2013-09-28 15:47:18

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


RealAudioMP3 ብምኽንያት ዓመት እምነት ናይ ሓዲሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ መንፈሳውን ሰብኣውን መደባት ብምቕጻል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ካብ ዕለት 25 መስከረም 2013 ዓ.ም. ዘበገሶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ትምህርተ ክርስቶስ ጽባሕ ዕለት 29 መስከረም 2013 ዓ.ም. ዝጠናቐቕ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ዕለት 27 መስከረም 2013 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ተረኺቦም ነዞም 1,600 ተግባእያን ተቐቢሎም መርሕ ስልጣናዊ ቃል ከምዝለገሱ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣንቶነላ ፓለርሞ ሓቢረን።
ናይ ሰሜን ኢጣሊያ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፒየራንጀሎ ሰኵዊሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ወንጌልን ቃል ኣምላኽ ዝዛረብ ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉ፣ ዝዛረብ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ደድሕሪኡ ንዝጐዪ ዝነበረ ኣኩብ ሕዝቢ የስተምህር ኔሩ። ስለዚህ ክርስቶስ ናይቲ ሕዝቢ ህሉው ኩነት ኣብ ግምት የእትው ብምንባሩ ኩሉ ጽን ቢሉ ብምግብራም ክሰምዖ ደሪኽዎ እዩ። መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝዛረብ ክኸውን ኣለዎ፣ ዝዛረቦ ቃል ድማ ቃል ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚ ንሳምራውያን፣ መጸብሓንን ኮታ ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቑን ገና ቃል ኣምላኽ ንዘይበጽሖም እውን ዝዛረብ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ፣ ብሓጺሩ ኢየሱስ ዘቕርብ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.