2013-09-24 16:26:58

ብዛዕባ ስራሕ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ቃል ንሕዳሴ ናይ ስራሕን ሰራሕተይናን ጉዳይ መሠረት እዩ


RealAudioMP3 “ብዘይ ስራሕ ክብሪ የሎን” ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሳርደይና ኣብ ቅድሚ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩን በቲ ዘሎ እዋናዊ ቅልውላው ኤክኖምን ቁጠባን ካብ ስራሕ ዝተሰጉ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ዘረባ ዝበልዎ ቃል ናይ ኢጣሊያ ቺስል እተሰምየ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ሰራሕተይናታት ሓደ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ራፋኤለ ቦናኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ብሓቂ ቃል ቅዱስ ኣቦና ንናይ ስራሕን ሳራሕተይናን መዋቕር ሕዳሴን ብዛዕባ ስራሕ ዘሎ ርድኢት ዝሕድስን ዓሚይቕ ትርጉም ስራሕ ዝገልጽን እዩ ኢሎም፣ እቶም ኣመሓደርትን ዓበይቲ ስራሕ ኣካየድትን ናይ ስራሕተይናታት ጸገም ከምዘይምልከቶም ኰይኖም ከም ጲላጦስ ኢዶም ካብ ምሕጻብ ክቝጠቡ ሓደራ ዝበልዎ ቃል ከም ጲላጦስ እቲ ሽግር ጥራሕ ኣለሊኻ ምቕራብ እምበር ናይቲ ሽግር ተኻፈልቲ ኮይኖም ሓቀይናን መሰረታዊ መፍትሒኡ ንምንዳይ ዘይዕጠቑ ከይኮኑ ዝተሓሳስብ እዩ። ስለዚህ እቲ ህልዉ ኩነታ ከይዲ ኤኮኖምን ብዛዕባ ስራሕን ጉዳይ ሰራሕተይናን ዘሎ መዋቕር ከመይን ካበይን ጀሚሩ ክሕደስ ከምዘለዎ ዘነጽር ሓሳብ ኢዮም ከምዝበልዎ ድማ ካብ መስረቱ መፍትሒ ዘይተረኸበሉ ሽግር ደድሕሬኻ የሰንየካ ዝብለዎ እዩ።
ኩሎም ሰራሕተይናታትን ኣካየድቲ ስራሕን ኮታ እቶም ኣብ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን መዳይ ዝዋስኡ ካቶሊክ ምእመናን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስራሕ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒሎም ብሓቂ እቲ ተፈጥሪ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ማሕበራዊ ፖለቲካዊን ቅልውላው ይቕረብ ይርሓቕ ካብ ሱሩ መፍትሒ ከምዝረክብ ርግጸይና እየ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.