2013-09-12 16:38:27

ሮብዓዊ ተምህርተ ክርስቶስ ር ሊ ጳ ፍራንቸስኮ ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሰማንያ ሺሕ ምእመናትን ምእመናንን አብ ዝተረኽብሉ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ንምእመናን አብ ዘስምዕዎ ስብከት ሐደ ክርስትያን ወላኳ ግድለት እንተለዋ ወዲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ክርዳእ አለዎ ኢሎም። ስለ”ዚ ኩልማ ደቂ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እና ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ንዓይ ምስሊ ቤተ ክርስትያን ምስሊ ወላዲት ኢያ አሎም አተሐሒዞም ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላኽን ክልትኤን ጥዑማት አደታት ኢየን ኢሎም።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓተ ቅዱስ ጰጥሮስ ሰማንያ ሺሕ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ ግዜ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘምለክትዎ ፡ሐደ ክርስትያን ሐደ ደሴት አይኮነን ፡ ንሕና ክርስትያን ብገዛእ ርእሰና ክርስትያን ዝኾና አይኮናን እምነትና እግዚአብሔር ብመንገዲ ቤተ ክርስትያን ዝሀበና ህያብ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ በዚ አገባብ”ዚ ክአ ደቂ እግዚአብሔር ማሕበረ ሰብ እግዚአብሔር ከም ዝኾና ክንዝንግዕ አይግባእን።
ህዝበ እግዚአብሔር ምኳን ብመስርሕ ዝመጽእ ከም ዘይኮነ አመልኪቶም ክአ ምስ ፍጥረት ዝተአሳሰር ከም ዝኾነ አገንዚቦም ።ደቂ ቤተ ክርስትያን ክንብል እንከለና ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ሐደ ነገር ደሊኻ ፎርም ትምልእ ወይ ክአ አባል ሐደ ሰልፊ ፖሊቲካ ንምኳን ቅጥዒ ተማልእ አይኮነን እንታይ ድአ ውሽጣዊ ባህርያዊ ምስ ወላዲትካ ዘለካ ባህርያዊ ምትእስሳር ኮይኑ በዚ ዓይነት አገባብ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘተአሳስረካ ጉዳይ ከም ዝኾነ ገሊጾም።ምክንያቱሲ ቤተ ክርስትያን አደ ክርስትያን ስለ ዝኾነት ዝብ አሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አተሐሒዞም ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሆጭ ኢሎም ነቲ ዝሀብዎ ትምህርተ ክረስቶስ ዝከታተሉ ዝነበሩ ምእመናን ፡ ክንደይ ካባኻትኩም ሚስጢረ ጥምቀት ዝተቀበልኩምሉ ዕለት ትዝክሩ ኢሎም ሕቶ አቅሪቦም ፡ እምብአርከስ እታ ዕለት እቲአ አብ ቤተ ክርስትያን አብ ቤተ ክርስትያን ዝተወለድናላ ዕለት ኢያ ኢሎም ።እዚ ማለት ብሚስጢረ ጥምቀት አገባብ ቤተ ክርስትያን ንዓና ዝወለደትሉ ዕለት ኢዩ ብማለት ክአ አብሪሆም።አተሐሒዞም ጥዑማት ህዝበ ክርስትያን ፍቃድኩም እንተ ኾይኑ ዕዮ ገዛ ክህበኩም ነንገዛኹም ምስ ተመለስኩም ሚስጢረ ጥምቀት ዝተቀበልኩምሉ ዕለት
ረኺብኩም ብእግዚአብሔር ዝተዋህበና ጸጋ ከም ዝኾነ ብምዝካር ስብሐት ለእግዚአብሔር ዕለተ ጸጋ ዕለተ ድሕነት ዕለተ ትውልዲ ብቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ክአ ተገንዘቡ ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ።ቀጺሎም ጉድለት ዘለወን አደታት አለዋ ንበል እሞ ንቤተ ክርስትያን ክአ ምስቲ ዘለዋ ጉድለት ክነፍቅራ ክነኽብራ ክንእዘዛ ይግባእ ኢሎም ፖፓ ፍራንቸስኮ ።
ቤተ ክርስትያን ከምቲ ንዓአ ዝመስረተ ጐይትና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝደልያ ምእንቲ ክትከውን ምጽዓር ናይ ውሉደ ክህነትን ናይ ምእመናንን ምእመናትን ናይ ኩልና ሐላፍነት ከም ዝኾነ ክንዝክር ይግብባእ ክአ ኢሎም ።ከምቲ ሐንቲ ወላዲት ንደቃ ተኸናኺና ተዕቢ ቤተ ክርስትያን ክአ ብሚስጢራት ጌራ ተዕብየና ትኹስኩሰና ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስትያን አደ ክርስትያን ከም ዝኾነት መጠን አደነታ ሐዋርያዊ ጓሶትን ምእመናን ንነብረሉ አገባብ ኢዩ ኢሎም ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝህብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ዝከታተል ዝነበረ ሰማንያ ሺሕ ህዝቢ ፡ አተሐሒዞም ሐደ ሐደ ግዜ አነ አብ እግዚአብሔር ይአምን አብ ቤተ ክርስትያን ግን አይአምነን ኢየ ዝብሉ ሰባት እሰምዕ ፡ ቤተ ክርስትያን ካህናት ጥራሕ ማለት አይኮነን ቤተ ክርስትያን እኮ ብሐፈሻ ንሕና ኩላትና ህዝበ ክርስትያን ማለት ኢዩ ብማለት አገንዚቦም ። ቀጺሎም አብ እግዚአብሔር ይአምን አብ ቤተ ክርስትያን ግን አይአምንን ማለት አብ ገዛእ ርእስኻ እምነት ከም ዘይብልካ ስለ ዘስምዕ ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ ይኽውን አሎ ማለት ኢዩ ኢሎም።ብሐፈሻ ኩላትና ኰስኰስቲን አብሰርትን ቃለ ሰናየ ክንከውን ይግባእ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ህልውናን ትሕዝቶን ቤተ ክርስትያንን ውሉደ ክህነትን ብንጹር ምርዳእ ከም ዝግባእ አመልኪቶም ። ህዝበ ክርስትያን ብሐባር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓለም ብርሀን ክርስቶስ ከም ዝበጽሕ ናይ ምግባር ሐላፍነት ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር ክአ ነቶም ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተለ ህዝቢ ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተሰናቢቶሞ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.