2013-08-29 19:17:39

ሃረርታ ፍቅሪ ንኻልኦት ንምርዳእ አቀዲሙ የንቀሳቅሰና፤


ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ትማሊ በዓል ናይቲ ሊቅ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ዓቢይ አፍሪቃዊ ቅዱስ ቅዱስ አጎስጢኖስ ተዘኪሩ ውዒሉ፣ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ አብቲ አብ ማእከል ሮማ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ አጎስጢኖስ ንዝኽረ በዓል ቅዱስ አጎስጢኖስን ነቶም ብአጋጣሚ ጠቅላሊ ጉባኤ ናይ አጎስጢናውያን መኽፈት ቅዳሴ ንምጋብርን ትማሊ ሰዓት ሽድሽተ ናይ ምሸት ከይዶም፣ አብቲ ገዳም አጎስጢናሳውያን ዝርከበሉ ዓቢይ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ አጎስጢኖስ ናይቲ ጠቅላሊ ጉባኤ ወይ ካፒቶል ተሳተፍቲ ካብ መላእ ዓለም ዝተአከቡ 90 ዝኾኑ መነኮሳን አጎስጢኖሳውያንን ምስ ቅዱስነቶም ብኁባሬ እንክቅድሱ አባላት እቲ ማኅበርን ደናግል ደቂ ቅ.አጎስጢኖስን እውን አብቲ ቅዳሴ ተሳቲፎም፣
አብቲ ቅዳሴ ካብ ሓሙሽተ ክፍለዓለማት ዝመጹ አጎስጢናሳውያን መነኮሳን ተሳቲፎም፣ እዚ ማኅበር እዚ አብ መበል ዓሠርተ ሠለስተ ክፍለ ዘመን ር.ሊ.ጳ ኢኖቸንሶ ራብዓይ አብቲ ጊዜ እቲ ፈቀዶኡ በብመንገዶም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ካቶሊካውያን መነንትን ባሕተውትን አብ ትሕቲ ሓደ ሕግን ሥር ዓትን ከም ገዳማውያን ክቆሙ እቲ ሕግን ሥር ዓትን ከአ ናይ ቅዱስ አጎስጢኖስ ሕግን ሕይወትን ዝኽተል ክኸውን ምስ አተሓሳሰቡ ከም ማኅበርን ገዳምን ክቆሙ ጀሚሮም፣ ሎሚ አብ ዓለም ምሉእ ካብ ዘለው ገዳማትን ማኅበራትን ዝሓሸ ዕብየት ካብ ዘርእዩ ሓዳ እዚ ማኅበር እዚ ኢዩ፣
ቅዱስነቶም አብቲ ቦታ እቲ ክኸዱ ኢዮም ዝብል ወረ ምስ ተሰምዔ ካብ ንውሕ ዝበለ ሰዓታት አብቲ ናይ ባዚሊካ ቅድስ አጎስጢኖስ አከባቢ ተአኪቦም ብዙሓት ይጽበይዎም ነሮም፣ ቅዱስነቶም ቅድሚ ናብቲ ባዚሊካ ም እታው ነቶም ሕዝቢ ሰላም ድሕሪ ምባል ከምቲ ቅዱስ አጎስጢኖስ ለይትን መዓልትን ንሓቂ ን እግዚአብሔር ክደሊ ብርቱዕ ሃረርታ ዝነበሮ እሞ አብ መጨረሻ ከአ ልብና እንትርፎ አባኻ አብ ካል እ ዕረፍቲ የብሉን ዝበሎ እዚ ዕረፍቲ ምስአን እዚ አብ ልብና እውን ክቃጸል አለዎ፣ በዚ ጥራሕ ኢና ነቲ ል ዑል ዝኾነ ፍቅሪ አምላኽ ክንረኽቦ ንኽ እል፣ ክብሉ ምስ አተሓሳሰቡ አብ ቅዳሴ አትዮም አብቲ ቅዳሴ አብ ዘስም ዕዎ ስብከት ከአ ነዚ ሓሳብ እዚ ደጊሞ፣
“አብ ሕይወትና ክዘንየናን ክንሕዞን ዘሎና አየናይ ሃረርታ የድልየና፤ ቅዱስ አጎስጢኖስ አብነትና ኢዩ፣ እቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ልቢ ቅድሱ አጎስጢኖስ ሎሚውን ዝምህረና ነገር አለዎ፣ ድሕሪ ቢሎም ቅድስነቶም ንሶም እውን ከም ናይ ቅዱስ አጎስጢኖስ ዚአመሰለ ሃረርታን ዕረፍቲ ኅልና ምስአንን ከምዝነበሮም ይገልጹ እሞ አብዚ ብርቱዕ ሃረርታ እዚ ሰለስተ ደረጃታት ከምዘሎ ይገልጹ፣
