2013-09-12 15:53:30

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣልቦ ገዳማውያን ዝተርፉ ገዳማት ንኣካል ክርስቶስ ማለት ን መንበሪ ተመዛበልቲ እምበር ናብ መዕረፊ ኣጋይሽ ዘይምልዋጥ


RealAudioMP3 ዕለት 10 መስከረም 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ከባቢ ኣደባባይ ቨነዚያ ዝርከብ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ መግብን ሕክምናን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፍ ዝረኽብሉን ብዛዕባ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብጠቕላላ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ፍድቓድን ግቡእን ትኽክለይናን ሓበሬታ ዝረኽቡሉን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝቖመን ዝመሓደርን ተቛም ኣስታሊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ እንክምልከት፣ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘካይድዎ ምብጻሕ ነቲ ናይዚ መእንገዲ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዓቢይ ምልክት ዝኾነ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝምራሕ ናይቲ መእንገዲ ስደተይናታትን ተመዛበልቲ ማእከል መሥራትን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ነበር ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ መቓብር ዝተነብሮ ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ ብምኻድ ጸሎት ከምዘዕረጉ ነቲ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተገዲዶም ተነጺሎም ኣብ ሕሱም ድኽነትን ከምኡ እውን ቤት ማእሰርትን ዝርከቡ ዜጋታት ንምጽንናዕን ንምትብባዕን ሓልዮት ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ንምርግጋጽ መሪሕ ስልጣናዊ ቃል ንምልጋስ ኣብ ላምፐዱዛን ካልኦት ከባቢታትን ድሕሪ ዝፈጸመዎ ጽዑቕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቀጺሎም ሕጂ እውን ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ሕሱም መሪር ድኽነትን ንዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ልቢ ኢየሱስን ቤተ ክርስቲያንን ዘለዎም ብሉጽ ስፍራን ከምኡ እውን ሕሊና መንግሥታትን ሃገራትን ዜጋታትን ንዝተናዕቁን ንድኻታትን ንስደተይናትትን ንተመዛበልትን ፍሉዩ ቆላሕታ መታን ክገብሩ ንምንቕቓሕ ኣብ ተቛም ኣስታሊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ብዙሓት ኣደታት ናይ ደቃተን መጻኢ ሕይወት ውሑስ ክኸውን ካብቲ ዝርከብሉ መከራን ሕሰምን ፍልይ ዝበለ ካልእ ብሉጽ ተስፋ ሕይወት መታን ክረኽቡ ዓደንን ሓገረንን ንብረተንን ዛሕዚሐን ንዝተፈላለየ ጸገማት ገዛእ ርእሰን ኣቃሊዔን ዝስደዳ ብፍላይ ዘኪሮምን ብዙኅነት ከፍርሓና ከምዘይብሉን ኣተሓሳሲቦም ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተገዲዶም ዝስደዱ ዜጋታት ብእንገዳን ሕውነትን ናይ መጻኢ መሳኹት ምኽፋትን ቀቢጸ ተስፋ መታን ከወግዱ እማኔ ዳግም ክህልዎም ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ፣ መሳኹት ምኽፋት ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ብሉጽ መጻኢ መታን ከብሉ ኣብ ምድጋፎም ምትጋህ የድሊ፣ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ መዳይ ምግልጋል ክንደይ ደስ የብል፣ ምስ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ተዋፊሮም ዘገልግሉ ክርስትያን ምእመናንን ሰዓብቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ሰናይ ክብሪ ውሂዶም ክዓዩ ምርኣይ ክንደይ ደስ የብል ንክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ምግልጋል ብፍላይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ክርስቶስ ምንባር ማለት ምኻኑ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ማእከል ኣስታሊ ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘ ሎዮላ ዘኪሮም፣ ኣብቲ ንሱ ሓደ ክፋል ምድራዊ ሕይወቱ ኣብ ዘሕለፈሉ ከባቢ መዕቆቢ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክህሉ ኣሚቶም ኣብ 1981 ዓ.