2013-09-26 16:03:45

ደንበ ኣሕዛብ


RealAudioMP3 ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ መጽናዕትን ፍልጠትን ዝቐርብን ዝወሃብን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን መልስታትን ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ዘተን ዘይምንጽጻግን እቲ ዘሎ ክውን መሠረታዊ ጥምረት ንምዝታይን ብምትንታንን ርግጸይናነቱ ንምምቅላሕ ዝኣመተ ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተንፍሶ ዝተነቓቕሔ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ዘበገሶ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣመርኵይዙ ድሕሪ ዘካይዶ ዓውደ መጽናዕትታት፣ ብምቕጻል ትማሊ ኣብ ሮማ ኣብ መቕደስ ኣድሪያኖ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ኣደባባይ ፒየትራ Il Cortile dei giornalisti- ናይ ጋዜጠይናታት ደንበ ኣሕዛብ” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ እምነትን ጋዜጠይናነትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍን ብሔራዊ ሓቆፍን ዕለታዊ ጋዜጣታት ዋና ኣሰናዳእቲ ዘሳተፈ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝኸፈቱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ረፑብሊካ እተሰመት ዕለታዊት ጋዜጣ መስራቲ ኤውጀኒዮ ስካልፋርን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ክኾኑ እንከለዉ፦ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምስታፍ ንኽንቕየር ዘይኮነስ እቲ ዘሎና ናይ ኣመለኻኽታን እማኔን ፍልልያት ነቲ ፍርያማ ክኸውን ሃረር ዝብል መሬት መባኹዕቲ ኽኾኖ መታን ኢዩ” ዝበሉ ስካልፋሪ ኣስዒቦም፦ “ኢኣማኒ እውን እንተኾንኩ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዘ” ይብሉ፦ “መንፈሳዊ ግዝኣትን ናይ ሓባር ግንዛቤ ክስምዓኒ ጀሚሩ እዩ” ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ታሪኽን ተክለ ሰብእነት ናይ ኢየሱስ ዝማርኾምን እውን ከምዝኾነ ገሊጾም ኢኣማኒነት መንእሰይ እንከለዉ ዝመረጽዎ መገድን ብፍላይ ስርዓት ፋሺስቲ ኣዊጅዎ ኣብ ዝነበረ ብሔራዊ ኣገልግሎት ንኸይሳተፉ ቢሎም እውን መንፈሳዊ ሱባኤ ምስ ዝገብሩ ዝነበሩ መንእሰያት ይሕወሱን ከምዝነበሩን ብፍላይ ድማ ካህናት ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ምርምርን ግንዛበን ስነ ሞጎትን ከማዕብሉ ከምዝመርሕዎም እውን ገሊጾም፣ ኢኣማኒ እውን እንተኾኑ ምስ ካቶሊካውያን ክዝትዩን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ትስብእት ዝገልጽ መልእኽቲ ክርስትና ዝማርኾም ከምዝኾነ እንክሕብሩ ብፁዕ ካርዲንል ራቫዚ እውን ብወገኖም ኢየሱስ “ኦ ጐይታ ስለምንታይ ሓደግካኒ” እንክብል ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ እንከሎ ዝጨረሖ ቃል “ናይ ክርስቶስ ኢኣማኒያውነት ምድሓን” ብዝብል ቲዮልጎያውን ፍልስፍናውን ሓሳብ መሰረት ገሊጾም፣ ቲዮሎጊያ ክርስቶስ ዋላ’ኳ እግዚኣብሔ ኣብ ዘይሰምዓሉ ስለምታይ ሓደግካኒ ክብል እንተተገደዶ ወትሩ ወልደ እግዚኣብሔር ኮይኑ እዩ ዝተርፍ ብምዃኑ ድማ ኣብ ሞት ዘርኢ ኢትኣላውነት ዘተኣታተውሉ ኣግባብ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰውራ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መረኸቢ ብዙሓን ዘመን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዘመሓላለፉ መልእኽቲ መሰረት መራኸቢ ብዙሓን ምዃኑ ዘመልክት ከምዝኾነን ዝተጠቀመሉ ምስልታትን ሕጽር ብዝበለ መልዕ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ነቶም ኣብሰርቲ ቃል ወንጌል መምርሒ እዩ፣ ስለዚህ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን መርበብ ሓበሬታ ኣጠቓቕማኡ ምፍላጥ እዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም፣ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ተጠቃሚት መራኸቢ ብዙሃን እያ። እዚ ድማ ካብ መስራቲኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበለቶ ሜላ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ኣስዒቦም፣ ናይታ ኮሬረ ደላ ሰራ እተሰምየት ዕለታዊት ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳሪ ዓለማዊ ደ በርቶሊን ከምኡ እውን ናይታ ላ ስታምፓ እተሰምየት ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳሪ ካላብረሲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቨኒረ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣመሓዳሪ ታርኵይኖን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳሪ ቪያን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ስነ ምግባር ሓቅነት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣመርኵይዞን ነናቶም ሓሳብ ኣቕሪቦምን በዚ ርእሰ ጉዳይ ድማ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝዘተየ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ ናይታ ላ ረፑብሊካ እተሰምየት ዕለታዊት ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳሪ ማውሮ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ናይ ጋዜጠይና ተልእኾ ሓቂ ምንዳይ ምዃኑ እንከመልክቱ ናይ ዕለታዊት ጋዜጣ ሶለ 24ኦረ ዋና ኣመሓዳሪ ናፖሊታኖ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ቅድስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “እምነት ኣድማስ ወይ ድማ ደረት ርትዓዊ ስነ መጐትን ስነ ምርምርን የስፍሕ” ዝበልዎ ሓሳብ ከምዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላግራንደ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.