2013-09-02 12:37:12

ሰንበት ዘዕጕለ ቋዓት 2005 ዓ.ም. (ነሓሰ 19 2005 ዓ.ም. 8/25/2013)


መዝሙር፡ ንዒ ርግብየ ሠናይት . . . . . . . . ።
ንባባት፡2ቆሮ 8፡1-15፥ ያዕ 1፡17-ፍ፥ ግ.ሓ. 22፡6-22፥ ሉቃ 1፡26-39።
ምስባክ፡ በእግዚአብሔር እሴብሕ ቃልየ፥ በእግዚአብሔር ይከብር ዘነበብኩ፥ ወበእግዚአብሔር ተወከልኩ ኢይፈርህ ምንተ ይረስየኒ ሰብእ።
መዝሙር፡ ጽብቕቲ ርግበይ ንዒ፥ ብሕያውነታን ብሱቕትአን ርግበይ ይብላ፥ ብሓቂ ኦም ክሊዓው ቅድስተ ቅዱሳን ዝብልዋ እያ። መልአኽ ካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ተሓጎሲ ኢልዋ፥ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕለኺ ክመጽእዩ ኃይሊ እቲ ልዑል ከአ ከጽለልኪ እዩ፥ ንጽሕቲ አዳራሽ ሓራ አውጻኢት ማኅደር መለኮት ኢሉ ሰመያ፥ ከናፍርኪ ከም ቀይሕ ፍሕሶ፥ ሕምብርትኺ ከም ሳርማ፥ ጣዕምኺ ከም ወይኒ፥ጨናኺ ካብ ኩሉ ጨናታት ይበልጽ። ቅድሚ ሃይማኖት ካብ ጎዳጊዲ አናብስን ካብ አዳራሽ ነገስታትን ትወጽኢ። አብ ልዕለኺ ዝኾነ ክፉእ ዘይብልኪ ኩልንትናኺ ጽብቕቲ ርግበይ ናባይ ንዒ።
ካብ ነሓሰ 10 28 (ማኅበረ በኵር) ዘሎ ሰናብቲ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ እናተባህለ ይስመ። ከም አተሓሳስባ ልጡርግያና ክረምቲ ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ጊዜ እዩ ስለዚ ጌና አብ ጊዜ ክረምቲ ኢና ዘሎና፥ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ብዓለ ፍልሰታ አብ 16 ነሓሰ ስለ ዘብዓልና እዚ ሰንበት እውን ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ ክነስተንትን ይሕብረና። ማርያም አብ ሰማይ ድሕሪ ፈሊሳ አብ የማን ወዳ ተቐሚጣ ንግስተ ሰማይን ምድርን ተባህላ። ናይ ሎሚ መዝሙር ነዚ ሓሳብ የንጽባርቕ። ማርያም ምስ አምላኽ ዘለዋ ቅሩብነትን፥ አምላኽ አብአ ዝገበሮ ሰናይ ግብርን አብነታ ተኸቲልና ንአምላኽ ክንቀርቦ ክንሰምዖ እሞ ከምቲ ብሂጉ ዝፈጠረና ነጺሕና ደቂ ሰማይ ንምዃን ዝሕግዝ መዝሙር እዩ።
አብዚ እዋን ብዝያዳ እነስተንትኖ እምብአር ምስ ማርያም ዘሎና ርክብን ከምቲ ንሳ ንሰማይ ፈሊሳ አብ ግርማ ወዳ እትሳተፍ ዘላ ንሕና እውን አብ ሕይወትና ስንቂ ሰማይ ሒዝና ክንጉዓዝ እሞ አብ ሰማይ ምስ ወዳን ምስአን ክነብር ሎሚ ንመገዲ ሰማይ ንተሓሓዞ። ንሳ አብ ሰማይ አክሊል ንግስነት ተቐቢላ ንግስተ ሰማይ ንብላ። አብ ምህልላ ዘፍልሰታ ኩሉ እንጽልዮ አብ ሰማይ ዘሎ ሕይወት ማርያም ምስ ወዳ ዘልአ ርክብን ንአና ክትሕግዘና ከምእትኽል ዝነግር እዩ። ንአና ክትሕግዝ ከምእትኽእል ክገልጽ ኢሉ “ንዓ ንዓ ማርያም ዘትነብሪ በአርያም” እናበልና ንጽሊ።
