2013-09-28 15:56:05

ካብ ዓለም ኣጽዋር ኑክልየር ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ እዋን በጺሑ እዩ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕንጻ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ ኣጽዋር ኑክሊየር ኣማእኪሉ በዓበይ ሓላፍነት ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ጠቕላሊ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ሃዋሁ ብኣጽዋር ኑክሊየር ዝተሰነየ ውግእ ከይህሉን ከይረጋገጽን ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ምርጋፍን ምውጋድን ፈጺሙ እዚ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ ከይህሉ ምውሳን ዝብል ሸቶ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር እናሃለወካ ጸረ ውግእ ኣጽዋር ኑክሊየር ምዝራብ ዘይከኣል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ወናኒ ኴይንካን ነቲ ዘሎካ ኣብቲ ዘሎካ ናይ ኑክሊያር ኣጽዋር ተጣቢቕካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ምስፋሕ ኣስጋኢ እዩ ቢልካ ምዝራብን ብዛዕባ ምስፋሕ ኣጽዋር ኑክሊየር ምሽቓል ከመይ ጌርካ ይከኣል” ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብ ሓሙሽተ ነጥቢ ዝተኸፍለ መምርሒ ንምርጋፍ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር መደብ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝዝከሩ ብፁዕ ኣቡነ ማምበርቲ፦ “እቲ ውሳኔ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓቢይ ግምት ክወሃቦን ምሉእ ብምሉ ኣጻዋር ውግእ ኑክሊየር ዝውገደሉ ሰዓቱ በጺሑ እዩ፣ ከምዚ እንተዘይኮይኑ ሕድ ሕዳዊ ዕንወት ዝረጋገጸ እዩ ዝኸውን” ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
ብትኽክልን መስመሩ ብዝሓለዎ ስሩዕን ቅኑዕን ሜላን መደብን ወጢንካ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሙያተይናታትን ዓለም ካብ ኒክሊየር ኣጽዋር ናጻ ንኸውን ዝብል ሕጹጽ ውሳኔ ዓቢ ኣቃልቦ ዝህብሉ ሕጹጽ ሕቶ ኽከውን ከምዘለዎን፣ ናይ ኑክሊየር ውግእ ኣጽዋር ደረጃ ብደረጃ ጠሪሹ ክውገድ ዝብል ግብረኣዊ ናይ መቀራረቢ ከይዲ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ድሕሪ ዝሑል ውግእ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ምውናን ዝድርኽ ኩነት ኣሎ ዝብል ዝነበረ መሰረታዊ መምርሒ ኣብዚ እዋን’ዚ ትርጉም ዘይብሉ ዝተሰግረ ጉዳይ ከምዝኾነን ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ ዓለም ዝቃላሕ ግትኣት ናይ ኑክሊየር ውግእ ኣጽዋር በቲ ኣብ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ምሕርቲ ዝተራቐ ኣጽዋር ውግእ ትርጉም ዘይብሉ መደብን ድላይን ኮይን እዩ ዝተርፍ ዝብል ርጉጽ ኣመለኻኽታ ከምዘለዋ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ማምበቲ ኣስዒቦም እቲ ኣብ ዓለም ግትኣት ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ውግእ ዝብል ውሳኔ ዘነቓቕሓ ዘለዋ ሃገራት እተን ናይ ኑክሊየር ውግእ ኣጽዋር ወነንቲ እያተን ቢሎም ስለዚህ እተን ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ጽግዕተይና ሃገራት ካብዚ ዓይነት ጽግዕተይናነት ናብ ግትኣት ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ትግባረ ክሰጋገራ ኣለወን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ገታኢ ምህርቲ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ክትከውን ገዛእ ርእስኻ ካብ ወናንነት ናይ ኑክሊየር ውግእ ኣጽዋር ናጻ ምዃን የድሊ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ቅልውላው ኤኮኖምን ማሕብራውን ሰብኣውን ምስፋሕ ድኽነትን ሕማምን ሃብትን ዕቑር ሓይልን ኣብ ምህርቲ ዝተራቀ ናይ ውግኣ ኣጽዋርን ናይ ኑክሊየር ኣጽዋርን ክውዕል ምርኣይ ውድቀትን ድሕረት ሰብኣውነት እዩ ዘመልክት፣ ስለዚ እቲ ቅልውላው ንገዛእ ርእሱ ናይ ኑክሊያር ኣጽዋር ውግእን ዝተራቀ ኣጽዋር ውግእ ከይህሉ ዝድርኽ ሓደ ዓቢይ ምኽንያት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.