Home Archivio
2013-09-26 16:07:57
ብፁዕ ካርዲናል ንየ፦ ሕይወት ዝተባርከን ህያብን ፍቓድን እግዚኣብሔር እዩ
ናይ ከንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጅሆን ንየ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት በቶን ሶማላውያን ኣል ሽባብ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሽበራ መጥቓዕትን ጭውያን ተፈጺምሉ ናብ ዝነበረ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ማእከል ንግድ ዌስትገት ዕለት 25 መስከረም 2013 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ክምልከት እንከሎ ከምኡ እውን ናይ ኬንያ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣብ ወስትገት ምብጻሕ ከምዘከደ ቺሳ ኣተሰምየ ናይ ከንያ ናይ ዜና ኣገልግልት ካብ ዝሃቦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ንየ ሕይወት ዝተባርከን ህያብን ፍቓድን እግዚኣብሔር እዩ፣ ስለዚህ ካብ ዝኾነ ይዅን ሓደጋን መጥቓዕትን ክዕቀብ እንክብሉ ናይ ኬንያ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ላዕለዋይ ቤት ክኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣዳን ዋቹ ብወገኖም ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ኮኒኖም እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ጸረ ናይ ሃይማኖት መስልምን መምርሕን ስርዓት እዩ ከምዝበሉ ቺሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
All the contents on this site are copyrighted ©.