2013-08-06 15:03:18

ዝኾነ ይዅን ዓይነት ውግእ ምንጻግን ኣይፋል ምባልን


RealAudioMP3 ውግእን ዕንወት ሳዕቤን ኣቶሚክ ቦምብን ፈጺሙ ከይህሉ ዝብል ጻውዒት ዘቃልሕ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ጳጳሳዊ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣብ ጃፓን ከተማ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ይቕጽል ከምዘሎ እንክምልከት፣ እዚ ዕለት 9 ነሓሰ ዝዛዘም ካብ ዕለት 5 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝካይድ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነቶም ኣብ ዕለት 6 ን 9 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ብዝወረደ ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ መጥቃዕቲ ኣደዳ ዝኾኑ ንምዝካር ዝሃቀነ ክኸውን እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ሂሮሺማ ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኢየሱስ ንድቀ መዛሙርቲ ምስ ተገልጸ ሰላም ነዓኻትኩም ይኹን ብዝብል ቃል ነቲ ሓዲርዎም ዝነበረ ራዕድን ፍርሕ ይግስጽ፣ ስለዚህ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸመዎ ክሕደት ክጸባጸብ ዘይኮነስ እቲ ምስ ጐይታ ዘተዓርቖም ሰላም ይጽግዎም፣ ምስ በሉ ነዚ ዝዓደሎም ጸጋ ሰላም ምስጋና ይዅኖ ደቀ መዛሙርቲ ይብሉ ቀጺሎም ብፁዕነቶም፦ “ናይ ምሕረትን ዕርቅን ኣገልገልቲ ክኾኑን ዕርቅን ምሕረትን ከበስሩ ይለኣኹ” እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ቅንዋቱን ዝተቐበሎ ስቓይን መከራን ዝወረዶ ዓመጽ ኩሉ ዝሕብር ኣካሉ እውን እናርአየ ክብሩ ይገልጸሎም፣ ሰልዚህ እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ እቲ ዝተሳቐየ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሓጎስን ሰላምን ይጽግው” ምስ በሉ እቶም ኣብ ሂሮሺማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ምእመናን በቲ ናይ ጐይታ ብርሃን ተመሪሖም ክጐዓዙን ናይ ዕርቅን ሰላምን ኣገልገልትን መጋበርያ ክኾኑ ከምዝተሓሳሰብ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ጃፓን ምስቲ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ በቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝወረደ ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ መጥቃዕቲ ኣደዳ ዝኾኑ ንምዝካር ኣሚቱ “ዓሰርተ መዓልቲ ንሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ካብ ዕለት 6 ነሓሰ ክሳብ 15 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ምስ ዘካይዶ መደብ ዝተነቓቕሔ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ሎሚ ዕለት 6 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ሰላምን ፍታሕን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኣብ ሂሮሺማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ማለት ናይ ቡድሃን ሺንቶይን ፕሮተስታንትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሳተፈ ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ከምእተሳተፉን ጽባሕ ዕለት 7 ነሓሰ ብፁዕነቶም ኣብ ናጋሳኪ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሕድ ሕድ ዘተ ማእከል ንኽብሮም ኣብ ዘቕርቦ ናይ ድራር ዕድመ ተኻፊሎም ኣብ ናጋሳኪ ናይ ተዘክሮ ኣደባባይ ኣብ ዝካይድ በዓል ናይ ተዘክሮ መርሃ ግብሪ ከምዝሳተፉን፣ ኣቲ ተዘክሮ ነቶም ዝሓለፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ብሕይወት ንዘለዉ ኣቶሚክ ቦምቢ ብዘስዕቦ ቀጻሊ ሳዕቤን ዝሳቐዩ ንዘለዉ ዝዝከር ምዃኑ የመልክት።
ዕለት 9 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ብፁዕነቶም ኣብ ናጋሳኪ ምእንቲ እቶም ናይ ኣቶሚክ ቦምቢ ኣደዳ ዝኾኑ ኣብ ካቴድራል ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሕቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.