Home Archivio
2013-08-08 15:53:18
ግብጺ፦ ጽንኩር ህልው ኩነታት ግብጺ
ነቲ ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንምውጋድ ኣሚቱ ኣብ መንጐ ናይ ግብጺ ግዚያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብን ዘተ ክህሉው ነቲ ህልው ኵለ መዳዊ ቅልውላው ብሓባር ብዝቕበልዎ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ንምፍታሕ ሓቂኑ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመርሔ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሳተፍ ናይ ሓባር ዘተ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ግብጺ ናይ ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ርእሰ ብሔር እቲ ናይ ሓባር ዘተ ብዘይ ውጽኢት ክተፍር ዝደረኾ ምኽንያት ደገፍቲ ናይቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ነበር ርእሰ ብሔር ሞርሲን እስላማዊ ሕውነታዊ ፓለቲካዊ ውድብ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ምዃኑ የመልክት። እቶም ደገፍቲ ሞርሲ ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ፖለቲካዊ ውድብን ሰዓብትን ሞርሲ ናብ ስልጣኖም ክሳብ ዘይተመልሱ ቅዋም ሃገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዘይወዓለ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድማ ከምዘይቋርጹን ካብ ኣደባባያት ካይሮን መላእ ግብጽን ከምዘይወጹ ከምዝገለጹ እንክፍለጥ፣ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ሊቅ ልዊጂ ቦናናተ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳልቫቶረ ሳባቲኖ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ግብጺ ኩነት እቶ ጽድያ የዕራብ ሃገራት ዝተባህለ ማሕብራውን ፖሊቲካዊ ለወጢ ከምጽእ እዩ ዝበሃል ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ከይዲ ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ ዝብል ሕቶ ዘበግስ እዩ።
ብምዕራብ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍን ሃገራትን ሽማግለ ተባሂላ ክትግለጽ እንከላ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ሽማግለ ተባሂላ እያ እትግልጽ ጸኒሐ፣ ስለዚህ ናይ ግብጺ ዘይምርግጋእ ንጉዳይ እስራኤልን ፍልስጥኤም ከምዝተሓላልኾን ብጠቕላላ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአይ ዘሎ ቅልውላው ንገዛእ ርእሱ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ብዘይ ውጽኢት ከትርፍ ዝድርኽ ኩነት እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።
All the contents on this site are copyrighted ©.