ማርያም አብ መንጎና ክትርከብ እንከላ ሰለኣተ ነገራት ክውሃበና ይክአል፡ 1. ከምቲ አብ ቃና ዘገሊላ አብ መንጎ ሰብ መርዓ ተረኺባ ጸገሞም ንወዳ ለሚና ዘርሃወትሎም ንአና እውን ሎሚ ጸገምና አብአ እንተ አብጻሕና ብልምንአ ክተርህወልና አይከብዳን እዩ። 2. ማርያም አብ ማእከልና ክትርከብ እንከላ መንፈስ ቅዱስ አባና ይወርድ ከምቲ አብ ጽራሓ ጽዮን አብ መንጎ ሓዋርያት እንከላ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደ ማርያም መንፈስ ቅዱስ ክወርደና ትሕግዘና፥ ንሳ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወታ ተመኪራትሉ እያ ስለዚ መንፈስ ቅዱስ እንታ ከምዝህብ ክትነግረና ትክእል እያ። 3. ማርያም ጸሎት ትምህረና፥ ሕይወት ማርያም ሕይወት ጸሎት እዩ፥ ጸሎት ማለት ንአምላኽ ሰሚዕካን ነጊርካን ምኽአል እዩ ንሳ ነዚ አብ ሕይወታ አብ ግብሪ ገራቶ አብ ጽርሓ ጽዮን ንሓዋርያት ጸሎት ትመርሖም ነራ፥ ሎሚ እውን ጸሎት ምሃርና ምስ አምላኽ ክንዛረብን ክንሰምዖን ንበላ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብና ብዛዕባ ብስራት ገብርኤል አንቢብና። አብ ወንጌል ሉቃስ ቅድምዚ ብዛዕባ ልደት ዮውሓንስ መጥመቕ ነንብብ፥ ኤልሳቤጥ ብዕድመ ደፊአ እንከላ ከም ዝጸነሰትን ወለደትን ነንብብ። ድሕሪ ሽድሽተ ወርኂ ገብርኤል መልአኽ ንፍሉይ ብስራት አብ ሓንቲ ጎርዞ አብ ናዝሬት እትብሃል ብዙሕ ፍልጥቲ ዘይኮነት ዓዲ ከምዝተላእከ ንሳ ዘይተመርዓወት ግን ንዮሴፍ ዝተባህለ ሕጽይቲ ከምዝነበረት ሉቃስ ወንጌላዊ ይነግረና።
እቲ መልአኽ ከበስራ እንከሎ “ሰላም ንአኺ ኦምልተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ” እዩ ኢልዋ። በዚ ቃላት ሰንቢዳ ምኽንያቱ ንሳ ፍልይቲ ካብ ካልእ ምዃና ሓንቲ አፍልጦ አይነበራን። እቲ መልአኽ ንሳ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝተባረኸት ምዃና ገሊጹላ። በዚ ምኽንያት ክትጸንስን ወዲ ክትወልድን እያ፥ ኢየሱስ ኢላ ኸአ ክትሰምዮ እያ ትርጉሙ ኸአ መድኃኒ ማለት እዩ።
እዚ ውሉድ ማርያም ፍሉይ እዩ። ዓቢ ክኸውን እዩ፥ ወዲ አምላኽ ክብሃል እዩ፥ ናይ ዳዊት አብኡ ዝፋን ኪወርስ እዩ፥ አብ ህዝበ እስራኤል ንዘለዓለም ክነግስ እዩ መንግስቱ ኸአ መወዳእታ የብሉን።
ማርያም በቲ ዝተነግራ ተረቢሻ ትርጉሙ ክትርዳእ ከቢድዋ ምኽንያቱ ንሳ አይተመርዓወትን ምስ ሰብአይ ዝኾነ ርክብ አይነበራን፥ እቲ መልአኽ እዚ ኹሉ ክፍጸም መንፈስ ቅዱስ አባኺ ክወርድ እዩ፥ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ከጽለለኪ እዩ፥ ስለዚ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ አምላኽ ክብሃል እዩ። ነዚ ከም መረጋገጺ ክኾና ናይ ኤልሳቤጥ ዘመዳ አብ እርጋና ምጽናሳ ሓቢርዋ፥ ናይ ኤልሳቤጥ ምጽናስ ምስቲ ዕድሚአ ክትጸንስ አይክአልን ነሩ እንተ ኾነ ንእግዚአብሔር ዝሰአኖ ስለ ዘየለ ጸኒሳ። እዚ ግብሪ አምላኽ ክሳብ ክንደናይ ምዃኑ ክገልጸላን ንሓዲስ ተልእኮ ክትብገስ ከምዘልአ ዝሕብር እዩ ነሩ።
