2013-08-08 15:55:28

ዚምባብዌ፦ ድህረ ሕዝባዊ መረጻ ዘሎ ኩነት ኣብ ምርግጋእ ተራ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት


RealAudioMP3 ናይ ዚምባብወ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ፍረደርክ ችሮምባ ኣብ ዚምባብዌ ዘሎ ኩነት ድህረ ሕዝባዊ መረጻ እታ ሃገር ኣዚዩ ዘድልያ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ምርግጋእ ጅማረ እምበር ናብ ዝኸፍኤ ጐዳና ዝመርሕ ከይከውን እንክብሉ ኣብ ዚምባብዌ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሽም ከምእተላበዉ ቺኤንኤስ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዚምባብዌ ዘሎ ኩነታት ድህረ ሕዝባዊ ምርጫ እቲ ብርእሰ ብሔር ሮበርት ሙጋቤ ዝምራሕ ዛኑ ፒኤፍ እተሰምየ ሃገራዊ ግንባር ፖለቲካዊ ውድብ ከምዝሰዓረን ናይ ሮበርት ሙጋቤ ርእሰ ብሔርነት ስልጣን ከምዘረጋገጸን ክንገር እንከሎ ናይ’ቲ ዕለት 31 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምራጫ ውጽኢት ምድንጋር ዝተመልኦ ዘይሕጋዊ ኢዩ ኔሩ እንክብል ብሞርጋን ዝቫንጂራይ ዝምራሕ ዴሞካሲያዊ ለውጢ ምንቅስቃስ ሓቢሩ፣ ውጽኢት ሕዝብዊ ምርጫ ዘይቅበሎ ምዃኑ ድሕሪ ዝሃብዎ መገልጺ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከምቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ተኸሲቱ ዝነብረ ሕድ ሕዳዊ ውጥረትን ደም ምፍሳስን ከይተኣታትው ዘፍርሕ ምዃኑ ኣባ ቺሮምባ ገሊጾም ሕዝቢ ዚምባብዌ ውጽኢት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ሓቅን ግልጽነትን ዝቖመ ክኸውን ኣብ ሓቅን ግልጽነትን ክቡራት ዋጋታት ሓድነቱ ኣጽኒዑ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ደው ክብል ከምዘተሓሳሰቡ ቺኤንኤስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ናይቲ ሕዝባዊ ምርጫ ውጽኢት ዝተደናገረን ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል ተቓዋሚ ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ ብመሰረት ፍትሕን ሕግን መምርሒታት ክገጥሞ ሓደራ ከምዝበሉን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ዜምባብዌ ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገትን ናይ ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረትን ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ 2,796 ናይ ሓባር ተዓዘብቲ ኣካላት ኣዋፊሮም ከምዝነበሩን ኣብ ገለ ገለ ነቑጣ እንተዘይኮይኑ ኣብ ጠቕላላ ከባቢ ከይዲ ሕዝባዊ ምርጫ ስርዓት ዝሓለወ ኢዩ ኔሩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.