2013-09-05 18:00:53

ንግደት ናብ አሲዚ፤


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ዕለት 4 ጥቅምቲ ናብ አሲዚ ብምኻድ አብቲ መካነ ንግደት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝኾነ ቦታ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ምዃኖም አቀዲሙ ተሓቢሩ ነሩ፣ ሰበኻ አሲዚ ነዚ ዓቢ ዕድል ብዝለዓለ መንፈሳውነት ንኽገብሮ ትማሊ ናይቲ ንግደት መደብ ብሰፊሑ ገሊጾም፣ አብቲ መንበረ ጵጵስና አሲዚ አብ ዝተገብረ መግለጺ ጳጳስ ናይቲ ሰበኻ ብፁዕ አቡነ ዶመኒሎ ሶረንቲኒ ናይቲ ከተማ ከንቲባ ሲኞር ክላውድዮ ሪቺ ከማኡ እውን ናይ ፐሩጅያ ሊቀ ጳጳስን ናይ ኡምብርያ ጉባኤ ጳጳሳት ሊቀ መንበርን ብፁዕ አቡነ ጓልትየሮ ባሰቲ ምስ ናይ ገዳም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ አሲዚ ወከልትን ነሮም፣ እቲ ንግደት ዝፍጸመሉ አብቲ ዓመታዊ ዝክረ በዓል ጠበቃ ዓዲ ጣልያን ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኢዩ ክግበር፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ንግደት ኮይኑ ጽ ዑቅ መደባት ከምዘለዎ እውን ተመልኪቱ፣ ቅዱስነቶም ንግሆ ሰዓት ሾመንተ ርብ ዒ ጐደል ካብ መንበረ ጴጥሮስ ብሄሊኮፕተር ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር፣ እታ ሄሊኮፕተር ት ዓልበሉን ተቅባል ቅዱስነቶም ዝግበረሉ አብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ተቅዋም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሜዳ ስፖርት ኢዩ፣ አብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሓጺር መደረን ሰላምታን ምስ ቀረበ ቅዱስነቶም ናብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መጀመርያ ዝተለወጠሉን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መስቀል ዝተዛረበሉን ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዳምያኖ ክሳለሙን ብግሊ ክጽልዩን ኢዮም፣ ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ናብቲ ናይ አሲዚ መንበረ ጵጵስና ክበጽሑን አብ ኡ እውን በቲ ማኅበር ናይ ዝርድ ኡ ድኻታት ሓደ ክልተ ክረኽቡን ከዘራርቡን ኢዮም፣ ካብዚ ብምቅጻል ናብታ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅድስቲ ማርያም ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምኻድ ክሳለሙን ክጽልዩን ኢዮም፣ ሰዓት 11 አብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ድሕሪ ቅዳሴ ከአ ንቅርያት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ክሳለሙን ብግሎም ጸሎት ከዕርጉን ኢዮም፣ አብዚ ዓመት እዚ ብናይ ኡምብርያ ዞባ ዝቀረበ ናይ መብጽዓ ብዘይቲ ዝሰርሕ ብርሃን ክውልዑ ኢዮም፣ አብ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት አብ ዝርከብ መዕረፍ ባቡር እስታዝዮነ ንድኻታት ዝረድ ኡሉ ዓቢ ናይ ካሪታስ ናይ ሰበኻ አገልግሎት አብ ዝወሃበሉ ቦታ ክምስሑ ኢዮም፣ አብ አጋ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፤30 አብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስን አሕዋቱን ዝጽልዩሉን ዘስተንትኑሉን ዝነበሩ በዓቲ ክበጽሑ ድሕሪኡ ናይ ቅዱስ ሩፊኖ ካተድራል ክበጽሑ ምስ ኩሎም ናይታ ሰበኻ ወከልቲ እውን ክራኸቡ ኢዮም፣ አጋጣሚ አብቲ ግዝያት እቲ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ክካየድ ተመዲቡ ስለዘሎ አብቲ ሲኖዶስ ክረኽብዎም ትጽቢት ይግበር፣ አብ መወዳእታ ነተን ማንታ ፍራንቸስካዊ ማኅበርን መንፈሳውነትን ዝኾና ደናግል ክላሪሰ አብ ናይ ቅድስት ክያራ ባዚሊካ ክበጽሑ ኢዮም፣ ከባቢ ሰዓት 5፡30 አብቲ ናይ ስርየተ ኃጢአት ቦታ ፖርዚኡንኮላ ከይዶም ብሕቶም ብጸጥታ ጸሎት ከዕርጉ ኢዮም፣ ብድሕርዚ አብ ባሲሊካ ናይ ቅድስት ማርያም ዘመላእክት ምስ መን እሰያት ክራኸቡ ኢዮም፣ አብ መወዳእታ መካነ ንግደት ሪቮቶርቶ ብምኻድ ባዕቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብምብጻሕ ንግደቶም ክፍጽሙን ምሸት ከባቢ ሰዓት ሾመንተ ናብ መንበሮም ክምለሱ ምዃኖም ተገሊጹ፣











All the contents on this site are copyrighted ©.