2013-08-23 09:52:16

ፍልሰታ ለማርያም 2005 ዓ.ም. ነሓሰ 16 2004 ዓ. ም. (8/22/2012)


መዝሙር፡ እኅትነ ይብልዋ . . . . . ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት ጥዕምት በቃላ. . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡20~27፥ ራእ 11፡19~12፡1~6፥ ግ.ሓ. 1፡12~15፥ ሉቃ 1፡39~56
ምስባክ፡ ወትቀውም ንግስት በየማኒከ፥በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት፥ ስምዒ ወለትዮ ወርኢ ወአጽምዒ እዝንኪ። “ንግስቲ ብወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቐውም፥ ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርአዪውን እዝንኺ ኸአ ጽለዊ” መዝ. 45፡9~10።
ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል፥ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሓወክ፥ ወይረድአ አዚአብሔር ፍጽመ። (መዝ. 45፡4 5)
መዝሙር፡ በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይሊ ልዑል ዘጽለላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ። ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ፥ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ፥ ሓዋርያት ኦ መድኃኒት እኖና ማርያም ለምንልና ይብልዋ ነውሪ ዘይብላ መቕደስ ንጽሕቲ ማዕጾ ድኅነት፥ መላእኽቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ ጥዑም ቃላ ሠናይ ምግባራ ንነብያትን ንሓዋርያትን ንጻድቃንን ሰማዕታትን አብኡ ኮይና ትባርኾም፥ እናበልና ንዝምር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮውሓንስ ጳውሎስ ካልአይ አብ ዘስተምህርዎ ትምህርቲ ክርስቶስ ንማርያም ብዝርኢ ከምዚ ይብል፡ ካብ ዘመናት ጀሚራ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጊዛ ቤተክርስትያን ነቲ ዝተገልጸ ሓቂ ብዛዕባ ማርያም አደ አምላኽ ሓሲባትሉን ብዝያዳ ኸአ ብንጹር ተረዲአቶን ይብሉ።
ንቀዳሞት ክርስትያን ንማርያም አደ ኢየሱስ አደ አምላኽ አብ ዝብል ርድኢት ክበጽሑ ዘመናት ወሲድሎም። አብ እምነትና ከም ዓምዲ እምነት እንርእዮም አርባዕደ አዕማድ እምነት አለዉና፡
አደ አምላኽ፥ ኩሉ ጊዜ ድንግል፥ ብዘይኃጢአት ምጽናሳን፥ ብነፍስን ብሥግአን ንሰማይ ምፍላስን እዮም። ሎሚ ፍልሰታ ነብዕል አሎና። ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ነዚ ሓቂ አሚናትሉ እያ ብዕሊ አዋጅ ዝተዋህቦ ግን ብፕዮስ XII ብ1950 እዩ። ትርጉሙ ኸአ ከምዚ ይብል ንጽሕት ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ርስሓት ኃጢአት አቦና አደም ነጻ ዝኾነት ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድኤት አብ ሰማያዊ ክብሪ ብሥግአን ብነፍሳን ፈሊሳ ማለት እዩ።
ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድኤት እንታይ እዩ ዘስምዕ፥ ማርያም ብሓቂ መይታዶ? አብዚ ተመርኲስና ከምዚ እዩ ክንብል አይክአልን እዩ። ገለ ተሎጋውያን ከም ዝአምንዎ ግልጸት ከምዝሕብሮ ሞት ከም መቕጻዕቲ ናይ አቦና አዳም እዩ መጺኡ ማርያም ከአ ካብ መጀመርያ ጽንሰታ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ኮይና እያ ተወሊዳ ስለዚ ሳዕበን ኃጢአት ዝኾነ ሞት ክትንክፋ አይክእልን እዩ ይብሉ። ዮውሓንስ ጳውሎስ ከምዚ ይብሉ አብ ናይ ክርስቶስ ድሕነት ብቐረባ ስለ ዝተሓባበረት ማርያም አብ ሞት እውን ተሳቲፋ እያ ዝብል ሓሳብ ይድግፉ። ክርስቶስ ስለ ዝሞተ አዲኡ አይሞተትን ምባል ዝጻረር ኮይኑ ይርአ። ማርያም ልዕሊ ወዳ አይኮነትን ንሱ ሞይቱ ንሞት ሓዲስ ትርጉም ሂብዋ መጋበሪ ድሕነት ገርዋ።
ቤተ ክርስትያን ብንጹር ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ብፍሉይ ጸጋ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት ብሥግአን ብነፍሳን አብ ሰማያዊ ክብሪ ክትሳተፍ ንሰማይ ፈሊሳ ኢላ ተስተምህረና። ሥጋና አብ መጨረሽታ ዓለም ክትንሥእ እዩ፥ ናይ ማርያም ሥጋ ግን ብፍሉይ ጸጋ አቐዲሙ ከቢሩ። አብዚ ቤተ ክርስትያን ፈሊሳ ትብል እምበር ዓሪጋ አይትብልን እያ። ዓሪጋ እንተ በልና ምስቲ ናይ ክርስቶስ ዕርገት ክደናግረና ይኽእል እዩ። ማርያም ንሰማይ ዝፈለሰት ብሓይሊ አምላኽ እምብአር ብሓይላ አይኮነትን ስለዚ ፍልሰታ ናይ አምላኽ ግብሪ እምበር ናታ አይኮነን።
ናይ ማርያም ፍልሰታ ዝገልጽ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብንጹር አይንረኽቦን ኢና እንተኾነ ብዝተዘዋዋሪ ተገሊጹ ንረኽቦ ንሱ ምስ ወዳ ምልኡ ሓደነት አለዋ ካብ ዝጽንሰቱ ክሳብ ሞቱ አብ ቀራንዮ ምስኡ እያ ነራ። ዮውሓንስ ጳውሎስ ፪ ብምሉእ አብ ሕይወትን አብ ናይ ድሕነት ስርሑን ተወሃሂዳ ስለ ዝኾነት አብ ሰማይ ከአ ብነፍስን ምሥጋን ምስኡ ከቢራ ይብሉ።
አብዚ ብዓለ ፍልሰታ እንርእዮ ናይ ነፍስወከፍና ሰማያዊ መድብ አምላኽ እዩ። ንሕና እውን አብ መወዳእታ ብሥጋና ክንትንሥእ ኢና። አብዚ ፍቕሪ አምላኽ ጥራሕ አይኮናን እንርኢ ናይ ሥጋና ክብሪ እውን። ዮውሓስ ጳውሎስ ፪ ከምዝብልዎ ምስጢር ናይ ፍልሰታ ዝገልጾ መልዕልተ ባሕርያዊ መወዳእታን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብሪ ሥጋኡ ብአምላኽ ዝተዋህበ መጸዋዕታ ምዃኑን ኩልና ንቅድስና ዝተሓረና አብ ክቡር ክንሳተፍ ዝተወሰነልና እዩ ይብሉ።
አብ ወንጌል ሉቃስ እነንብቦ ማርያም ንኤላሳቤጥ ክትሕግዛ ከምዝበጽሓታን ምስአ ክተገልግላ ሰለስተ ወርሒ ከምዝተቐመጠት ነንብብ። ክልቲኤን ነፍሰ ጾራት እየን ነረን። አብዚ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ኩሉ ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ ብዛዕባ ማርያም ክንረኽቦ ንኽእል። መጀመመርያ ማርያም ካብ ናዝሬት ንእሽቶ ከተማ ናብ ንኤልሳቤጥ ዘነበረቶ ንኢየሱስ አብ ከርሳ ጸራ ከይዳ። ማርያምን ኢየሱስን እዮም ንኤላቤጥን ዮውሓንስ ክበጽሑ ዝኸዱ። ኢየሱስ ጌና አብ ከርሲ እንከሎ አብ ክንዲ ኽግልገል ከገልግል ከይዱ። ማርያም እውን ከምኡ። ማርያምን ወዳን ምስ መጽኡ ዮውሓንስ ብተሓጓስ አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ተሰራሲሩ።
ጸዋዕታ ማርያም ንኢየሱስ ክትምጽአልና እያ። አብ ከርሳ ምስ ሓደረ አብ ታሪኽና አትዩ ባህርና ካብአ ወሲዱ ብኹሉ ብዘይ ኃጢአት ንአና መሲሉ። ማርያም ከስ አብ ኩሉ ኩነታትና ንኢየሱስ ክተምጽአልና ትኽእል እያ። ግን ቅድመ ኩነት ተቕርበልና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እምበር አብ ማእከልኩም ክሓድር ተአምራት ክግበረልኩም ጸገም የብሉን ትብለና። አብ ቤተ ዘካርያስ ሒዛቶ ከምዝመጸት አብ ልቢ ኩላትና አብ ቤተ ነፍሲ ወከፍና ክአቱ ሎሚ ንዓድሞ።
