2013-08-29 19:19:51

“ብትብዓት ናይ ጽባቀን ሕያውነትን ሓቅን ዓለም ሕነጹ”


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ ካብ ሰበኻ ፒያቸንሳ ቦብዮ ዓዲ ጣልያን ዝመጹ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾኑ መንእሰያት አብ መንበሮም ተቀቢሎም “ብትብዓት ናይ ጽባቀን ሕያውነትን ሓቅን ዓለም ሕነጹ” እንክብሉ ሓደራ ቢሎምም፣ እዞም መንእሰያት እዚኦም ብምኽንያት ዓመት እምነት ናብ መንበረ ጴጥሮስ ንግደት ዘካይዱ ኮይኑም ናይቲ ሰበኻኦም አቡን ብፁዕ አቡነ ጃኒ አምብሮዝዮ ከምዘሰነይዎም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣
ቅዱስነቶም ምስቶም መን እሰያት አብ ዝተዋስ ኡሉ ጊዜ ምስ መን እሰያት ምዃን ከምዘሕጉሶም ምኽንያቱ ኸአ መን እሰያት ተስፋ ናይ ኩሉ ብምዃኖምን ንመጻኢ ናይ ኩሉ ቅርጺ ከትሕዙ ስለዝኽ እሉን ምስ ኦም ኩንካ ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብን ምሕላምን እውን ሕሱም አይኮነን ኩይኑ ግን ሓላፍነት ከዘሸክም እውን ክንዝንግ ዕ የብልናን ቢሎም፣
“ገሊኦም አባታችን እዚ ጊዜ እዚ ክንደይ ኮን ይሓስም! ረአዩ እሞ ምንም ክግበር አይከአልን! ይብሉኒ! አነ ከአ ብወገነይ ከመይ ምንም ክግበር ዘይከአል! ብዙሕ ነገር ክግበር ይከአል እብሎም ኮይኑ ግን ሓደ መን እሰይ አባታችን እዚ ጊዜ እዚስ ክንደይ ኮን ይሓስም! ሓንቲ እኳ ኢኻ ክትገብር ዘይትኽ እል! እንተቢሉኑ ብሓቂ ዝብለኩም ናብ ናይ አ እምሮ ሓኪም ምሰደድክዎ! ሓቂ ኢዩ ንሓደ መን እሰይ ከተረደኦን ክትርድ ኦን አጸጋሚ ኢዩ ኮይኑ ግን ሓደ መን እሰይ ጓል ይኹን ወዲ ን ዓበይቲ ነገራት ዘይሓልም ሃረር ዘይብል ገለ ክገብር ዘይጽ ዕር ወላ አይከሰብ ቢሉ ዘይፍትን ኩነታት ሓንጐሉ የጠራጥር ኢዩ፣ ከመይ መን እሰይ ብተስፋ ኢዩ ዚጐዓዝ፣ ርግጽ ኢዩ ዝተኻእሎም እዮም ዝገብሩ ኮይኑ ግን ዓበይቲ ነገራት ሃረር ክብል አለዎ፣ ከም መን እሰያት መጠን አብ ልብኹም ሰለስተ ነገራት ሃረር ትብሉ ቀዳማይ ጽቡቅ ነገር ትብህጉ ካል አይ ናይ ሕያውነት ነቢያት ስለኾንኩም ሕያውነት ትብህጉ ብሳልሳይ ደረጃ ከአ ሓቂ ትደልዩ፣ ሓቂ ግን አይትተሓዝን ኢያ ክትክተልዋ አሎኩም እንክብሉ መን እሰያት ካብ ትህኪት ወጺኦም ንጽባቄ ሕያውነትን ሃቅን ክደልዩን ክሰርሑን ተማሕጺኖም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.