“አብ መንፈሳዊ ሃሰሳ ዝሸመካ ሃረርታን ዕረፍቲ ኅልና ምስአንን፤ ምስ እግዚአብሔር ምስ ተራኸቡ ዘጋጥመካ ሃረርታን ዕረፍቲ ኅልና ምስአንን፣ አብ መወዳእታ ናይ ፍቅሪ ሃረርታን ዕረፍቲ ኅልና ምስአንን፣ በዚ አጋጣሚ እዚ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምንም ዘይስምዖ ብዛዕባ እምነት ምንም ዘይስምዖ ደረቅ ኅልና ካብ እግዚአብሔር ርሒቁ ንዘሎ ካብ እግዚአብሔር ንዝሃደመ ንአና እውን ከይተረፈ ከመይ ንሕና ብዙሕ ግዜ ካብ እግዚአብሔር ክንርሕቅ ንእግዚአብሔር ሓዲግና ናብ ካልእ ንእንዝንብል ናብ ውሽጢ ልብና ንመለስ አባኡ ነትኵር አዕሙቅ አቢልካ ሕሰብ እሞ ሓደ ዓቢ ነገር ሃረር ዝብል ልቢዶ አሎካ ወይስ ዝደስከለን ዝደቀሰን ልቢ ኢዩ ዘሎኒ ቢልና ንሕተት፣ ከመይ ንቅዱስ አጎስጢኖስ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝረክብ ዝገበሮ ብርቱዕ ሃረርታን ጻዕርን ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም እዚ አብ ልብኻ ተመለስ አብ ውሽጥኻ ተመለስ ዝብል አዘራርባ ብጌጋ ከይርድኦ የጠንቅቁ፣
“ቅዱስ አጎስጢኖስ ን እግዚአብሔር ምስ ረኸቦን ምስ ፈለጦን አባኡ አይቆመን፤ ደጊም አኸለ አይበለን! አብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ሱቕ አይብለን! ጕዕዞኡ ቀጺሉ፣ ገና ንሓቂ ንእግዚአብሔር ብዝበለጸ ንምፍላጥ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ንካልኦት ንከፍልጥ ብዝለዓለ ናህሪ ጕዕዞኡ ቀጺሉ፣ እዚ ከአ ናይ ፍቅሪ ድፍኢት ኃይሊ ሃረርታ ኢዩ፣ እዚ ሃረርታ እዚ ንኩሉ ሓዋርያዊ ተል እኮ ክመርሖ አለዎ፣“ቅዱስ አጎስጢኖስ በዚ ኃይሊ እዚ ክድፋእ ደለየ፣ ነዚ ፍቅሪ እዚ ካብ ምስባኽ አይደኸመን ብትብዓት ብዘይ ገለ ፍርሒ ንወንጌል ካብ ምስባኽ አየቋረጸን፤ ነቲ ነባግ ዑ ዝፈልጥ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ክርስቶስ አምሳል ክኽተል ለይትን መዓልትን ሰሪሑ፤ ከምቲ አቀዲመ ዝበልክዎ ሎሚ እውን ክደግሞ ደስ ዝብለኒ በጊ ዕ በጊ ዕ እናጨነወ ነታ ዝጠፍ ኤት በጊ ዕ ከናዲ ይወጽ እ ማለት ኢዩ፣ ቅዱስ አጎስጢኖስ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም። “ (፪ጢሞ 4፡2) ዝበሎ ሕድሪ ተቀቢሉ አብ ግብሪ አውዒልዎ ንሕና እውን ከምቲ ብዛዕባ መጓሰኡ ዝሻቀል ጓሳ ሃረርታን ሻቅሎትን ክህልወና አሎና፣ ናይ ቅዱስ አጎስጢኖስ መዝገብ ሃብቲኸስ እዚ ዝንባለ እዚ ኢዩ ማለት ወትሩ ናብ እግዚአብሔር ገጽና ምኻድ ናብ መጓሰ ምኻድ የድሊ፤ ሓደራ ነቲ ፍቅሪ ናይ ግልኹም አይትገብርዎ፣ እዚ ሃረርታ እዚ ፍቅሪ እውን ኢዩ ማለት ወትሩ ናይ ካልኦት ሠናይ ምድላይ እዚ ሃረርታ እዚ ሓቀኛ እንተኾይኑ ክሳብ ምንባዕ ዘብጽሕ ስም ዒት ይፈጥር፣ እዚ ሃረርታን ዕረፍቲ ኅልና ዝኸልእን ፍቅሪ እዚ ካልኦት ጸገሞም ከይገለጹን ከይለመኑኻን ተረዲእካዮም ክትረኽቦምን ክትረድ ኦምን ይደፍአካ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.