2013-10-01 16:00:34

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ቅድሚ ናይ ውግእን መከራን ጅሆ ናይ ዝኾነ ሕዝቢ ስቓይ ተስፋ ዘይምቑራጽ


RealAudioMP3 ዕለት 30 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ በቢ ዓመቱ ኣብ ሮማ ዘዳልዎ ናይ ሰላም ርክብ ጉባኤ ብምቕጻል ለብዘበን “ናይ ተስፋ ትብዓት” ብዝብል ራእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ናብ ዘካየድ ዘሎ መበል 27 ጉባኤ ሰላም ንዝሳተፉ ዘለዎ ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎ መንፈሳዊ መራሕትን ናይ መላእ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስኮ ሳባቲነሊ ሓቢረን።
እዚ ጉባኤ ሰላም እቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃይማኖታትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ኣሲዚ መደብ ሰላም ጸሎትን ዘተን ኣበጊሶም ዝሃብዎ ኣብነት ተኸቲሉ በቢ ዓመቱ ዝካይድ መዃኑ ዝዝከሩ ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ናይ ተስፋ ፋኑስ ክኹላዕን ምእንቲ ሰላም ምጽላይን ህርኩት ጻዕሪ ካብ ምክያድ ከይቡከር ከምዝዓደሙ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ውግእን ሕሰምን ምዝመዛን ጆሆ ዝኾነ ሕዝቢ ስቓይ ኢድካ ዘይምሃብ። ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ኣባይቲ ስድራን ዘጓንፎም መጥቃዕቲ ዓመጽ እናረአና ሸለል ክንብልን ድኹማትን ኮይና ክንርከብ ዘይቅቡል እዩ። እቲ ሞትን ስቓይን ንዝዘርእ ሽበራ መጋበርያ ዝኾኑ ውሑዳት፣ ልባቶም ናይዚ ኣሸባርነት ግዙእ ክኸውን እናረኣና ስቕ ክንብል ኣይግብኣናን። ግብረ ሽበራን ዓመጽን ብዝተፈላለየ መልክዕ እውን ይገለጽ፣ ፈጺሙ ምንም ዓይነት ሃይማኖታዊ ኣመክንዮ ክህልዎ ከምዘይክእል ብዓውታን ብምሉእ ሓይልን ከነቃልሕ ናይ ግድን እዩ” ከምዝበሉ ገሊጸን።
“ከም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ብዙሕ ክንዓዪ ዝከኣል እዩ። ሰላም ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ። ምእንቲ ሰላም ምጽላይን ምትጋህን! ሓደ ናይ ሃይማኖት መራሒ ወትሩ ብዘይ ምቍራጽ ናይ ሰላም ሰብ እዩ። ስለምታይ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ዓሚዩቕ ልቢ ናይ ዝኾነ ይኹን እንውክሎ ሃይማኖታት ባህሊ ተነቢሩ እዩ” ከምዝበሉ ልእክቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ሓቢረን።
“ዘተ ኣብ ልዕሊ ውግእ ሰዓሪ እዩ። ብዙሕ ጊዜ እንዝንግዖ እውን እንተኾነ ዘተ ዝተፈላለየ ወለዶን ዝተፈላለየ ዓሌትን ዝተፈላለየ መሠረታዊ መትከል ዘለዎም ሰባት ብሓባር ክነብሩ ዝድርኽ እዩ። ዘተ መገዲ ሰላም እዩ። ስለምታይ ዘተ ምርድዳእን ምስምማዕን ውሁድ ቅንይትን ዘመቻችእ ደጋፊ ሰላም እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ መንጎ ናይ ዝተፈላለየ ኩነትን ተኣምኖተ መሰረታዊ መትከልን ንኹሉ ዝከላኸልን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዚዮም ኣብ መከራን ስቓይን ዝርከቡ ዜጋታት ንምክልኻል ዘብቕዕ ናይ ሰላም መረበብ ክዓቢን ክሰፍሕን ኣገዳሲ እዩ” ቢሎም፦ ነፍሲ ወከፍና ካብ ምፍልላይ ብምትሕብባር ጽልእ ብምውጋድ ፈላላይ መንናድቕ ብምሕናጽ ዘይኮነ ናይ ዘተ መገድታት እናርሃወን ናይ ሰላም መጋበሪያ ክኸውን ዝተጸውዕና ኢና። ኣብ ዓለም ናይ ዘተን ተራኽቦን ባህሊ ንምሕናጽ ዘተን ምራኻብን ወሳኒ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን ቅድስነቶም ኣብ መወዳእታ ምዕዳኖም፣ ምእንቲ ሶሪያን ማእከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ሰላም ኩሉ ክጽልይ ሓደራ ቢሎም፣ ትብዓት ንሰላም ነቶም ብውግእ ዝሳቐዩን መጻኢ ሕይወቶም ብሻቅሎት ዘማዕድዉ መንእሰያትን ንመላእ ሕዝብን ዓለምን ናይ ተስፋ ትብዓት ዝጽግው ምዃኑ ገሊጾም፣ ምእንቲ ሰላም ንጸልይ ንትጋህ ከምዘብሉ ኣመልኪተን።







All the contents on this site are copyrighted ©.