2013-09-19 18:51:16

ቤተ ክርስትያን መዓጹአ ዘይትዓጹ ርኅርኅቲ አደ እያ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣
ከምቲ አብ ዝሓለፈ ሶሙን ዘስተምሃርዎ ቤተ ክርስትያን አደ ምዃና ዝገልጽ ሰፊሕ ትምህርቲ እንከቅርቡ ቤተ ሕያወይቲ አደ ኮይና ንደቃ ቅኑ ዕ መንገዲ ንክኽተሉ ትምህሮም ወላ እንተተጋገዩ እውን አይትሓድጎምን ክት እርሞም አብ ጕዕዞኦም ተሰንዮም ብጸሎታ ከአ ንኩሎም አብ ኢድ አምላኽ ተንብሮም፣ እዚ ኩሉ ናይ አደ ጥበብን ለውሃትን ኃልዮትን ከአ ካብ ልባ ስለዝፍልፍል ምንም ትምህርቲ አየድልያን፣
“ቤተ ክርስትያን ከአ ከማኡ ኢያ፣ ርኅርኅቲ አደ ኢያ፣ ወትሩ ንውሉዳ ትርዳእን ክትሕግዞ ትደልን፣ ነቶም ዝተጋገዩን ገና እውን ዝጋገዩ ዘለው ደቃ ከይተረፈ ማዕጾአ አይተዓጽወሎምን አይትፈርዶምን እኳ ደአ ትሕግዞም ምሕረት እግዚአብሔር ት ዕድሎም ፍቅራ ብምልጋስ ከአ እንደገና ቅኑዕ ጕዕዞ ሕይወት ክጅምሩ ዕድል ትህቦም፣ ሽሕ ጊዜ ይጋገዩ አብ ደልሃመት ይውደቁ ብዘየገድስ አደ አብቲ ድቅድቅ ጸልማት ናይ ደቃ አቲያ ክትረድ ኦም ተስፋ ክትህቦም አይትፈርህን፣ ቤተ ክርስትያን አደና ከአ ኅልናና ዓሪቡና ኩሉ ጸልሚቱና እንከሎ ክተብረሃልና ከተተንስ አና ተስፋ ክትህበና ድሕር አይትብልን፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን አደና ስለዝኾነት እንክብሉ፣ አደ አፍቃሪት ኃላዪት ሰታሪት ወትሩ ድኅነት ደቃ እትደሊ ርኅርኅቲ ስለዝኾነት ቤተ ክርስትያን ከአ ከም ኡ ስለደቃ ትጽሊ ንኩሉ ከአ ንጐይታ ተወፊ ጐይታ ከአ ቤተ ክርስትያኑ ንዝልመነቶ ከምዝገብረላን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ከምዘሰንያን ቃል ስለዝአተወላ ተዓዋቲት ምዃና ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.