2013-09-26 15:57:07

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሶሪያ ብዘይ ምቁራጽ ከይተሓለልና ንጸልይ


RealAudioMP3 ዕለት 25 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብናይ ምስራቅ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪን ብናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጽዮኪያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራዪን ብሓባር ምስኦም ካብ ሊባኖስን ሶሪያን ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤት ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ተሰንዮም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ መጽሓፍ እዝራ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 9ን ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ሉቃ. ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 6 ምስ ተነበ፣ ምንባብ መጽሓፈ እዝራ ነቶም ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክሓስቡ ከምዝደረኾምን ብፍላይ ድማ እዝራ ክሳብ ገጹ ናብ እግዚኣብሔር ከየልዕል ዘገደዶ ሕፍረትን ፍርሓትን ከምእተሰምዖን፣ ሕፍረትን ድንግርግርን ፍርሓት ብምኽንያት በቲ እንፍጽሞ ሓጢኣት ዝተኣታተወና ጠባይ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ኣክንዲ ንጐይታ ምግልጋል ነቲ ናብ ባርነት ዘውድቐ ጣዖት ካብ ምምላኽ ዝመጽእ እዩ ቢሎም፣ ቀጺሎም ናይ እዝራ ኣብነት ብምስዓብ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሔር ኣልዒሉ ምሕረቱ ምልማን የድሊ፣ ምእንቲ ክጽብጸብ ዘይከኣል እልፊ ሓጢኣትና ከም እዝራ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ከነዕርግ ይግብኣና፣ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሶሪያ፣ ምእንቲ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሔር ኣልዒልማ ብዘይ ምቁራጽ ክንጽልይ ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገምን መከራን ብጸሎት ክንገጥሞን ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ መፍትሒ ዘይረክብ ዝመስል ጸገም ንምልቓቕን መፍትሒ ክረክብን ብዘይ ምቍራጽ ምጽላይ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈጺሙ ዘይሓደገና እግዚኣብሔር እምነትና ነንብር ቢሎም ብርግጽ ባዕሉ ጐይታ ክሳብ ፍጻሜ ምሳና ከምዝኾነ ከምዘረጋገጸልናን፣ እዚ ቃል ጐይታ ኣብ ተስፋ ጸኒዕና ክንነብር ዘብቅዓና ሓይሊ እዩ፣ ኵሎም ጓሶት ነፍሳት ነዚ ፈጺሙ ንበይንና ዘይሓድገና ጐይታ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ምርግጋጽ እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ማዕድ ቅዱስ ቁርባን ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ራዪ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስጋና ቃልን ብስም እቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ምስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉ ብፁዓና ካርዲናላትን ጳጳሳትን ብስም መላእ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መላእ ሊባኖስን ሰላምታ ኣቕሪቦም ነቲ ኣብ ኣብ እምነት ዘጽንዓና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘንብርዎ እማኔ ኣረጋግጺኦም፣ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሶሪያን ብጠቕላላ ማእከላይ ምብራቕ ክጽለይ ከይተሓለሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት ተስፋን ምጽንናዕን ይጽግው ኣሎ ቢሎም ምስጋና ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.