2013-08-03 16:08:39

ብፁዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ፦ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ናይ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ልዑልን ዝተትረፍረፈን ምሕረት እዩ።


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 2 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. በዓለ ዘምሕት ኣብ ኣሲዚ ከምእተበዓለ እንክምልከት፣ ኣብዚ በዓለ ዘምህረት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቁጸሩ ምእመናን ከምእተሳተፉን ምስእዚ በዓል’ዚ ተተሓሒዙ ዝፍጽመ ናይ ፍራንቸስካውያን መበል 23 መንፈሳዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ እውን ከምእተፍጸመ ነቲ በዓል ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።
ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ እቲ ኣብ 1216 ዓ.ም. ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንር.ሊ.ጳ. ኢኖቸንዚዮ ሳልሳይ ዘቕረቦ ጸጋ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ተቐባልነት ረኺቡ ብቐጻልነት ክበዓል ከዝጀመረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ዘረጋግጾ እዩ።
ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣሲዚ ኖቸራ ኡምብራን ጉዋልዶ ታዲኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ጸጋ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ንኽሓትት ዝደረኾ ምኽንያት እንይታ ኮን ይኸውን ዝብል ካብ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ ቅድም ቀዳድም ኵሉ ኣብ ጐይታ ሕጉስ ክኸውን ዝብል ድላይ እዩ። ስለዚህ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝብል ቃል ኣዚዩ ልዑልን ዝተትረፍረፈን ምሕረት ኣብ ሓጢኣት ኣብ ምምሓር ጥራሕ ዝሕጸር ዘይኮነስ ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ጎዳና ቅድስና ዳግም ክትጓዓዝ ሓይልን ትብዓት ጽንዓትን ዝህብ እዩ፣ ኣብ ጸዋዕታ ንቕድስና ዝመርሕን ዘሰንይን እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጾም፣ ንመንግስተ ሰማይ ዘብቅዕ እዩ፣ መንግስተ ሰማይ ዝከኣል ምዃኑ ዝረጋግጽ እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ “ኵሉ ፍጥረት ናብ መንግስተ ሰማይ ክልእኽ እምነይ” ይብል እዚ ድማ ምስ ጐይታ ብምርኻብ ሕድገት ወይ ድማ ምሕረት ሓጢኣት ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣኡን ብብርሃኑን ምሉእ ዝኾነ ሕይወት ክህልዎ መታን ኩሉ ፍጥረት ብእግዚኣብሔር ዝተመልአ ክኸውን ዝብል ድላይ ምልኣት እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ድሕሪ ሕድገት ሓጢኣት እቲ ሓጢኣት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልባትናን ሕሊናን ሓዲግዎ ዝሓልፍ ከበድ ዘወግድ እዩ። ስርየተ ምሉእ ሓጢኣት ማለት ድማ ነሱ እዩ ኢሎም።
ንጸጋ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝድርኽ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብፁዕነቶም እንክምልሱ፦ ኣባና ዘሎ ድላይ ለውሃትን ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር እዩ። እዚ ድላይ’ዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔርን ገዛእ ርእስናን ምስ ካልኦትን ሰናይ ርክብ ክህልወና ዝመርሕ እዩ። ብሓጺሩ እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድላይን ጽምእን ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ዝብል ምስጢር ዘረጋግጽ እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም ነቲ ናይ ምሕረት ተመክሮን ምሕረት ምሃብን ስለምይታ እዩ ሸኽሚ ዝኾነና ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፦ ምስ ናይ ልቢ ሕቶ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ እዩ፣ ስለዚህ ልቢ ሰብ ይዝንግዕን ይደናገርን ዝኾነ ይኹን ሓጢኣት ካብ ትረት ልቢ ዝምንጭ እዩ። እቲ ከም ወሓዚ ማይ ኮይኑ ነቲ ትረት ኩሉ ዘጥፍእ ፍቑራት ምዃና ክስምዓና ዝገብር ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ግን ገዛእ ርእስና ካብ ፍቕሪ ንከላኸል፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ሓልዮትን ርህራሄን ምሕረትን እግዚኣብሔር ድለዩ ደኣ እምበር ከፍርሓኩም የብሉን እንክብሉ የስተምህሩና፣ እዚ ዓይነት እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ኣብ ርክባትናን ተመክሮ ክንገብሮ ይግባእ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀረባ ኣዋን ዝበልዎ፣ ኣክዲ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምትሕልላይ ኵላዊ ንገብር ሸለልተይናን ንኻልእ ዘይምግዳስ ባህሊ ዓውሎማ እናኾነ ይርአይ ኣሎ ቢሎም፣ እዚ ድማ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘድልየና ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓቂ እዩ፣ ኢሎም።
ዕለት 4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሲዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም፣ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኡምብሪያ ንምእንጋድ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ኣመልኪቶም፦ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌሉን ክንራኸብን ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሕይወት ቅድስና ተመሊስና ከነስተንትኖን ከነንብቦን ኵላትና ንቕድስና ዝተጸዋዕና ምዃንና ዘተባብዕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ ስለዚህ እቲ ምቅርራባት ኣብዚ ዓይነት እማነ ዝተመስረተ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.