2013-08-15 12:02:06

ስብከት ር.ሊ.ጳ. ናይ ፍልሠታ ለማርያም!


ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን! ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ፍጻሜ ናይቲ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ሰንዱ ቍ.59 ብዛዕባ እግዚ እትነ ማርያም ደስ ዘብል አስተንትኖ አንቢሩልና አሎ፣ ነዚ ንናይ ሎሚ በዓለ ፍልሠታ ለማርያም ዝምልከት ጥራይ ክጠቅስ፤ እታ ቀዳመይቲ “ንጽሕት ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ርስሓት ሓጢአት አቦና አዳም ዝተሓለወት፤ ምድራዊ ሕይወታ ምስ አብቅዐት ብነፍሰ ሥጋአ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ፈለሰት” ትብል፣ ደሓር አብ ከባቢ መወዳእታ ናይ ቍ. 68 “እኖ ኢየሱስ በቲ አብ ሰማይ ብዘለዋ ናይ ነፍስን ሥጋን ክብሪ፤ ናይቲ አብቲ ዝመጽ እ ዓለም ፍጻሜ እትረክብ ቤተ ክርስትያን ምስልን መጀመርታን ኢያ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ርጉጽ ምልክት ተስፋን ምጽንናዕ ነጋዲ ሕዝበ እግዚአብሔርን ክንዲ ዝኾነት ክሳብታ ዕለት ጐይታ እትመጽ እ ንሳ አብ ልዕሊ ምድሪ ተንጸባርቅ” ይብል፣ ብብርሃን እዚ ድሙቅ ምስሊ እኖና እግዚእትነ ማርያም ነቲ አብ ቅዳሴ ዝሰማዕናዮ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ክንርዳእ ንኽእል፣ ብሰለስተ ቃላት ከአ ክንጥቅልሎ ንኽእል፤ ገድሊ ትንሣኤ ተስፋ ዝብላ ቃላት ነስተንትን፣
አብ ራእዩ ለዮሓንስ አብ መንጎ እታ ሰበይትን እቲ ገበልን ዘሎ ገድሊ ወይ ቃልሲ ንምልከት፣ ናይታ ሰበይቲ እቲአ አምሳል ቤተ ክርስትያን እንክትኸውን ብሓደ ወገን ክብረት ዝመልአ ዕውቲ ኮይና እንክትረኤ በቲ ሓደ ወገን ከአ አብ ብርቱዕ ገድሊ ተጸሚዳ ትርከብ፣ ብሓቂ እንተተመልኪትና ከአ ቤተ ክርስትያና አብ ከምዚ ኩነታት ኢያ እትርከብ፣ ብሓደ ወገን አብ ሰማይ ምስ ክብሪ ጐይታአ ተጸሚዳ እንክትርከብ አብ ታሪኽ ሕይወታ ግን ገና ብቀጻሊ አብ ፈተናን ግድልን ትርከብ፤ እዚ ግድል እዚ አብ መንጎ እግዚአብሔርን እቲ ናይ ወትሩ ጸላኢ ዝኾነ ጸላኤ ሠናያትን ኢዩ፣ ሐዋርያት ኢየሱስ ክገጥምዎ ዘለዎም ከአ ነዚ ገድሊ እዚ ኢዩ፣ ንሕና ኵልና! እወ ንሕና ኵልና ሐዋያት ኢየሱስ ዝኾና ነዚ ገድሊ እዚ ክንጋደል አሎና፣ እኖና ማርያም ግን በይኖም አይተሓድጎምን፤ እኖ ክርስቶስን እኖ ቤተ ክርስትያንን ዝኾነት ማርያም ወትሩ ምሳና አላ፣ ወትሩ ምሳና ትጐዓዝ፤ ምሳና ኢያ፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያም እውን አብዚ ድርብ ኩነት እዚ ትካፈል ኢያ፣ ንሳ ንሓንሳብን ንሓዋሩን አብ ክብሪ እግዚአብሔር አትያ ኢያ፣ ኮይኑ ግን እዚ ንሳ ካባና ተፈልያ ርሒቃ አይሰም ዕን ኢዩ፣ እኳ ደአ ወትሩ ተሰንየና አብ ጐንና ኮይና ምሳና ትቃለስን ትጋደልን፤ አብቲ ክርስትያን ጸረ ናይ ጸልማት ኃይልታት ዝገብርዎ ቃልሲ ወትሩ ትድግፎም፣ እቲ ምስ እኖና ማርያም ኰና እንገብሮ ጸሎት ብሕልፊ ጸሎተ መቍጸርያ ትሰም ዑኒዶ አሎኹም መቍጸርያ ኢየ ዝብል ዘሎኹ! ዕለት ዕለትዶ ጸሎተ መቍጸርያ ትደግሙ ኢኹም! እንዲዒኸ! ርግጸኛ አይኮንኩን! እነሆኸስ ምስ እኖና እግዚ እትነ ማርያም እንገብሮ ጸሎት ብፍላይ ከአ ጸሎተ መቍጸርያን! ናይዚ ቃልሲ እዚ ትርጉም አለዎ፣ እዚ ጸሎትዚ አብቲ ተጻይ ጸላኤ ሰናያትን ተሓባበርቱን እንገብሮ ውግእ ዝድግፈና ቀንዲ መጋበሪ ኢዩ፣ ጸሎተ መቍጸርያ አብ ውግእ ጸግዕና ኢዩ፣
አብ ካልአይ ንባብ ቅ.ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ አብ ዝጸሓፎ መል እኽቱ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ይናገር፣ ክርስትያን ምዃን ማለት ክርስቶስ ብሓቂ ካብ ሙታን ከምዝተንሰኤ ም እማን ምዃኑ ይሕብር፣ ኩሉ እምነትና አብዚ መሠረታዊ ሓቂ እዚ ኢዩ ዚምስረት፤ እዚ ታሪኽ ዘይኮነ ጭቡጥ ሓቂ ኢዩ፣ ናይ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ናብ ሰማይ ብነፍሳን ብሥጋአን ምፍላስ እውን ኩሉ አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ኢዩ ተመዝጊቡ ዘሎ፣ ሰብ አውነት ናይ እኖ በቲ ናይ ወዳ ብሞት አቢሉ ዝተሳገሮ ሕይወት ይሰሓብ፣ ኢየሱስ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝሓለፈ ምስቲ ካብ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ዝወሰዶ ሰብ አውነት ኢዩ፣ በዚ ከአ ንሳ እታ ንምሉእ ሕይወቱ ብተአማንነት ዝሰዓበቶን ብልባ ዝሰዓበቶን ምሳኡ አብዚ ዘለዓለማዊ ሕይወት አትያ፤ እዚ እቲ መንግሥተ ሰማያት ቤት አቦ እንብሎ ኢዩ፣
እኖና እግዚእትነ ማርያም እውን ናይ መሥቀል ሰማዕትነት ትፈልጦ ኢያ! ናይ ልቢ ሰማዕትነት ናይ ነፍሲ ሰማዕትነት! ኢየሱስ አብ መስቀል ክሳቀ እንከሎ ንሳ ብልባ ብዙሕ ተሳቅያ ኢያ፣ ናይ ወዳ ሥቃይ ሙሉእ ብምሉኡ ብ ዕምቆት ተሳቲፋቶ ኢያ፣ አብ ሞቱ ብምል አት ተዋሃሂዳ ኢያ ስለዚ ከአ ጸጋ ትንሣኤ ሙታን ተቀቢላ፣ ክርስቶስ በዅሪ ናይ ዝተንሥ ኡ እንክኾን እኖና እግዚ እትነ ማርያም ከአ በዅሪ ናይቶም ዝደኃኑ ኢያ፤ ናይ ክርስቶስ ናይ ዝኾኑ ቀዳመይቲ ማለት ኢዩ፣ አደና ኢያ! ጠበቃና እውን ክንብላ ንኽ እል! ሓውትና ቀዳመይቲ ሓውትና ኢያ! ናብ ዝደሓኑ ቀዳመይቲ ኮይና ንሰማይ ዝበጽሔት ኢያ፣
