2013-09-29 19:22:41

ሰንበት ዘመስቀል መስቀል 2006 ዓ.ም.


መስከረም 19 2006 ዓ.ም. (9/29/2013)
መዝሙር፡ 1. መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሐ . . . . ።
2. ዝንቱ መስቀል ረድኤት ለእለ ንአምን. . . . . . ።
(አብ ናይ መስቀል ሶምን ካልአይ ሰንበት እንተ ወዓለ ሓደ ካብዞም ዝተጠቕሱ መዛሙር ይዝመር)

ንባባት፡ ፩ቆሮ 2፡1~12፥ ፩ጴጥ 2፡20~ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡19~31፥ ሉቃ 9፡18~28
    ዘኁልቅ 21፡4~9፥ ፍሊጲስዩስ 2፡6~11፥ ግ.ሓ. 2፡22~37፥ ማር 8:27-ፍ።

ምስባክ፡ 1. ወወሃብኮም ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፥ ከም ያምስጡ እምገጸ ቀስት፥ ወይድኃኑ ፍቁራኒከ። 2. ወአጽንኦ እግዚኦ ለዝንቱ ተሠራዕከ ለነ፥ ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም፥ ለከ ያምጽኡ ነገሥት አምኃ። “ነቲ ንአና ዘድኃንካሉ ኃይልኻ ግለጾ፥ ስለቲ አብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት መቕደስካ ነገሥታት ውህበት ከምጽኡልካ እዮም”። መዝ 68፡28-29።

ዘመነ መስቀል ካብ 17-25 መስከረም ዘሎ እዩ። አብዚ ዕለት ሓደ ካብዚ ዝስዕብ መዛሙር መሪጽካ ይዝመር፦
1.“መቀልካ ተመስገነ ኃይሊ መስቀልካ እሱራት ፈትሐ፥ ኃይሊ መስቀልካ ለምጻማት አንጽሐ፥ ኃይሊ መስቀልካ ሙታን አተንሥኤ፥ ሰንበት ንሰብ ዕረፍቲ ኢሉ ሰርዐ፥ መስቀልካ ተመስገነ ኦጎይታ ሓቂ ዝኾነ ቃልካ ዓዘዘ”።
2. “ነቶም እንአምን እዚ መስቀል ረድኤት ንአይሁድ ስደት እዩ፥ ከምቲ ጎይታና ባዕሉ አብ ወንጌል ዝበሎ አነ ጎይታ ሰንበትን አቦ ምሕረትን ሰንበት ምእንቲ ዕረፍቲ ኢለ ዝሰራዕኩ እየ”።
መስቀል አብ እምነትና መሰረት ኩሉ እዩ፥ በዚ ምኽንያት አብ ስርዓት አምልኾና አብ ባህልና አብ ኩሉ ዕሞቕ ምስጢር መስቀል ይርአ። መስቀል ብኽልተ መኽንያት ኢና እነብዕሎ፡ 1. ነቲ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻሜ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ንምዝካር። 2. ትርጉም ምልክት መስቀልን አብ ዕለታዊ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ዝጓነፈና መስቀልን ንምግላጽን እዩ።
አብ ዓመተ ምሕረት 326 አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ተረፈ መስቀል ተረኺቡ። ከም አበሃህላ ቅዱስ ዮውሓንስ አፈወርቅ ቅድስት ኤለና አደ ንጉሥ ቆስጣንጢኖስ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ክትረኽቦ ኢላ አብቲ ቀራንዮ ዝተባህለ ኮሮብታ ኩዕታ አካይዳ። አብቲ ኩዕታ ሰለስተ መሳቕል ተረኺቡ፥ አብዚ ካብቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ክልተ ሰረቕቲ አየናይ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ፈሊኻ ክትፈልጥ አይተኻእለን፥ ስለዚ ሓንቲ ሕምምቲ ሰበይትን ሬሳ ናይ ሓደ ሰብአይን አብቲ ቦታ መቓብር አምጺኦም። ነቶን መሳቕል ሓደ ብሓደ አብ ልዕሊ እታ ዝሓመመት ሰበይትን አብ ልዕሊ እቲ ሬሳ ናይ እቲ ሰብአይን ምስ አንበርዎ፥ እቶም ክልተ መሳቕል ሓንቲ ምልክት አየርአዩን ነታ ኢየሱስ ዝተሰቕለላ አብ ልዕሊኦም ምስ አንበሩሎም ግን እታ ሕምምቲ ሰበይቲ ካብ ሕማማ ብቕጽበት ሓውያ እቲ ሬሳ ኸአ ሕይወት ረኺቡ ተንሢኡ። እዚ ተአምራት አየናይ ናይ ኢየሱስ መስቀል ምዃኑ ብንጹር ገሊጹሎም።

