2013-09-12 15:50:56

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያናዊ ተስፋ ትስፍውነት ዘይኮነስ ኣዚዩ ዝለዓለ ኢየሱስ ማለት እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 09 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጎሆ ሰዓት ሸውዓተ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “እምነት ተስፋ ፍቕሪ ተተሓሒዞም ዝኸዱ ቲዮሎጋውያን ክብርታት ክነሶም ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ እምነትን ፍቕርን እንተዘይኮነ ተስፋ ብዙሕ ዝዝንጋዕን ብዙሕ ዘይፍፈለጥን ቲዮሎጊያዊ ክብሪ ኮይኑ ክተርፍ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ተስፋ ክበሃል እንከሎ እቲ ካብ ተዋዛይነትን እወታውነት ኣመለኻኽታ ዝምንጭ ትስፍውነት ማለት ዘይኮነስ እንታይደኣ ኣዚዩ ዝለዓለ ክኸውን እንከሎ፣ ንሓደ ክርስቲያን እቲ ተስፋ ኣካል ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ማለት እዩ። ናጻ ዘውጽእን ንኹሉ ሕይወት ሓድሽ ዝገብር ሓይሊ ኢየሱስ እዩ። ተስፋ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ብምዃኑ ድማ ዘየደናግር እዩ፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ኣነ ኣብ ሕይወት ተስፋ ኣሎኒ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ ኣሎኒ’ ነቲ ብቕዱስ ቁርባንን ብቓሉን ኣቢሉ ናባና ኣብ ዝመጽእ ኢየሱስ ተስፋ ኣሎኒ፣ ተስፋይ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ኣብቲ ህያው ኣካል እዩ፣ ከምዚ እንተዘይበልናን ነዚ እንድኣ ዘይኣመናን ኣነ ሕይወት ተስፋ ኣሎኒ ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ ኣሎኒ ክንብል ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ” ከምዝበሉ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“ኢየሱስ ተስፋ እዩ። ኩሉ ዳግማይ ዝሕድስን ኩሉ ሓድሽ ዝገብርን እዩ። ቀጻሊ ተኣምር እዩ፣ ፈውሲ ዝዓደለን ብዙሕ ናይ ፈውሲ ተኣምራት ዝገበረን ጥራሕ ኣይኮነን፣ ተኣምራቱ ምልክት እዩ ኔሩ። ምልክት ዘብሎ ድማ ናይቲ ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ዝፍጽሞ ዘሎ ቀጻልነት ተኣምራቱ እዩ፣ እቲ ተኣምራቱ ኣብ ሕይወትናን ሕይወትካን ሕይወትክን በቢ ዕለቱ ዝፍጸም እዩ። ንሱ ናይ ተስፋና ምኽንያት እዩ፣ እቲ ተፈጥሮ ዝሕድስን ሓድሽ ዝገብርን ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋናን ምኽንያት ተስፋናን እዩ፣ እዚ እቲ ዘየደናግርን እሙንን ተስፋ እዩ፣ እቲ ተስፋ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ክኽሕድ ዘይከኣል እዩ፣ ስለዚ እሙንን ዘየደናግርን ተስፋ ንሱ እዩ” ምስ በሉ ቀጺሎም፦ ጎይታ ናይ ምስጋናን ስብሓትን ተስፋ እዩ፣ እዚ ማእከልን ምሉእነትን ዝኾነ ኣብ ጉዕዞና የሰንየናን ተስፋ ይዓድለናን፣ ውዕዉዕ ተስፋ ክህልወና ድማ ይደግፈና፣ ከምቲ ማርያም ኣብ ጽንኩር ሕይወታ ማለት ክሳብ ወጋሕታ ሰንበት ካብ ዓርቢ ስቕለት ጀሚሩ ዘጋነፋ ዓቢይ ጸልማት ናይቲ ናይ ሰንበት ተስፋ ፈጺማ ክተቖርጽ ኣየሰናኸላን፣ እዚ ተስፋ’ዚ እዩ እቲ ኩሉ ዝሕድስ እሞ ጎይታ ተስፋ ይዓድለና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.