2013-10-08 16:21:49

ሕቶ ኣግባብ ስነ ሰብእ ንምንባር ማሕበራውነት መሰረት እዩ


00:04:10:39 ናይ ቤተ ሰብ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ዝኽሪ ምቛም መበል 30 ዓመት ናይ ስድራ ቤት መሰልን ግቡእን ፍቓድን ናይ ውሳኔ ሰነድ ምኽንያት፦ “ሓደስቲ ትርኢታት ኣግባብ ስነ ሰብእን ናይ ስደራ ቤት መሰልን ግቡእን ፍቓድን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ዓውደ መጽናዕቲ ንዕለት 24 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዶሙስ ፓቺስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ከምዘሰናደወ ክምልከት እንከሎ፣ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ስድራ ቤት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ብዘስምዕዎ ዘረባ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸፍቱ ምዃኖምን ነቲ ናይ ንጐሆ ቀዳማይ ክፍሊ ዓውደ መጽናዕቲ ዝመርሑ ናይ ፊሊፒስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ከምዝኾኑን ድሕሪ ቐትሪ ናይቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ክፍለ ጉባኤ ዝመርሑ ድማ ናይ ናይጀሪያ ርእሰ ከተማ ኣቡጃን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኦሎሩንፈሚ ኦናየካን ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ናይ ቤተ ሰብ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ላፊተ ድሕሪ ናይዚ ጳጳሳዊ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ዘስምዕዎ ናይ መክፈቲ ዘረባ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ፦ “ናይቲ ናይ ስድራ ቤት መሰልን ግቡእን ፍቓድ ውሳኔ ቲዮሎጊያዊ መሠረቱ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣመርኵይዞም ኣስተህሮ ከቕርቡ ከምዝኾኑን፣ ቀጺሎም ተወላዲ ሰፐይን ናይ ፍልስፍናን ስነ ሕግን ሊቅ ኣንድረስ ኦየሮን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስድራ ቤት ስነ መሰልን ግቡእን ፍቓድን ሊቅ ተረዛ ኮለትን ናይ ማሕበረ ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ላዕለዋይ ፈረሰይና ካርል ኣንደርሶንን ናይ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜጋ ጃነ ኣዶፈን ኢጣሊያዊት ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ሉቸታ ስካራፊያን ኢጣልያዊ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ስተፋኖ ዛማኚ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ እቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ ኣስዒቡ ዝኾነ ይኹን ናይ መሰልን ግቡእን ፍቓድን ኅልዮ ኣግባብ ስነ ሰብእን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ግብኡን ፍቓድን ኣግባብ ስነ ሰብእ ርእየት ወይ ድማ ተርእዮ ኣለዎ ስለዚህ እዚ ድማ ናይ ደረት ውህዶ እዩ እንክብል ናይ ፍልስፍና ሊቅ ሃንስ ገዮርግ ጋዳመር ዝገለጾ ፍልፍናዊ ስነ ሓሳብ ጠቒሱ ሕቶ ኣግባብ ስነ ሰብእ ናይ ነፍሲ ወከፍ ባህልን እንታይነትን ሕቶ ኣግባብ ስነ ሰብእ ንምንባር ማሕበራዊ መሰረትን ናይ መሰልን ግቡእን ፍቓድን ርግጸይናነትን ምዃኑ ብብምልካት ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ቅልውላው ቅድም ቀዳድም ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከይሰልከዩ ዝገልጽዎ ዝነበረን ቀጺሎም እውን ቅዱስነቶም ልኂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ስልጣናዊ ምቅላሕ ዘንድበርሉን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝተሓረይላ ዕለት ኣትሒዞም ደጋጊሞም ዝብለዎ ስልጣናዊ ሓሳብ ንሱ ድማ ቅልውላው ኣግባብ ስነ ሰብእ ከምዝኾነን ሓቢሩ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሒ ኣቢሉ እቶም ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ኣግባብ ስነ ሰብእ ሊቃውንቲ ብሉጻት ተባሂሉ ዝንገረሎም ክርስቲያን ምእመን ናይ ኣግባብ ስነ ሰብእ ሊቅ ዡሌን ሬስ፦ “ቅድሚ ክልተ ሚሊዮን ዓመታት ኣቢሉ ኣፍልጦን ርድኢትን ኣናስር እናማዕበለን ናብቶም ዓበይቲ ባህልታትን ሃይማኖታትን ምውላድ ዘብጽሕ ምዕባለ ናይ ሰብኣውነት ታሪኽ ግንዛቤ እውን ከምዘሎን። ኮይኑ ግን ወዲ ሰብ ርእሰ ግልጸት ወይ ድማ ክርአይ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ንነጀው ሰብ ትእምርታውን ሃይማኖተይናን ምዃኑ ንርዳእ፣ እዚ ግንዛቤ እዚ ድማ ንእንነብረሉ ዘሎን እዋን ኣገዳሲ እዩ” ዝበሎ ዓሚዩቕ ሃሳብ ጠቒሱ እቲ ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ዓሚዩቕን ሰፊሕን ምዃኑ ብምምልካት እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ጥራሕ ዘይኮነ ማሕበራውን በርገሳውን ምዕባለ ዘረጋግጽ ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሕ ተሳታፍነት ክረክብ ተስፋ ተነቢርሉ ከምዘሎን ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንምስታፍ ዝደሊ ኣብ ዝብል ኣድራሻ ቅድሚ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ክምዝገብ ከምዝኽእል እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.