እዚ ወረ አብ ኩሉ ምስተወረ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንመስቀል ክርስቶስ ንምርአይን ንምኽባርን ክመጽኡ ጀሚሮም ከምዚ ኢሉ መስቀል አብ እምነትና ክከብር ጄሚሩ። አብቲ እዋን ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ዝነበሩ መቃርዮስ አብ ሓፍ ዝበለ ኮይኖም ንመስቀል ሓፍ አቢሎም ንኹሉ ሰብ ከምዝርእዮ ገሮም፥ ኩሉ ህዝቢ እና ሰገደ ኩሎም ብሓባር “ኦጎይታና ምሓረና እናበሉ” ይጽልዩ ነሮም። ቅድስቲ እለና አብቲ ቦታ ቤተ ክርስትያን ክስራሕ አዚዛ። እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስትያን አብቲ ኢየሱስ ዝተሰቕሎ “The church of Holy Sepulchre” “ቤተ ክርስትያን ዘመቃብረ እግዚእ” መስከረም 13 335 ተሰሪሓ ተመሪቓ። ካብዚ እዋን ንድሓር ዓመት ዓመት ብዓለ መስቀል ክብዓል ጀሚሩ። ሎሚ ቤተ ክርስትያን መቃብረ እግዚእ ቅዱስ ቦታ ተሓሲባ ብዙሓን ነጋድያን ክርስትያን ካብ ኩሉ አብኡ መጺኦም ይሳለሙን ይጽልዩን።

ሎሚ መስቀል ሓባራዊ ምልክት ክርስትናና እዩ። ሓደ ምልክት መስቀል ዝገብር እንተ ረኤና ምልክት ክርስትያን ምዃኑ ንርዳእ። ትርጉም መስቀል አብ ወንጌል ዮሓንስ ክገልጸልና እንከሎ ከምቲ ሙሴ አብ በረኻ ንተመን አብ ዕንጨይቲ ዝሰቐሎ ከምኡ ክርስቶስ አብ መስቀል ምስተ ሰቕለ ድሕነት ከም ዘምጽአልና ይገልጾ። ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ፍሊጲስዩስ አብ ዝጸሓፋ ዕሞቕ ምስጢር መስቀል ክገልጸልና እንከሎ ኢየሱስ ንርእሱ ከም ኢሚንቲ ገሩ ምእንታና አብ መስቀል ሞይቱ ይብለና። ኩሉ አብ ኢድ ሰማያዊ አብኡ ገሩ ምእንታና በጃ ኮይኑ። ስቅለት ኢየሱስ ምእንታና ገዛእ ርእሱ በጃ ሂቡ በዚ ምኽንያት ሰማያዊ አብኡ ካብ ሞት አተንሥኦ። በዚ ምኽንያት አብ ኩሉ ሕይወት ክርስትያን ምልክት መስቀል መግለጺ እምነት ኮይኑ ንረኽቦ።

ዕለታዊ መስቀልና ክንፀውር ድላይ ኢየሱስ እዩ፡

ነፍስወከፍና እንጾሮ መስቀል አሎና፥ ከም ክርስትያን መጠን ዘመልክዓልና መስቀልና እንተ ጾርና እምበር ብዘይ መስቀል ክንጉዓዝ መልክዕ የብልናን።
አብ ማቴ 1፡38-39 ከምዚ ይብለና “ እቲ መስቀሉ ፀሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ንአይ አይበቅዕን እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ዚረኽባ ኬጥፍአ እዩ፥ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍአ ኸአ ኪረኽባ እዩ” ይብል። እሞ ከመሎና መስቀልና ጸርናዶ ንጉዓዝ አሎና? ሕይወትና ክንርኢ ሎሚ እዋኑ እዩ። ነዕሎብጥ ከይንህሉ ሕይወትና ንርአ። ብርግጽ መስቀል ክትጸውር ቀሊል አይኮነን ግን ንመስቀል እንተ ዘይጾርና ክንዕወት ክንሕጎስ አብ ቁምነገር አብ መንግስተ ሰማይ ክንበጽሕ አይንኽእልን ኢና። ዕለት ዕለት መስቀለይ ክጸውር ሓግዘኒ ንበሎ።