ም. ነፍሰ ኄር ኣባ ኣሩፐ ነበር ጠቕላሊ ሓለቃ ማሕበር ኢየሱሳውን መስሪቶምን ሎሚ እዚ ብኣኦም ዝቖመ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዝምራሕ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ምግልጋል ማለት፦ “ኣብ ቅድሚ እቲ ደገፍ ዘድልዮ ሰብ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ኢድካ ምሃብን ከምቲ ኢየሱስ ተንበርኪኹ እግሪ ደቀ መዛሙርቲ ዝሓጸበ ነዚ ኩነት ምሉእ ፍቕሪ ምንባር ማለት እዩ። እዚ ድማ ስብኣውን ናይ ምትሕብባርን ርክብ ምጽናዕ ማለት እዩ” ከምዝበሉ ደቦራ ጠቒሰን ኣስዒበን፦ “ምትሕብባር ዝብል ቃል ነዚ ምዕቡል ዓለም ኣዚዩ እዩ ዘፍርሖ፣ ይትረፍ ምትሕብባር ንምንባር ምትሕብባር ዝብል ቃል እውን ዘይምድማጹ እዩ ዝመርጽ፣ ምትሕብባር ዝብል ቃል ከም ሓደ ጸያፍ ቃል እዩ ዝሓሰቦ፣ ኮይኑ ግን ምትሕባር ዝብል ቃል ቃልናን ተግባርናን ክኸውን ኣለዎ፣ ምግልጋል ማለት ቃል ፍትሕን ተስፋን ምፍላጥን ምእንጋድን ብሓባር ኰይንካ ጭቡጥ ዝኾነ መገዲ ነጻነት ምልላይን ኣብ መገዲ ነጻነት ምምራሕ ማለት ኢዩ” ከምዝበሉ ኣመልኪተን።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም መዕቆቢ ስደተይናታት ኣስታሊ ኣብ ማእከል ሮማን ሰበኻ ሮማን ዝርከብ ከምዝኾነን ሰበኻ ሮማ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍ ከይከውንን ከምቲ ከገልግልን ሕይወቱ ክሳብ ኣሕሊፉ ንምሃብ ዝመጸ ክርስቶስ ምግልጋልን ምእንቲ ካልኦት ዝንበረሉ ክኸውን ከምዝግባእ ኣነጺሮም፣ ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ሕሱን ድኽነትን መከራን ዝርከቡ ምክልኻልን ምእንታኦም ምጥባቕን ናይ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ባህሊ ምንቕቓሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን፣ ብዙሕ እዋን ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም መሰሎምን ክብሮም ተነፊግዎም ናይ ዝሳቐዩ ዜጋታት ድምጺ ንምዃን ዘይንደሊ ኮይንና ንርከብ፣ መላእ ቤተ ክርስቲያን ድኻ ምእንጋድን ምንቕቓሕ ፍትሕን ንኽልኦት ሰብ ክኢላታት ሂብካ ምንባር ዘይኮነስ ገዛ ርእሳ እትፍጽሞን እትነብሮም እተነቓቕሖን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝጠቓለል ናይ መጻኢ ካህናትን ገዳማውያንን ኣብዚ መዳይ ክህነጽሉ ከምዝግባእን ናይ መላእ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ዕለታዊ ኣገልግሎት ክኸውን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተሓባብርን ዘተሓቛቑፍን ክኸውን ከምዝግባእን ጐይታ ምእንጋድ ኣብ ሕብረተሰብ ብትብዓት ክንነብር ይጽውዓና ኣሎ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ገሊጸን፦ “ዝተፈተኹም ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ብዋሕዲ ጸዋዕታ ባዶ ዝተረፉ ገዳማትን ሕንጻታት ማሕበራትን ገንዘብ ንምኽሳብ ናብ መዕረፊ ኣጋይሽ ዝልወጡ ንቤተ ክርስቲያን ኣየድልይዋን ኢያቶም፣ ብርግጽ ቀሊል ኣይኮነን መምዘንን ሓላፍነትን ዘድልዮ ጉዳይ እዩ፣ ኰይኑ ግን ትብዓት ዝሓትት እውን እዩ፣ ስለዚህ ናብ መእከቢ ሃብቲ ገዘብ ከይልወጡ ምጥንቓቕ የድሊ” ከምዝበሉ ኣመልኪተን።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፦ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሓት መዕቆቢ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ኣስታሊ ብዙሓት ብፍላይ ድማ መንእሰይ ስደተይና ምዉቕ ዕለታዊ መግቢ ክረክብ ተሰሪዑ ክጽበ ይርኣይ፣ እዞም ስደተይናታት ስቓይን መከራን ሰብኣውነት እዮም ዘዘኻኽሩና፣ ነቲ ዕለታዊ ምዉቕ እንጌራ ክረክብ ተሰሪዑ እንርእዮ ስደተይና ማዕጾ ክኩሕኩሕ ትም ኢልካ ምርኣይ ዘይኮነስ ኣጆኻ ኣነ ኣለዅልካ ዝብል ኢድ ምውፋይ የድሊ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶቦራ ዶኒኒ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.