2013-09-21 16:22:34

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣይፋል ኣምልኾ ሃብቲ ገንዘብ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዕለት 20 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መንጎ “መገዲ ኢየሱስን ሃብቲ ገንዘብን” ዘሎ ርክብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ካልኣይ ምንባብ ኣብ ዘነጽሮ ሃሳብ ኣማእኪሎም፣ ጎይታን ገንዘብን ምግልጋል ዘይከኣል ምዃኑን፣ ፍቕሪ ሃብቲ ገንዘብ ካብ እግዚአብሔር ከምዘረሕቐናን፣ እዚ ድማ ፍቕሪ ሃብቲ ገንዘብ ሱር ኩሊ ሓጢኣት ምዃኑ ዘመልክት ከምዝኾነን እቲ ንእግዚአብሔር ክህልወና ዝግባእ ፍቕሪ ብሃብቲ ገንዘብ ምትካእ እዩ ዝኸውን፦ “ሃብቲ ገንዘብ ኣመለኻኽታኻን ኣተሓሳባኻን እምነትካን ይብክል እሞ ካብ ሓቀይና መገዲ ወጻኢ ክትጓዓዝ ይድርኸካ። እዚ ድማ ምውድኽዳኽን ምብኻንን ዘየድሊ ዘረባን ክትዕን…ምቀይናነት ተጻባእነትን ተራግሞን ሕሱም እከይ ጥርጠራን ኣብ መንጎ እቶም ናይ ኣእምሮኣዊ ምግባረ ብልሽውናን ሃይማኖት ከም ምንጪ ሃብቲ ገንዘብ ዝጥቀሙ ኣልቦ ሓቅነት ዝተምልኡ ሰባት ግጭት የተኣታትው። እወ ኣነ ካቶሊክ እየ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ሓደ ዓይነት ዕዙዝ ሕጋዊ ቦታ ስለ ዘውህበኒ በዚ ምኽንያት ቅዳሴ ብዘይ ምቁራጽ ይሳተፍ፣ ብሕቡእን ብተኸውሎን ግን ዕማመይ እየ ዘሳልጥ፣ ኩሉ ሃይማኖት ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓ፣… ሃብቲ ገንዘብን ንምግባረ ብልሽውና ይድርኽ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
“እግዚኣብሔርን ገንዘብን ምግልጋል ብጥራሽ ዘይከኣል እዩ፣ ሓዲኡ ምምራጽ ናይ ግድን። እዚ ማለት ድማ ስርዓት ዴስነት ማለት ኣይኮነን፣ ወንጌል እዩ፣ ቃል ኢየሱስ እዩ፣ ብርግጽ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ፈለማ ዝተደላደለ መነባብሮ ክትነብር የብቅዓካ…ህርፋን እናኣታተወ ድማ ኣድላይ እየ ናብ ዝብል ልዑል ኣነነት መንፈስ ይንውንወካ ስዒቡ ድማ ትምክሕትን ትዕቢትን ከንቱነትን የስዕበልካ፣ ናይ ዕለቱ ምንባብ መዝሙር ዳዊት ከንቱነትን ትምክሕትን ካበይ ከምዝበቁል እንክሕበር፣ ኣቲ ኣልቦ ረብሓ ትምክሕቲ ካብቲ ተደላይነት ዘሎኒ ሰብ እየ ካብ ዝብል ልዕልና ኣነነት ዝምንጭ ምዃኑ ይሕብረና፣ ካብ ከንቱነት ናብ ትዕቢትን ትምክሕትን ስለዚህ ሃብቲ ገንዘብ ከንቱነትን ትዕቢትን ትምክሕትን ሰለስተ መሳልል ሓጢኣት እያቶም” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፦ “ኣነ እጽልን ዓስርተ ትእዛዛት እፍጽምን እየ ክንብል ንኽእል፣ ብዛዕባ ገንዘብ ሕማቕ ዝዛረብ የለን፣ ኮይኑ ግን ምእንቲ ገንዘብ ቢልካ ስጉምቲ ምውሳድ ዓሰርተው ትእዛዛት ዘይምኽባርን ኣምልኾ ጣዖት የተኣታትውን እዚ ማለት ድማ ገንዘብ ጣዖት ይኸውን እሞ ንኣኡ ስግደትን ኣምልኾን ትነብር፣ ኢየሱስ ከምዝብሎ ጣዖት ገንዘብን ኣምልኾ ሕያው እግዚኣብሔር ምግልጋል ኣይከኣልን እዩ ስለዚህ ሓዲኡ ምረጽ ይብል፣ ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን፣ ኣብ 200 ን 300 ዓመተ ምሕረት ገንዘብ መንፈስ ክፍኣት ወይ ድማ ሳጥናኤል ዘቕርቦ መራስሒ ስፍራ እዩ፣ ስለምንታይ ኣእምሮና ይብክል ኣምለኽቲ ጣዖት ስለ ዝገብረናን ምኩሓት ጽሉል ትዕቢት ክህልወና እናገበረ ኣብ ምግብረ ብልሽውና እናእተወ ካብ እምነት ክንርሕቕ ስለ ዝገብረና እዩ። ሳጥናኤል መንፈስ ክፍኣት ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቕ እዩ” ቢሎም ጐይታ ኣብ ፈተና ኣምልኾ ገንዘብን ሃብቲ ገንዘብን ከይንወድቕ ይሓልወና እንክብሉ ጸልዮም ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.