ማርያም ነዚ ኹሉ ብገብርኤል መልአኽ ዝተነግራ ምስ መፈለጠ ንርእሳ አድኒና ንኹሉ ዝተባህላ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት “አምዝበልካኒ ይኹን” እናበለት ተቐቢላቶ። “እነኹ አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” ኢላ ንዕድመ አምላኽ ተቐቢላ።
እዚ እዩ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ንሕና ክርስትያን እንርድኦ። አብታ ህሞት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዝተቐቢላቶ አብ ከርሳ ክጽነስ ጀሚሩ። እዚ ምስጢረ ሥጋዌ ዝጀመረሉ፥ አምላኽ ሥጋ ዝለበሰሉ፥ አምላኽ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ አትዩ ዝተገልጸሉ ህሞት እዩ። ማርያም አፍደገ ትስብእቲ አምላኽ ኮይና ብአአ አቢሉ ከማና ኮይኑ አድሒኑና ዕርቂ ምስ አምላኽን አብ መንጎናን ከምዝርከብ ኮይኑ። ዕብየት ማርያም አብዚ እዩ መሰረቱ። አምላኽ ከድሕነና ብአአ ክኸውን ደልዩ። ሓደ ሰብ አብ ተልእኮ አምላኽ ክወፍር ክዕደም እንከሎ አብ ግብሪ አምላኽ ይሳተፍ። ካህን ብጸጋ ክህነቱ ንማንም ህብስትን ወይንን አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ከምዝልወጥ ይገብሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ እዚ ህያብ አምላኽ ክገልጽ እንከሎ አማልኽቲ ኮና ይብል። ደቂ እቲ ልዑል ንኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ እውን አሕዋት ክርስቶስ መዋርስቱ አብ ሰማይ ኢና ይብለና። ማርያም ከስ እቲ ዝዓበየ ምስጢር አምላኽ ክትግበር መሳርሒት አምላኽ ስለ ዝኾነት ዝለዓለ ክብርን ዝበለጸ ህያብን ተቐቢላ።
ማርያም ንዕድመ አምላኽ ብምሉእ ሕራይ ስለ ዝበለት አብ ክብሪ አብጺሕዋ። እቲ ዝዓበየ ነገር ማርያም ሓንሳብ ንዕድመ አምላኽ ሕራይ ኢላ ምስተቐበለት ወላ ንሓንቲ ደቒቅ ንድሕሪት ገጻ ቍልሕ አይበለትን። አብ ኩሉ ዝመጽእ ሕይወታ ዝገጠማ ኩሉ ብመንጽር እዚ ሕራይ ዝበለቶ ክትርእዮ ክኢላ። አብ ገለ እዋናት ከቢድን ስቓይ ዝበዝሖን እዩ ነሩ። ካብ ኩሉ ዝኸበደን ዝመረረን ወዳ አብ መስቀል ተንጠልጢሉ ክመውት እንከሎ ንሳ አብ እግሪ መስቀል ኮይና ክሳብ መጨረሽታ ትዕዘብ ነራ። አብዚ እውን እቲ ዝመጽእ ሓጎስን ክብርን ብዛዕብኡ ሓንቲ ሓሳብ አይነበራን።
አብ ጉዕዞ ሕይወትና ዝጓነፈና ብዘየገድስ አብ እምነትና ጸኒዕና አብቲ አምላክ ዝሓረየና ሕይወት ጸኒዕና ክነብር እዩ አምላኽ ዝደሊ፥ አብ ዝጠዓመናን ነገራት ድሓን ምስኮኑ ጥራሕ እንተኾይኑ ሕራይ ምባልና ጌና አይመልአን ስለዚ ከም ማርያም ሎሚ እውን ነቲ ዝአቶናዮ ሕይወትን መብጽዓን እነብሮ ዘሎኹ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ እጉዓዝዶ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ንዋሳእ።
