2013-08-15 16:00:08

ር ሊ ጳ ፍራንቸስኮ ንሰበኻ አሱንስዮን አርጀንቲና መልእኽቲ ልኢኾም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ አርጀንቲና ንናይ ሰበኻ ኮንሰፕስዮን ጳጳስ ንብፁዕ አቡነ አርማንዶ ኾሰ ማሪያ ሮሲ መልእኽቲ ከም ዝልአኹ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።
በዚ መግለጺ”ዚ መሠረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጳጳስ ሰበኻ ኮንሰፕስዮን ንብፁዕ አቡነ አርማንዶ ኾሰ ማሪያ ሮሲ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ሰበኻ ኮንሰፕስዮን ዝሕቱል ክርስትና አዝዩ ዘፍርሕ ኢዩ ፡ ስለዝኾነ ክአ ሐዋርያት ከም ዝፈርዩ ምህባር ቅዱስ ወንጌል ምብሳር ዕለታዊ ተግባር ሰበካ ክኸውን ይምሕጸን ዝብል ትሕዝቶ አለዎ ።ፓፓ ፍራንቸስኮ ንመንበር ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከይተሰየሙ አብ አርጀንቲና ናይ ርእሰ ከተማ ቡኤኖስ አይረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኾርኸ ማርዮ በርጎልዮ ከለዉ አብ ሰበካ ኮንሰፕስዮን ብቀጻሊ መንፈስዊ ሱባታት ዘከየድሉ ዝስበኽሉ ሰበኻ ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ ቅድስቲ መንበር አዘኻኺሩ ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሰበኻ ኮንሰፕስዮን አርጀንቲና ጳጳስ ዝጽሐፍዎ ተሪር መልእኽቲ ቀጺሉ ሐደ ሰበካ ሐዋርያት ዘየፍሪ ቅዱስ መጽሐፍ ዘይሰብኽ እንተኾይኑ ከም ዘይውሕዝ ማይ እቶም ኩሉ ዝፈልጡ ዝመስሎም ክአ ከይተፈለጦም በብቅሩብ ልቦም ንእግዚአብሖኤር ይዓጽዉ እሞ አብ ገዛእ ርእሶም ጥራሕ አተኲሮም ይተርፉ እዚ አብ ሰበኛ ኮንቸፕስዮን ክኽሰት ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ ክአ ከም ዘገንዘበ እቲ መግለጺ አገንዚቡ ።
እዚኦም ክርስትና ንዓአቶም ብአአቶም ማለት ንዕኦም ብዝጥዕሞም አገባብ ክርስትያን ዝብሉ ብማለት እቲ መልእኽቲ ከም ዘመላኸተ ተፈሊጡ አሎ።
ብጸሎትን ብምህለላን ቅዱስ መጽሐፍ ብምንባብን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ትራኸብ ክአ እቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ አርጀንቲና ናይ ኮንሰፕስዮን ጳጳስ ንቡዕ አቡነ አርማንዶ ኾሰ ማሪያ ሮሲ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ከም ዘገንዘበ ተገሊጹ ።
አይኮነንዶ ውሉደ ክህነትስ ብሐፈሻ ኩሎም ሚስጢረ ጥምቀት ዝተቀበሉ ክርስትያን ቃለ እግዚአብሔር አብ አጽናፈ ዓለም ከብጽሕ ትሑዝ ከም ዝኾነ ክአ መልእኽቲ ፓፓ ፍራንቸስኮ ከም ዘገንዘበ ይምልከት ። አብ መዛዘሚ መልእኽቶም ክአ ንምአመናን ሰበኻ ኮንሰፕስዮን ንሕድሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሂቦም መልእኽቶም ከም ዝፈጸሙ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.