2013-09-12 15:55:37

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ሓደ ማሕበርሰብ ክንከውን ብቓልን ተግባርን መምህር


RealAudioMP3 ናይ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ማእከል ኣስታሊ ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጆቫኒ ላ ማና ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ድሕሪ ኣብቲ ማእከል ዝተፈጸመ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጋዜጠይናታታ ኣብ ዝሃብው ጋዜጣዊ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ሓደ ማሕበርሰብ ክንከውን ብቓልን ተግባርን መምህር እዮም ብዝብል ቃል ከምዝገለጽዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ገሊጸን።
ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጭቡጥ ሕውነታዊ ዝቖመ ርክባት ዝተፈላለዩ ገጻትን ታሪኻትን ልብታትን እዩ ኔሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኩሎም ንኽምስሑ ተራኦም ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣብ መስርዕ ዝነበሩ ስደተይናታት ብዘይ ሓላውን ዓጃብን ባዕሎም ከይዶም ሓደ ብሓደ ሰላም ኢሎምን ቀጺሎም ናብቲ ማእድ ቤት ኣትዮም ነቶም ዝምገቡ ዝነበሩ ስደተይናታት እውን ሓደ ብሓደ ሰላም ኢሎም ነቲ ማእከል ኣስታሊ ክፍልታቱን ቤት ምሕደራኡን ሕክምና ዝወሃበሉ ክፍልን ኣብኡ ዝርከብ ቤተ ጸሎትን እናተዘዋወሩ በጺሖም ነቶም ካብ ሃገራት እስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተሰዱ ስደተይናታትን ተመዛበልንት ኣደታትን ሰላም ከምዝበሉን እቶም ስደተይናታ ብዙሕ ጊዜ ከምዝሕሰቡን ዝግመቱን ዘይኮነስ ብዙሓት ዝተመሃሩን ብዝተፈላለየ ሙያ ዝሰልጠኑን ሰብ ሙያን ብስነ መጽናዕቲ ዝተመረቑን እውን ዝርከብዎም ከምዝኾኑ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም ቅዱስ ኣቦና ሓደ ብሓደ ነቶም ስደተይናታት ጽን ቢሎም ብግዳሴ ክሰምዕዎም ምርኣይ ብሓቂ ዓቢ ኣብነት እዩ ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ማእከል ኣስታሊ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ ብሓንቲ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመን ስደተይና ስድራ ቤት ተሰንዮም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝርከብ ኣብ መቓብር ኣባ ኣሩፐ ዕንባባ ኣንቢሮም ጸሎት ከምዘዕረጉን እቶም ስደተይናታት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ኩነት ጭቡጥ መሰኻኽር ግህሶ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን እያቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ሕሱም ድኽነትን መከራን ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ክወሃቦም ከምዝግባእ ናይቲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ኢየሱስ ምስክር እያቶም እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ኣባ ላ ማና ብወገኖም እስዒቦም ሓዋርያዊ ብምጻሕ ቅዱስ ኣቦና እቲ ዓውሎማውነት ዘይግዳሴ ዝቃወም ዓውሎማዊ ምትሕብባር ዘረጋግጽ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.