ሕይወት ናቱ ክበድን ፈተናን አለዎ ስለዚ ብትዕግስትን ብምስትውዓልን ሕይወትና ክንመርሕ ከሎና ጥራሕ እዩ ንድላይ አምላኽ ሰሚዐ ሕይወተይ እመርሕ አሎኹ ክንብል እንኽእል። ዕለት ዕለት ሕይወት ማርያም ዘኪርና ጉዕዞ ቅድስና ምሃርና ክንብላ የድሊ። ነቲ ለቢስናዮ ዘሎና ሕይወት አብ ቅድስና ከብጽሓና ክንነብሮን ክንለብሶን አሎና።
አብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ሞታ ቀልጢፋ ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ከምዝፈለሰት አብዒልና። ማርያም አብ ሰማይ ምስ ወዳ አብ መንበር ክብሪ ተቐሚጣ ንግስቲ ሰማይን ምድርን ኮይና። ንሳ አደ ንጉሥ ስለ ዝኾነ ንግስቲ እያ። መቝጸርያ ክንደግም ከሎና አብ ናይ ክብሪ ምስጢር ነዚ ንደግም።
ፍልሰት ማርያም ናይ ነፍስወከፍ መጻኢ ሕወት እንታ ከምዝኸውን መረጋገጺና እዩ። ሕይወትና መወዳእትኡ አብዚ ዓለም አይኮነን አብ መወዳእታ ዓለም ኩልና ብሥጋናን ነፍስናን ክንትንሥእ ኢና። ሎሚ ነቲ አብ ክብሪ ዘብጽሓና ሕይወት ሒዝና ክንጉዓዝ አሎና።
ማርያም ከም ንግስቲ መጠን መጀመርያ ሓዋርያ ኢየሱስ እያ ምኽንያቱ ንሳ ምሉእ ሕይወታ ንድለት አምላኽ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ስለ ዝሃበት። አሰራ ክንክተል ክትሕግዘና ንለምና አብ ጉዕዞ ሕይወትና ጸዋዕታና ካህናት፥ ነብያትን ነጋውስን ንግስትታትን አብ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ኢና።
አብ ኢሳያስ ነቢይ 8፡23 ዘሎ አብ ማቴ 4 ተጠቒሱ ንረኽቦ ንሱ ኸአ ብዛዕባ ናይ መጀመርያ አገልግሎት ኢየሱስ አብ ህዝቢ ነንብብ፥ አብኡ ብዛዕባ ናይ ሰላም መኮንን ከም ዝመጽእ እሞ ብርሃን አብ ጸልማት ዝነገሶ ዓለም ከም ዘምጽእ ይዛረብ። ንሱ ሓጎስን ነቲ አርዑድ ካብ መንኩብ ህዝቢ ከውርድ እዩ ዝብል ነንብብ። አብዚ ምስ ናይ ማርያም ተራ አብ ምትሕብባር ድሕነት ደቂ ሰብ እዚ ናይ ሰላም ንጉስ ብርሃን ዘምጽእ ካብአ እዩ ተወሊዱ ስለዚ ናይ ማርያም ተራ አብ ትስብእቲ ክርስቶስ ዓቢ ነገር እዩ።
መልእኽቲ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ ሎሚ ኢየሱስ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ክውለድ ይግባእ። ስለዚ ንማርያም ንለምና ንድለት አምላኽ ተቐቢልናን ሰሚዕናን ክንክእል። ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘሎና አፍልጦ ምስ ካልኦት አብጺሕና ክንክእል ድላይ አምላኽ እዩ።
ኦ ማርያም አደና ብኹሉ ክንስዕበኪ ሓግዝና ንወድኺ ለምንልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ











All the contents on this site are copyrighted ©.