እታ ሳልሰይቲ ቃል ዝበልኩኹም አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንረኽባ ንሳ ከአ ተስፋ ኢያ፣ ተስፋ ክንብል እንከሎና መንፈሳዊ ኃይሊ ኮይኑ አብቲ ዕለታዊ ገድሊ ሞትን ሕይወትን ቃልሲ ሠናይን እከይን እንከሎና አብ ትንሣኤ ክርስቶስን ሠናይ ነገር ናይ ፍቅሪ ከምዘሸንፍን ክንአምን ዘኽእለና ጸጋ ኢዩ፣ ማኅሌት እግዚ እትነ ማርያም ሰሚዕናዮ! ተዓብዮ ነፍስየ ዝብል ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም መዝሙር ተስፋ ኮይኑ እቲ አብ ጉዕዞ ዝርከብ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝዝምሮ ኢዩ፣ ናይ ብዙኃት ቅዱሳትን ቅዱሳንን መዝሙር ኢዩ፣ ካብዞም ቅዱሳትን ቅዱሳንን ገሊኦም ንፈልጦም መብዛሕት ኦም አይንፈልጦምን እግዚአብሔር ግን ጽቡቅ ገሩ ዝፈልጦም አቦታት አደታት መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ሰበኽቲ ወንጌል ካህናት ደናግል መንእሰያት ሕጻናት እውን ከይተረፈ አቦሓጎታት እኖሓጎታት፤ እዚኦም ኩሎም ነቲ ቃልሲ ናይ ሕይወት እናተጋደሉ አብ ልቦም ነቲ ናይ ሕጻናትን ትሑታትን ተስፋ ሒዞም ዝተጐዓዙ ኢዮም፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር በለት፤ ሎሚ እውን ትብሎ አላ፣ አብ ኩሉ ወገናት ዓለም ዘላ ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ቢላ ትዝምር አላ፣ እዚ ማኅሌት ምስጋና እዚ ምናዳ አብቲ ሕማማት ክርስቶስ ትሽከም ዘላ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ብ ዓቢ መንፈሳውነትን ጻዕቅን ይዝመር አሎ፣ ን አና ንክርስትያን መስቀል አብ ዘለዎ ወትሩ ተስፋ አሎ፣ ተስፋ እንተዘየሎ ክርስትያን አይኮናን፣ ስለዚ ከአ ኢየ ደጋጊመ ተስፋኹም ክሰርቁኹም አይትፍቀዱ ዝብል፣ እዚ ኃይሊ እዚ ሓደ ጸጋ ኢዩ፤ ናይ እግዚአብሔር ት ዕድልቲ ኮይኑ ንሰማይ እናጠመትና ንቅድሚት ከም እንምርሽ ከአ ይገብረና፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ከአ ወትሩ አባኡ አብ ጥቃ እዞም ማኅበረ ክርስትያን አኅዋትና አላ ምሳኦም ትጐዓዝ ምሳኦም ትሳቀ ምሳኦም ከአ ነቲ ናይ ተስፋ ማኅሌት ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ትዝምር አላ፣
ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን! ንሕና እውን ብምሉእ ልብና ምስዞም መሪር ቃልሲ ዘካይዱ ዘለው አኅዋትና ነታ አብ ንግደት እትርክብ ማለት ንሕናን አብ ሰማይ ዘላ ዕውቲ ቤተ ክርስትያንን ከማኡ እውን ምድርን ሰማይን ታሪኽናን ዘለዓለማውነትን ዘራኽብ ናይ ትዕግሥትን ዓወትን ናይ ገድልን ሓጐስን ማኅሌት ንዘምር፣








All the contents on this site are copyrighted ©.