ቅ. ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 1፡18 ብዛዕባ መስቀል ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፥ ንአና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ አምላኽ እዩ” ይብለና። አብዚ አተሓሳስባና ኩሉ ናትና ዘበለ ካብቲ ናይ አምላኽ ፍሉይ ከምዝኾነ ይገልጸልና። ብናይ ሰብ አተሓሳስባ ጥራሕ ተመሪሕና ንመገዲ አምላኽ ክንርድኦ ዘይክአል እዩ። አብ ዓሚቕ ርድኢት አምላኽን አብ ፍቕሩን ክንበጽሕ ድሩት ዓቕምናን አፍልጦናን ክነለሊ፥ አምላኽ ከም ዘድልየና ምርዳእ፥ እምነትና አብ ወዱ ኢየሱስ ከድኅነና ኢሉ ዝሰደዶን አብ መስቀል ኮይኑ ከድኅነና ዝልአኾ ምእማንን የድሊ።
ልዕሊ እዚ ነገራት ብአፍልጦን ብፍቕሪ አምላኽ ክንዓቢ ዝድለ እንተ ድአ ኮይኑ ሕይወትና ክንቅርብ ስድንድዋት ክንከውን፥ መንፈስ ቅዱስ አብ ዝመርሓና ብእምነት ክንከይድ ወላ እውን አንጻር መብዝሕትኦም ሰባት ካብ ዝርድእዎ እንተ ርሓቕና። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከአ ኢየሱስ ንርእሱ ከምኡ እዩ ዝነብር ነሩ፥ መገዲ መስቀል እናተጓዕዘ እዩ ዝኸይድ ነሩ፥ ከም ክርስትያን መጠን ክንጉዓዞ ዝግብአና መገዲ እዩ።
አብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፍሊጲስዩስ እንተ አንበብና እንርእዮ ሕይወት ኢየሱስ ብምልኡ መስቀል ዝመልኦ ከም ዝነበረ እዩ። እዚ ኹሉ ንሰመያዊ አብኡ ክእዘዝን ንአና ስለ ዘፍቀረን ምእንቲ ድኅነትና ኢሉ ብነጻ ንርእሱ ኢሚንት ክገብር መረጹ። ድኅርዚ ኢየሱስ አብ ኩሉ አገልግሎቱ ብምሉእ ትሕትናን ፍቕርን ንኻልኦት አገልጊሉ ነቲ ሰማያዊ አብኡ ዝልአኾ ተልእኮ ክሳብ ዝፍጽም ብኹሉ ተአዛዚ ኮይኑ። ግዚኡ ምስ በጽሐ ፍቕሪ አምላኽ ገሊጹልና፥ ብነጻ ንገዛእ ርእሱ አብ መስቀል ሰዊኡ፥ እዚ ኸአ ከድኅነና ኢሉን ሕድገት ኃጢአትና ክህበና ኢሉን ገበሮ። ድሕሪዚ ኢየሱስ ሰማያውን ዘለዓለማዊ ሕይወት መታን ክኸፍተልና ኢሉ ካብ ሞት ተንሢኡ ንሰማይ ዓሪጉ።
ንኹሉ ብሕጽር ዝበለ ክንገልጾ እንተ ኾና ኢየሱስ ንመገዲ መስቀል ዝመረጸ ከድሕነና ጥራሕ ኢሉ አይኮነን እንታይ ድአ መስቀል መገዲ ድኅነት ኮይኑ ብአኡ ከም ዝርኸብ ክገልጸልና ኢሉ እዩ። ንሕና ምእንቲ ሕይወት ክንረክብ ኢሉ ንሱ ከም ዝሞተ ንሕና እውን ቀጺልና ካብ ኃጢአት ክንመውት አሎና እዚ ኸአ አብ ዝተሓደሰ ሕይወትን አብ ምሉእ ሕይወት አብ ክርስቶስ መታን ክንበጽሕን እዩ። ሓዲስ ሕይወትና መጠን አብ አገልግሎትን ፍቕርን ናይ አምላኽን ብጾትናን ዝገበርና መጠኑ አብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ዕዉታት ክንከውን ኢና። እዚ ንምሉእ ሰላምን ፍቕርን ከም እነስተማቕር ንኹሉ ዘድልየና ጸጋ ከም እንረክብ ይገብረና። ሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስ ካልእ ዘቕርበልና አልኦ ንሱ ኸአ ብተስፋ ከምእንነብር ዋሕስ ሂቡ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምእንሳተፍ ይገብረና።

እዋናት መስቀል እምብአር ምሕረት ክነዘውትር ንዝጓነፈና ፈተና አብ ጽቡቕ ለዊጥና ክንክእል ከምኡ አብ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ እንኸፍሎ ዋጋ ከምዘሎ ፈሊጥና ስንድዋት ክንከውን ከምዘሎና የዘኻኽረና፥ ከይጸገመና ከይከበደና ጉዕዞ ሰማይ ክንሕዝ አይክአልን እዩ እሞ ኦ አምላኽ አብ ሕይወትና መስቀልና ጸርና ክንስዕበካ ሓግዘና ንበሎ።

ንኹልና ርሑስ መስቀል በሪቑ ሰላም ፍቕሪ ተአዊጁ እሱር ዝፍትሓሉ ጭኑቕ ዝርህወሉ ዝተወልደ ዝዓብየሉ ወላዲ ዝኸብረሉ ውሉድ ዝምረቐሉ ዘመን ይግበረልና።
ብሩኽ ብዓለ መስቀል ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.