2013-08-15 16:15:40

ፖሊቲካዊ ቅልውላው ምስሪ ፡


ኩነታት ፖሊቲካ ምስሪ ከምዘይተረጋግኤን አብ ርእሰ ከተማ ካይሮ ናይቶም ዝሐለፈ ወርሒ ሐምለ መጀመርያ ሰሙን ካብ ስልጣን ዝተወገዱ መሐመድ ሙርሲ ደገፍቲ ካብቲ ንምቅዋም ዓሪዶምሉ ዝነበሩ ቅርዓታት ካይሮ ክእለዩ ፖሊስ ሐይሊ አብ ዝተጠቅመሉ ግዜ 124 ሰባት ከም ዝተቀትሉ አጃን ፍራንስ ፕረስ አገልግሎት ዜና አፍሊጡ ። አብ ካይሮ ዝርከብ ወኪል ዜና አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝተቀትሉ ሰባት ከም ዝቆጸሮም ገሊጹ ። ካልእ ካብ ካይሮ ዝተዘርግሔ ዜና ከም ዘመልክቶ ክአ ዝተቀትሉ 93 ዝቆሰሉ ልዕሊ ሾሞንተ ሚእቲ ከም ዝኾኑ የመልክት ። ተቃወምቲ መንግስቲ ምስሪ አብያተ ክርስትያናት ከም ዘቃጸሉ ካብ ካሮ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።
Nile tv ዝተባህለ ንመንግስቲ ዝቀረበ አገልግሎት ተለዥን ዝሀቦ ሐሃቦ ሐበሬታ ከም ዘምልክቶ ክአ ትሽዓተ ደገፍቲ መሐመድ ሙርሲ ሽዱሽተ አኽበርቲ ጸጥታ ተቀቲሎም ብሚእቲ ዝቁጸሩ ሰባት ክአ ቆሲሎም ።ነቲ አብ ካይሮ አብ ሞንጎ ደገፍቲ መራሕ መንግስቲ ዝነበሩ መሐመድ ሙርሲን ፖሊስን ዝተኻየደ ሐያል ግጭትን አብ ልዕሊ ሕይወት ሰብ ዘስዓቦ ጉድአትን ብጭቡጥ ክትፈልጥ ከም ዘሸግር ክምልከት ከሎ እቲ ሐቂ ግን ብጥንቂ”ቲ ግጭት ብዙሐት ሰባት ሕይወቶም ከም ዝሐለፈ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ። አባላት አል አኽዋን አል ሙስሊሚን ደገፍቲ መሐመድ ሙርሲ አብቲ ግጭት አጽዋር ውግእ ከም ዝተጠቅሙ ይምልከት ።ትማሊ አብ ከተማ ናስር ፊት ንፊት መስጊድ ራባ አዳዊያ አብ ሞንጎ ደገፍቲ መሐመድ ሙርሲን ሐለውቲ ጸጥታን ብረታዊ ረጽሚ ከም ዝተኻየደ አብ ካይሮ ክልቲኡ ወገን ብረት ከም ዝተጠቅመ ብዓይኖም ዝርአዩ ገሊጾም።ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ኤውሮጳ ሕብረት መንግስታት ቀጠር ኢራን ቱርክ እዚ አብ ምስሪ ዝርኤ ዘሎ ግጭት ብቅጽበት ክግታእ አተሐሳሲቦም ናይ ምስሪ ናይ ፖሊቲካ ማሕበራት ዘሳተፈ መአዲ ዘተ ክጅመር ጸዊዖም።ናይ ምስሪ ሚኒስትሪ ውሽታዊ ጉዳያት አብ ቅርዓተታ ካይሮን ክልኦት ከተማታትን ዓሪዶም ዝነበሩ ደገፍቲ መሐመድ ሙርሲ አብ ልዕሊ ፖሊስ ተኩሲ ከም ዝኸፈቱ ከምልክት ከሎ ሰልፊ አል አኽዋን ሙስሊሚን ፖሊስ አብ ልዕሊ ተቃወምቲ ሐይሊ ብረት ተጠቂሙ ክብል ከም ዝኸሰሰ ይንገር ።መሰጋገሪ መንግስቲ ምስሪ ንሐደ ወርሒ ናይ ህጹጽ ግዜ አዋጅ አውጺኡ ከም ዘሎ ካብ ካይሮ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ። መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስሪ ፕረሲደንት አድሊ ማንሱር ሰራዊትን ፖሊስን ምስሪ ሕግን ሥርዓትን ህዝብን መንግስታውን ብሕታዊ ንብረት ብጥብቂ ሐለዋ ክገብር አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ ክአ ተነጊሩ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.