2013-08-08 15:49:50

ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፦ እምነት ዘጽንዕን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝተናዕቁን ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቖም ንዝርከቡ ዘተባብዕ እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፣ መሪሕ ስልጣናዊ ቃልን ምዕዳንን ስብከትን ኣስተምህሮን ብምልጋስ ዝነበርዎ ሱታፌ ኣመልኪተን ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕብራዊ ሽግራት ወዲቑ ንዝርከብ መንእሰይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋል ዝርከብ “ሓደስቲ ትርኢት (ኣድማስ)” እተሰምየ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ መስራቲት ኪያራ ኣሚራንተ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬኤላ ቸራዞ ኣብ ዝገበርኦ ቃል አምልልስ ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደጃነይሮ ንመንእሰያት ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ኣስተምህሮን ስብከትን ምልስ ቢለ ከስተንትን ብፍላይ ድማ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓደስቲ ኣድማስ የርህው ዝበልዎ ቃል፣ ነቶም ኣብ ሕሱን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን መከራን ድኽነትን ወዲቖም ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ንዝነብሩ ዜጋታት ብቐረባ ምርኻብን ኣብ ኣገልግሎቶም ክትጽመድን ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን እዩ። ስለዚህ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ባህሊ ኣዘኻኺሮም ኣብ ገጽ ካልእ ኢየሱስ ምልላይ እዚ ድማ ኣምነት ተስፋን ፍቕርን የንብር እንክብሉ ብምድግጋም ዘስምዕዎ ሓሳብ ሕይወትና ሓድሽ ጥዑም መኣዛ ክህልዎ እምነት ምስ ኣነንብር ከምዝኾነን፣ እምነት ተስፋ ፍቕሪ ልቢ ሰብ ዝልውጥ ምዃኑ ኣረጋጊጾምልና እዮም” ምስ በላ ኣብ ጎድኒ ሕዙናትን እሱራትን መበለትን ብዝተፈላለየ ጸረ ሰብኣዊ ብዝኾኑ ኣደንዛዚ እጸዋት ዝተጠቕዑ ብቐረባ ምርኻብን እዞም ብዝተፈላለየ ሽግር ዝተጠቕዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ በይኖም ከምዘይኮኑን ዘፍቕሮምን ኣብኦም ተስፋ ዘንብር ሰብ ከምዘሎ ክስምዖን እንከሎ ካብቲ ዝወደቕዎ መከራ ንኽላቐቑ ዓቢይ ሓይሊ እዩ ዝኾኖምን ብርግጽ ዝተፈላለየ ዓይነት ደገፍ የድልዮም እዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ዓቢ ፈውሲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምዃኑ ገሊጸን ቅዱስ ኣቦና ነዚ እዮም ዝመስከሩ ኢለን።
ብቓል ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ ማለት ብሕይወት እውን ኣብነት ኰይንካ ምርኻብ እዩ ዘገድስ፣ ስለዚህ መንእሰይ ብቓልን ሕይወትን እምነት ዝነብር ሰብ ምስ ዝርእይ ኣብ ሕይወቱ ዓበይቲ እወታዊ ውሳኔታት ንምንቕቓሕን ሕይወቱ ናብ ሰናይ ክመርሕ ከምዝተባባዕ ገሊጸን፣ ቅዱስ ኣቦና ብሱታፌኦም መሰረታዊ ለውጢ ክህሉ ዝተማልአ ምስክንረት ኣገዳሲ ምእዃኑ ኣነጺሮምልና እዮም ኢለን።
ሓቀይና ምሉእ ሓጎስ በቲ ኣህላኽነት ወይ ድማ ሄዶንነትን (ስጋዊ ደስታ እቲ ዝበለጸ ፍስሃ እዩ ዝብል እምነት)፣ ግኡዝነትን ብሓቂ ዘደናግሩ መገድ ኣይኮነን፣ በዞም ኣሉታዊ መገድታት ክዋኔ ገዛእ ርእስኻ ፈጺሙ ክረጋገጽ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። በንጻሩ ናብ ሕሱም ጽምዋን በይናዊ ሕይወትን ዝድርኽን ኣብ መወዳእታ ቀቢጸ ተስፋነትን ጽግዕተይናነትን እዩ ዘተኣታትው፣ ካብዚ ሕይወት’ዚ ዘላቕቕ እምነት ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ሱታፌ ኣብ መዓለቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብሓጺሩ ነዚ ይመስል እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.