፈርቲ ፊዪሚቺኖ ናብ ሃገረ ቫቲካን በጺሓን ኣብቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝነብርሉ ዘለዉ ገዳም ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ተዓቂባ ቀጺሉ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ በጺሓ ቅዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ገይሮምላ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርብዕተ ብማሕበራት ቅድስት ማርያምን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታን ብጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ተዓጂባ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዑደት ፈጺማ ሮማ ናብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ እኖ መለኮታዊ ፍቕሪ በጺሓ ጽሎት መቑጸሪያን ጸሎት ዋዜማ ምስ ተግበረ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሊሳ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምዕመናን መንፈሳዊ ነጋዶ ዝሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናብ ቅድስቲ ማርያም ዘ ፈጢማ ጸሎት ምሕጽንታ ክፍጽሙ ምዃኖም ክምልከት እንከሎ፦ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በታ ዕለት መላእ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዓለም ንማርያም ዘፈጢማ ከወክፉ ምዃኖም ስለ ዝኣመነት ብፅዕቲ እያ ዝብል ቃል ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ዓቢ ትርጉም ዘለዎ እዩ፣ ስለዚህ ምእመናን ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ነታ ናይ እምነት ኣብነት ዝኾነ ማርያም ተማሕጺኑ ኣብ እምነት ክዓብን ናታ ኣብነት ክንስዕብን እምነት ብቓልን ሕይወትን ክምስክር ክትድግፎ ዝብል ጸሎት ዝዓርገሉ ዕለት እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.