2013-08-13 19:29:58

አብ ብራዚል ሶሙን ሥድራ ቤት:


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ብራዚል ንዝዝከር ሶሙን ሥድራ ቤት አብ ምምራሕ ንዝርከብ ጉባኤ “ሕይወት ወዲ ሰብ ካብ ጽንሲ ጀሚርካ ወትሩ ክትከላኸሎ ዘድሊ” ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ጉባኤ እዚ ብጉባኤ ጳጳሳት ብራዚል ዝተሰናደወ ኮይኑ ከም መሪሕ ሓሳብ ከአ “ናይ ክርስትና እምነት ምትሕልላፍን ንእምነት ክርስትና ምስትምሃርን አብ ሥድራ ቤት” ዝብል ኢዩ፣ አቡናት ብራዚል ነቲ ቅድሚ ዓመታት አብ አፓረሲዳ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝካር “ስድራ ቤት ናይ ላቲን አመሪካ ዕዙዝ አድላይነት ዘለዎ መዝገብ ምዃኑን ናይ መላእ ዓሌት ደቂ ሰባት ውርሻ ምዃኑን” ዝገልጽ ኢዩ፣
ቅዱስነቶም አብ መልእኽቶም ዝኸበርኩም ሥድራ ቤታት ብራዚል ቢሉ ይጅምር እሞ ናብቲ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ዘሕለፍዎ ድሙቅ በዓል ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያትን ዝተገብረሎም ድሙቅ አቀባብላን ገና አብ ልቦም ዘይሃሥስ አሰር ከምዝገደፈ ንምግላጽ “ነቲ ካባኹም ዝተቀበልክዎ ሓጐስ አብ ልበይ አቈረዮ እጐዓዝ አሎኹ” ይብሉ፣ ቅዱስነቶም ንወለዲ ንምትብባዕን ፍሉይ መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ንኸረድኡ “ናይ ሥድራ ቤት ክቡል ተልእኾ ብቀዳምነት አብ ናይ መን እሰያት ሕንጸት ቀዳሞት ተሓባበርቲ እግዚአብሔር አብ መሠረታዊ ኃበሬታ ናይ ምንባርን ርግጸኝነት ናይ መጻኢ ንምሕባርን ከምዝኾኑ የመልክቱ፣ በዚ ኃላፍነት ወለዲ “ሓባራዊ ተግባራት አብ ሥድራ ቤት ንኸማዕብሉን ከምቲ አብ ብርሃነ እምነት መል እኽቶም ዝገለጽዎ እዚ ተግባራት እዚ ንደቆም እምነቶም ንኸብስሉ ዝሕግዞም ክኸውን ይምሕጸኑ፣ ቅዱስነቶም አተሓሒዞም ሓላፍነት ወለዲ ንምግላጽ ዚአክል “ወለዲ ነቲ መሠረታዊ ሃቅታት ሕይወት ብሕልፊ ከአ ፍቅሪ ደቂ ሰባት ብቃላት ል ዕሊ ኩሉ ከአ ብተግባር ንደቆም ከመሓላልፉ ከማኡ እውን ፍቅሪ ደቂ ሰባት ከውርሱ ትሑዛት ምዃኖም ይገልጹ፣ ብሕልፊ አብ ዘሎና ዘመን ንኩሉ ዓብሊሉ ዘሎ ንዘየፍርን ጥቅሚ ንዘይትረክበሉን ጐሓፎ አብ ዝብል አምር ዝተመርኰሰ ባህሊ ከወግዱን ነዙ ንክዋግ ኡ ከሰናድዎም ከምዘለዎምን ይሕብሩ፣ በዚ ከአ ወለዲ ንደቆም ከመሓላልፍዎ ዘለዎም ሥነ እምነት ሕይወት ደቂ ሰባት ካብ ጽንሲ ጀሚሩ ክሳብ ዕለቱ አኺሉ ናብ ቤት ጐይታ ዝምልስ ክቡር ከምዝኾነን መሰሉ ክሕሎ ከምዘለዎን ንከምህሩ ሓደራ ቢሎም፣ አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓለዋን ምህጽንታን ናይ ድንግል ማርያም ዘአፓረሲዳ ብምዝኽኻር ኩሎም ስድራቤታት ብራዚል ናይቲ ብ እምነት ዝተደገፈን ዝ እለን ፍቅሪ ጣዕሚ መሰኻኽር ንክኾኑ ብምምሕጻን መል እኽቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.