ኤልሳቤጥ ካብ ሓጎስ ዝተላዕለ ክተመስግን ጀሚራ። ናይ ማርያምን ኢየሱስን ፍሉይ ነገር ተረዲእዋ። “ንስኺ ኻብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ እቲ ኻባኺ ዚውለድ ሕፃንውን ዝተባረኸ” እዩ እናበለት ዕብየት ማርያም ኢየሱስን ክትገልጽ ጀሚራ። ማርያም ብርግጽ ፍልይትን ብጽእትን እያ ንሳ አደ መንድኃኒናን ንጉስናን ጎይታናን ስለ ዝኾነት። ኤላቤጥ ኢየሱስን ማርያም አብ ቤታ ብምምጽኦም ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩላ። አደ ጎይታይ ናባይ ክትመጽኢኸ እዚ ኻበይ ኮነለይ እናበለት ክትዛረብ ጀሚራ። እዚ እዩ ንነፍሲ ወከፍና አብዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዝኸውን ዘሎ። ጎይታና አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባንን ብቃሉ ካብ ቅዱስ መጽሓፍን አብ መንጎና አሎ።
ኤልሳቤጥ ፍሉይ ንማርያም ዝርኢ ምስጋና ዘቕረበቶ አሎ “እቲ ኻብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዚፍጸም ስለ ዝአመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” ኢላታ። እዚ አብቲ ካልአይ ጠባይ ማርያም የምጽአና። እምነታን ምሉእ እሽታአ ንድላይ አምላኽን። እዚ አብቲ ዘቕረበቶ ጸሎተ ምስጋና ንርእዮ። ንሳ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ንድላይ አምላኽ ብምልኡ ተቐቢላቶ እያ።
ማርያም ዘቕረበቶ ጸሎተ ምስጋን ቤተ ክርስትያን አብ ኩሉ ጸሎታት ትደግሞ እዚ ኸአ ዕብየት ማርያም አብ ቅድሚ አምላኽ ዝገልጽ እዩ። ዕብየታ አብ ሕብረተሰብ ብዘልአ ቦታ አይኮነን ዝመጽእ። ቅልል ብዝበለ አዘራርባ ጸጋ አምላክ ንአአ ዝተዋህበ እዩ።
እንተኾነ ዕብየት ማርያም አብቲ አብ ልዕሊአ ዝወረደ ጸጋታትን ክብርን ጥራሕ ዝተሓጽረ አይኮነን። እቲ ንሳ ዝሃበቶ መልሲ ንጸጋ አምላኽ ዓቢ ክብሪ ይህባ። ዕብየታ ብምሉእ እምነትን ሓላፍነትን ነቲ አምላኽ ዝበላን ምስኡ አስዒቡ ዝመጽእ ኩሉ ከምዘሎ ብምቕባላ እዩ። ንሳ አደ ኢየሱስ ብምዃና እንታይ ዓይነት ዋጋ ከምእትኸፍል ሓንቲ አፍልጦ አይነበራን። ከም ወዳ ንርእሳ አብ ምሉእ አገልግሎት ኢሚንቲ ገራ ተቐቢላቶ። ሎሚ ናይዚ ኩሉ ዝገበረቶ ዓስቢ ዝተቐበለቶ ኢና እነብዕል ዘሎና። አብቲ ልዕሊ ኩሎም ደቂሰብ ዝገብራ ቦታ ክብሪ ተቐሚጣ አላ።
ናይ ማርያም መወዳእታ ናታትና መወዳእታ እዩ። ሎሚ አብ መጻኢ ምስአ አብ መንበር ክብሪ ክንነብር ምዃና ንአምን አሎና። አብ ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወትና ክተሰንየና ንወዳ ክትልምነልና ንለምና። ከምእሙናት አገልገልቲ ኩሉ ጊዜ እሙናት ኮና ክነብር ሓግዝና ኢልና ንለምና። ንድላይ አምላኽ ፈሊጥና ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ሕራይ ክንብል ሎሚ እምነትና ንሓድስ።
ብዓለ ፍልሰታ አብ መወዳእታ ናይ ዓመት ኢና እነብዕሎ ንሓዲስ ዓመት ኢና እንሰናዶ ዘሎና ዘመን ማቴዎስ ወዲእና ዘመነ ማርቆስ (2006 ዓ.ም.) ክንጅምር ኢና። አብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝሃበና ጸጋታት ኩሉ እናአምስገና ንዝወደቕናሉ ኩሉ እና ተነሳሕና ነዚ ዝመጽእ ዓመት ከአ በቲ ንሱ ዝደልዮ ሕይወትና ክንመርሕ ብማርያም አቢልና ንለምኖ።
ኦማርያም አደና ካብ ወድኺ ምሕረት ለምንልና ንስሓለፈ ድኽመትና አይትርአዪ ተሓዲስና እሙናት መስከርቲ እምነትና ክንከውን ሓግዝና። ንስኺ አደ ቤተ ክርስትያን ኢኺ እሞ ሎሚ እውን አብ ሕቕፍኺ አንብርና ንበላ።
ርሑስ ብዓለ ፍልሰታ
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.