2013-10-01 16:08:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሰላምን ሃሴትን ትእምርቲ ህላዌ እግዚኣብሔር እምበር ውዳቤ ኣይኮነን


RealAudioMP3 ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 30 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገር ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ “እቲ ካብ ኩላትኩም ዝነኣሰ ንሱ ዓቢይ እዩ” ዝብል ቃል ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌልን ከምኡ እውን ቀዳማይ ምንባብ ካብ ነቢይ ዘካርያስ ዝተወስደ እንታይነትን ከመይንነትን ትእምርቲ ህላዌ እግዚኣብሔር” ዘነጽሩ ሓሳባት ጠቒሶም፦ “ኣረጋውያን ተዘክሮን ጥበብን እቶም ብዘይ ሻቕሎት ዝጻወቱ ሕጻናት ግርሄይናታትን ምልክታ ሰላምን ሓጎስን እያቶም፣ እወ ናይ ሓደ ሕዝቢ መጻኢ ካብ ኣረጋውያንን ኣብ ሕጻናትን እዩ። ንኣረጋውያንን ሕጻናትን ዘይግደስን ዘይሓልን ሕዝቢ ዑረት መጻኢ ዘጋጥሞን መጻኢ ዘብሉን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለምታይ ተዘርክሮን መብጽዓን ዘይብሉ ስለ ዝኸውን እዩ። ስለዚህ ድማ ኣረጋውያንን ሕጻናትን ናይ ሓደ ሕዝቢ መጻኢ ኢያቶም፣ ኣረጋውያንን ሕጻናትን እናዓሸኻ ሱቕ ክብሉ ምድራኽን ምርሳዕን ዝተለምደ እዩ። ተኣለይ ድላይካ ግበር እናተባህሉ ክርሕቑ ዝድፍኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም። ኣረጋውያን ከይዛረቡን ምኽሮም ይትረፈና እናተባህሉ ግደፍዎም ኣረግውቲ እያቶም ክበሃሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ደቀ መዛሙርቲ ድላይ ስሉጥነትን ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ሓደ ጸገምን መከራን ክትጓዓዝ ይደልዩ፣ እዚ ድማ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ እዋናዊ ፈተና ከምዝኾነ ማለት፦ “ነታ ከም ማሕበር ወይ ድማ ውድቤ ገይራ ገዛእ ርእሳ እትሓስብን እትነብርን ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ፈተና እዩ። ናይታ ብስርዓት ኣዚያ ዝተደራጀወትን ኩሉ ስርዓት ዝሓለወትን ተዘክሮን ቃል ኪዳንን ዘይብላን ዘይትነብርን ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ፈተና እዩ። ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ድማ ንቕድሚት ዘይትጓዓዝን ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ዝራአየላን ኣብ መንጐ ዝተጠምቁ ምቅንናእን ሓሜታን ዝተመልኤት ተዘክሮን ቃል ኪዳንን ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን እያ እትኸውን” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
ምልክታ ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ዘካርያስ ምዕ.8 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 8 ዘሎ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ጠቒሶም፦ “ምልክታ ህላዌ እግዚኣብሔር ‘ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ኪቕመጡ እያቶም፣ ዕድሜኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ ነፍስ ወከፎም ብምርኩስ ኪኸዱ እያቶም…ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያት ዚጻወቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልእ እየን’ እቲ ርግኣት ኣረጋውያንን ትልሂት ዕሸላት ሕጻውንቲ ሰላምን ሃሴትን ኢዩ ከነስተንትን ዝድርኸና እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክህልዋ ዝግባእ ኩነት እዩ፣ ሰላምን ሃሴትን፣ ምልክታ ህላዌ እግዚኣብሔር” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.