2013-09-17 15:39:05

ኩባ፦ ዴሞክራሲያዊ ሕዳሴ


RealAudioMP3 ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ኣብ 43 ነጥቢ ዝተነጽረ ኣብ ኩባ ሕዳሴ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክተኣታተው ዝሓትት ናይ ጻውዒት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ብፁዓን ጳጳሳት ኩባ እቲ ኣብ ሃገሮም መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ሕዳሴ መስርሕ ኤኮኖምን ቁጠባን ብፍላይ እቲ ናይ መንግስቲ ዝተፈላለያ ብሔራው ናይ ኤኮኖሚ ትካላት ናብ ውልቃዊ ሰብ ትካላት ናብ ምስግጋር ዝኽተሎ ዘሎ ኤኮኖሚያዊ ከይዲ ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን መዳይ ሕዳሴ ዝጠቓለል ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ተስፋ ኣየደናግርን እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ብፁዓን ጳጳሳት ኵባ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ኩባ ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመሓላለፈ ካልኣይ ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅዋም ሕዳሴ ጥራሕ ዘይኮነ መንግስቲ ናይ ሕግን ፍትሕን ጉዳይን ስርዓት ፖለቲካን ብዙኅነት ኣተሓሳስባን ርእይቶን ምሕዞ ሓድስነትን ድልያ ሓቅን ብዝምልክት ሕዳሴ ቅዋም እውን ክምራሕ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዝተኣወጀ ናይ ነዊሕ 50 ዓመታት ናይ ኤኮኖሚያዊ ማዕቅብ መታን ክእለይ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓድሽ ክሌኣዊ ርክብ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም ናይ ሕዝቢ ተስፋ ኣተባቢዖምን እቲ ናብ ብሔራዊ ዕርቂ ዝመርሕ ጎዳና ሕዝባዊ ተስፋ ከምዝተባብዑ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.